Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍርሒ የብቕዕ!

ብ.ኣበባ ኣብርሃ፡ ቶሮንቶ ካናዳ 30/03/2012 ሰላምን ቅሳኔትን ዝነገሳ ሕጊ ኣቑማ ዝዓግት ኣበሳ ፍትሒን ቅንዕናን ዝተሓወሳ ክትከውን ሃገርና፣ስኒት ነሐድሳ፡ ኣይክትሓፍሪን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ ኣይትወላወሊ ኣጆኺ ኣይትግርሒ ነግፈርግ ኣይትበሊ ኣይትማትኢ መጻወቲ ከይትኾኒ፣ ንወኻሪያ ንዝብኢ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ ኩሉ ዕጉብዩ ብኣስተዋጽኦኺ ፍርሒ የብቕዕ! ጥራሕ በሊ ኣጆኺ ኩሉ ክስለፍዩ ኣብ ጎንኺ፡ ደቃ

ብ.ኣበባ ኣብርሃ፡ ቶሮንቶ ካናዳ

30/03/2012

ሰላምን ቅሳኔትን ዝነገሳ

ሕጊ ኣቑማ ዝዓግት ኣበሳ

ፍትሒን ቅንዕናን ዝተሓወሳ

ክትከውን ሃገርና፣ስኒት ነሐድሳ፡

ኣይክትሓፍሪን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ

ኣይትወላወሊ ኣጆኺ ኣይትግርሒ

ነግፈርግ ኣይትበሊ ኣይትማትኢ

መጻወቲ ከይትኾኒ፣ ንወኻሪያ ንዝብኢ፡

ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ

ኩሉ ዕጉብዩ ብኣስተዋጽኦኺ

ፍርሒ የብቕዕ! ጥራሕ በሊ ኣጆኺ

ኩሉ ክስለፍዩ ኣብ ጎንኺ፡

ደቃ ዝሰኣነት ዝዘኽተመት ኣደ

ኩሎም ገዲፎማ ቦኽሪ ሕሳስልደ

ዝጎሃየት ማህጸን ዝተዓመጸት መርዓት

ደብስዋ ሎሚ ኣኺሉዩ ስዓት፡

ሕልና ዘዕረበ ዓይኒገጹ ዝኸወለ

ብኸይብሉኒ ዝፈርሀ ዝተዳህለ

ጌጋ ዝጸፍጸፈ ዘይብሉ ጠገለ

ክሓፍርዩ ጽባሕ ምስተባህለ እኒሀለ፡

ጸበባ ዝበዝሓ ረዳኢ ዘይብላ

ብሓዘን ተኾርሚያ በይና ዘላ

ሕዝንቲ ሃገረይ ብዘይመሰል ህዝባ

ልዑላውነት ከንቱ፡ ትርጉም ኣልቦ ዛዕባ፡

ጭቆናን ራዕዲን ካባኺ ክርሕቕ

ኩሉወዲ ሃገር ኣብ ሕቕፎኺ ክሕንቅቕ

ከምቲ ናይ ቀደምና ሂወት ነይንበቅቕ

ክሳብ ዓማጺ ሽፍታ ካብ ስልጣን ዝለቅቕ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT