ምስቲ ብ21 ጥሪ ኣብ ፎርቶ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ሰራዊት ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተሓይሩ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን ድሕሪ 4 ሰሙን ማእሰርቱ ከምዝዓረፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ንሱ፡ ብሕማም ሽኮርያ ጥቑዕ ስለዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ክልተ-ሰለስተ ግዜ ኢንሱሊን ተወጊኡ እዩ ዝንቀሳቐስ
ምስቲ ብ21 ጥሪ ኣብ ፎርቶ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ሰራዊት ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተሓይሩ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን ድሕሪ 4 ሰሙን ማእሰርቱ ከምዝዓረፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ንሱ፡ ብሕማም ሽኮርያ ጥቑዕ ስለዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ክልተ-ሰለስተ ግዜ ኢንሱሊን ተወጊኡ እዩ ዝንቀሳቐስ
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ብወልዱ ገብረክርስቶስ (ባርያ) ዝተፈጸመ ግፍዒ ህዝቢ ኣቖጢዑን ኣሕዚኑን ይርከብ። ኣባል ቤት ዕዮ ናይ ዓሻ ጎልጎል ምሉእ ስሙ - ማትያስ ስዩም ዕድመ - 34 ደረጃ ትምህርቲ - 12 ሞያ ስራሕ - ቶርኒቶረ ትውልዲ ዓዲ - ማይ ኣሓ ( ወረዳ መረታ ሰበነ) መንበሪ ቦታ - ማይጭሆት (ኣስመራ) ስራሕ ኣቦ -
ካብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣትሒዙ ብተደራራቢ ሕማማት ተጠቒዑ ብሓገዝ ሕክምና ሰንደልደል እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ውልቀምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣቡዛቢ ክሕከም ከምቐነየ ካብ ኣስመራን ኣቡዛቢን ዝረኸብናዮ ሓበሬታታት ኣረዲኡ። ቅድሚ ንሕክምና ንኣቡዛቢ ምልኣኹ ክልተ ግዜ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ (faint ኮይኑ) ከምዝነበረ ‘ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረዲኦም። ሓላፊ
ኣብ ኣስመራ ብብዝሒ ቆልዑ ይጠፍኡ ስለዘለው ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ ዝብል ምልክታታት ብብዝሒ ይጥቃዕ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ገዛባንዳ ጥልያንን ገጅረትን ካብ 10-12ዓመት ዝዕድሚኦም ብዙሓት ቆልዑ ከምዝጠፍኡን ወለዶም ንዘመልክቱዎ ብዓልስልጣን ሓርቢትዎም ኣብ መናድቕ ብስእሊ እቶም ግዳያት ኣሰንዮም ናይ ርድኡና
ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓርበኛ ዶር. በየነ ኪዳን ብሰሉስ ዕለት 16 ሚያዝያ 2013 ኣብ ከተማ ከለን ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተፈጺሙ። ልክዕ ሰዓት 13.30 ድ.ቐ ጸሎት ፍትሓት ኣብቲ ቀጽሪ’ቲ መካነ መቓብር ዝርከብ ቤት ክርስትያን ጀመረ። ኣዳራሽ ቤት ክርስትያን ነቲ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ብኣማእት ዝቝጸር
ኣብቲ ብዕለት 15.04.13 ኣብ ስታቫንገር ብህግደፍ ዝተኣንገደ ሴሚናር ወላ’ኳ ደለይቲ ፍትሒ ሴሚናር ካብ ምክያድ ክዓግቱዎም እንተ ፈተኑ ግዜ ስለ ዝሓጸረን ኣደራሽ ከኽልኡዎም ኣይከኣሉን። ብዝኾነ እቲ ኵነታት ከመይ ከም ዝነበረ ካብ እሙናት ተሳተፍቲ ኣባላት ደለይቲ ፍትሕን ምስ ደለይቲ ፍትሒ ዝደናገጹ ኣባላት ህግደፍን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይቕጽል’። ደለይቲ ፍትሒ
እቲ ወኪል ጭፍራ ህግደፍ እየ በሃላይ ወዲገራህቱ ኣብ በርገንን ስታቫንገርን ንደገፍትና ዝብሎም መሳኪን ንዕለት 13/04/13 ኣብ በርገን ሴሚናር ከካይድ ሓሲቡ ነይሩ። ክምስጠር ተባሂሉ ድማ ቅድሚ ሳልስቲ ንደገፍቱ ብናይ ሞባይል ሜሰጅ መልእኽቲ ተሰዲዱ። ምስጢራዊ ኣደራሽ ተታሒዙ፡ ምግቢ ተኸሺኑ ኮታ ኵሉ ምድላዋቶም ተወዲኡ ክንደይ ወዛሕዛሕ ቀንዩ። ነቶም
ኣብ ካላኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንጉዳይ ወተሃደራዊ ክንፍታት ብዝምልከት ዝተወሰነ ውሳኔ ኔሩ። እቲ ውሳኔ ድሕሪ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ናይ ኩለን ወተሃደራዊ ክንፍታት ዘለወን ውድባት ሰሚናር ብምግባር ኣብ ምውህሃድ ወተሃደራዊ ክንፍታተን ዘተኮረ ምይይጥ ኣካይደን ብሓባር ከስርሕ ዝኽእል ተግባራዊ ውሳኔታት ምውሳን እዩ ኔሩ። ነዚ
ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ኪሰግሩ ረኺበዮም ንበሎም፡ ተድሮስ ተኽለ ከምኡ ውን የማነ መሓሪ ዝተባህሉ ክልተ ደቂ ዓዲ ዃላ ከምዝረሸነ፡ ካብ ሞት ኣምሊጡ ሓደ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ መኻይዶም ሓቢሩ። እቶም መንእሰያት ናብ 16 መጋቢት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ሸውዓተ ሩባ ዝተባህለ ቦታ እንዳዝማች ዑቕቢት እዮም
ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣል በሽር ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዝፍትሑ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ባይቶ ገሊጹ። ንሱ ብተወሳኺ ፡መንግስቲ ንሃገራዊ ዘተ ውፉይ ከምዝኾነ ሓቢሩ።ፕረዚደንት ኣልበሽር ሱዳን ሃዋህው ንናጽነትን ምኽባርን ናጽነት ሓሳብ ምግላጽን ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ኣውሒሳ ኣላ ኢሉ።መንግስቲ ንዝኾነ ብዘይምግላል ምስ ኩሎም ፖለቲካውን ማሕበራውን ሓይልታት ርክባት ከምዝቕጽል ፕረዚደንት
ጉጅለ ህግዲፍ፡ 33ሚልዮን ናቕፋ ብምብኻን ኮራኹሩ ኣብ በዓል ሓሙሽተ ኮኸብ ሆቴል ዝፍንጥዙሉ ኣኼባ ኣካይዱ።ኣብዚ ካብ ትማሊ ዓርቢ ክሳብ ጽባሕ ሰኑይ ኣብ ቢርሚንግሃም ሂልተን ሆተል ዝግበር ዳንኬራ ንነብስወከፍ ኩርኩር ንመዓልቲ ልዕሊ ዓሰርተ ሹዱሽተ ሽሕ(16,000 ናቕፋ)ከምዝተኸፍለ ልኡኻት ድምጺ ረድዮ ኣሰና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።ነዚ ብኽነት ብዝምልከት ብተለፎን ዘዘራረብናዮም
ቀዳማይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣብ ዕለት 22 መጋቢት 2013 ቀዳማይ ኣኼብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ማእከላይ ባይቶ 05 ዝኣባላታ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት መሪጹ። ከምኡ’ውን ዝርዝር መደብ ስርሓት ንፈጻሚ ቤ/ጽሕፈት ሂቡ። ሓድሽ ዝተመርጸ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዶክተር
ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝኣሰሮም 33 ጋዜጠኛታት ራድዮ ባናን ምስኣቶም ብዝተተሓሓዝ ምኽንያት ተመቝሖም ዝነበሩ ገጠምትን ሰነጥበበኛታትን ብዋሕስ ክፈትሕ ከሎ፡ ን6 ካብኣቶም ገና ኣሲሩዎም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም ዛጊት ዘይተፈትሑ ግዳያት ማእሰርቲ ህግደፍ፡ ይርግኣለም ፍስሃ (ካብ ገለ እዋናት ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ
ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንልዕሊ 4 ዓመታት ብዘይፍርዲ ዝተኣሰሩ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ናይ ትካየድ መደበር ራድዮ ባና ጋዜጠኛታት ካ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ ዋሕስ ከምጽኡ ተሓቲቶም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። እዞም ብጅምላ ዝተኣሰሩ መሳኪን ግዳያት፡ ከምቲ ስርዓት ኢሳይያስን ዓሻክሩን ብልሙድ ዝገብሩዎ፡ ብዘይክስን ፍርድን ንልዕሊ 4 ዓመታት ዝተኣሰሩ ኳ እንተኾኑ፡
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ኩነታት ፎርቶ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣብ ዝሃብናሉ እዋን ታሪኽ ህይወት እቲ ኣብ ስርሒት ፎርቶ 2013 ዝተሰውኤ ጅግና ተጋዳላይ ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ: ከነስዕበልኩም ምዃና ተማባጺዕና ኔርና። እንሆ ድማ ነቲ ካብ ደቂ ኣሃዱኡ ዝተላእከልና ታሪኽ ህይወቱ ነቕርበልኩም። ስእሉ ኣሰኒና ክነቕርቦ ኳ ድሌት እንተነበረና
በዒለት 17. 02. 2013 ዓ.ም ብስም ማሕበረስብ ስቱትጋርት መኸተ ብዝብል መጸውዒ ዝገበሮ ኣኼባ ካብ ትጽቢታት ወኪል ጉጂለ ህ ግ ደ ፍ ኣምባሳደር ጴጥሮስ ጸጋይን ወይጦታቱን ወጻኢ ብዝኾነን ስ ምዒት ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝተንከፈን፡ደለይቲ ፍትሒኣብ ኣፍደገ መኣከቢ ኣዳራሽ (Sänger Halle) ብ ምርካብ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ አምቢ ንምልኪ
ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ኣብቲ ህግደፍ ከም ድላዩ ዝቆጻጸሮ ቦታ ኮይኖም እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ፥ ንኹሉ ውዲታት ህግደፍን ደገፍቶምን ብምስዓር ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝገብርዎ ዘለዉ ቃልሲ ውጽኢታዊ ምዃኑ እቲ ካብ ማዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዛየደ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ኣባላቶምን ጨናፍሮምን ይሕብር [gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2013/03/EYSC_NA.pdf"]
“100 ፖሊስ ን 90 ኣኼበኛታት” ብብድሆ መንእሰያት ኤርትራ ሊድስን ከባቢኣን ዝባህረረ ልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ትማሊ ሰንበት 3 ለካቲት ብልዕሊ 100 ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ሓለዋ እናተገብረሉ፡ ናይ 90 ሰባት ኣኼባ ኣካይዱ። ዝረኸቡዎ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ፡ ን12 ሰዓታት ንኹሉ መእተዊ ኣንጎሎታት ብቫንን ፖሊስን ዓጽዮም፡ ቅድሚ ልዕሊ
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ከም መተካእታ ናይቲ ኣብ ማሕዩር ስርዓት ህግደፍ ተዳጕኑ ዘሎ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን፡ ንኣማሓዳሪት ከተማ ማጽዕ ነበር ፋና ተስፋማርያም፡ ከም ዝመዘዛ ብጎቦ ጎቦ እቲ ስርዓት ኣረጋጊጹዎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዜና ኣሰና ኣቐዲምና ኢሳይያስ ኣማሓዳሪት ዞባት ክትከውን ሓጽዩዋ ከምዘሎ ኣብ
ስርዓት ህግደፍ በቲ አብ 21 ጥሪ 2013 ብዘጋጠሞ ህዝባዊ ናይለውሃልሃልታ ሰንቢዱ፡ ከም ኣመሉ ንሰራዊት ብብብብብናይ ሓሶት መብጽዓታት ንምትላል ነቲ ዝርካቡ ቁጠባዊ ትሕዝትኡ መእመኒ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳኡ ክጥቀመሉ ናብ ሰራዊት ስለዘዝበሎ ፡ እቲ ድሮ ብክብርን ምረትን መነባብሮ ክሳቐ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ መዓልታዊ መነባብሮኡ ኣዝዩ ሓሲሙ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ብሰንኪ’ዚ
ካብ በርሚንግሃም፡ ማንቸስተር፡ ሊድስ ዝኣመሰላ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ናብ ለንደን ብውቶቡሳት ንሓያለ ሰዓታት ዝወሓዙ ኣማኢት ኤርትራውያን ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ ንሳልሳይ ግዜ፡ ኣብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እቶም ኣዝዩ ቆራሪ ዝነበረ ኩነታት ኣየር ከይዓጀቦም ኣብቲ ንስርሒት ፎርቶ
ደምዳሚ መግለጺ ባይቶ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ሽዱሽተ ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 17-20/02/2013 ኣካይዱ። ባይቶ ስምረት ኣብ ኣኼባኡ ናይ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንጥፈታቱ ገምጊሙ ካብ ኩሉ ክፍልታት ዝቐረበ ጸብጻብ ብምስማዕ ስፍሕ ብዝበለ ኣገባብ ዘትይሉ። ብክፍልታት ዝቐረበ ጸብጻብ ምስ ገምገመ ናብ ናይ ዞባታት ወከልቲ ብምሕላፍ ካብ
ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ እንደገና ተኣሲሩ። ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ (ወዲ ሓጂ) ምስቲ ብ21 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ስርሒት ፎርቶ ብተኣሳሰረ ምኽንያት ዳግም ተኣሲሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። ሚኒስተር ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ኣብ ጽባሕ ናይቲ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ተኣሲሩ ኳ እንተነበረ ኣብ
ኣብ ጅዳ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ምሉእ ዓለም ዶላራት ን ዲክታተርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምቕባል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ሓዋላ ዘሳልጥ ዝነበረ መጋበርያ ዓብደልሓይ ዓብደልቓድር፡ ትማሊ ምሸት ብ ፖሊስ ስዑዲ ዓረብ ተታሒዙ ኣብ ማእሰርቲ ተዳጕኑ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ጅዳ ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ቤትስፍየት ዙርያታት ዘለዎ ዓብደልሓይ ዓብደልቓድር፡ ካብቲ ኣብ
በቶም ነጋዶ ሰብ ዝኾኑ ጨካናት በደዊን ኣብ ሲናይ ጅሆ ተታሒዞም ኣብ ሓደ ማሕዩር ይሳቐዩ ኣስታት 30 ኤርትራውያን፡ ብምቕጥቃጥን ሓዊ ምትኳስን ተሳቕዮም፡ ሓንቲ ሕርይቲ ዝተባህለት፡ ኣብ ዚሓለፈ መደብ፡ “ድምጺ ስቅያት ካብ ሲናይ” መደብ ራድዮ ኣሰና ኣዛራሪብናያ ዝነበርና ካብ ሸገራብ ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ዝተጨውየት ስንክልቲ (ቆራጽ
ብምኽንያት ናይቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ስርሒት ፎርቶ) ዝተኣሰሩ መራሕትን ደገፍትን ኣብ ቪላጆ (ኣስመራ)፡ መቓብር እንዳ ምኪኤል ተደኵኑሉ ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ መንበሪ ኣባይቲ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት (ጸጥታ) ዝርከበሉ ቦታ፡ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም። ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ኩነታት ናይ
ኣታራጣርነት ናይቲ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ኣብ ዓሰርተ መዓልቲ ዘጋጠመ ሞት ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት (ጸጥታ) ኮለኔል ዓብድራሕማን ማሕሙድ ጃሲር እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ዝረኸብናዮ ኣፈናዊ ሓበሬታታት የረድእ። ዛጊት ረኺብናዮ ብዘለና ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብ ቤትጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ዝነበረ ኮለኔል ዓብድራሕማን ማሕሙድ ጃሲር፡ ብ
ድሕሪ ‘ቲ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብቲ ቀንዲ መደበር ተለቪዥን ኤርትራ ተደኵኑሉ ዘሎ ፎርቶ፡ ብ21 ጥሪ ዝተኻየደ ተባዕ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ዝካየድ፡ ባዕሉ ዝኸፍቶን መደረታት ዘስምዓሉን ዝነበረ፡ ኣብኵሩሉ ዘይፈልጥ ዓመታዊ ጽምብል ስርሒት
ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን- ደቡብ ኣፍሪቃ (ኤምዲሰመ)፣ አብቲ ብዕለት 01 ለካቲት 2013 ኣብ ንውዮርክ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ዝተኻየደ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ባይቶ መንእሰያት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፤ ተሳቲፉ። ኣባል ፈጻሚ ኣካል ኤምዲሰመ፤ ኣቶ ሜሮን ሰመዳር፤ ንኤምድሰመ ብምውካል ኣብ ኣብ ዘስመዖ መደረ፤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መዳርግቲ
መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኤውሮጳ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (Travel document) ዘለዎም ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ከይኣትዉ ዝኽልክል ኣዋጅ ከምዘውጽአ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት፡ ብረቡዕ 6 ለካቲት ካብ ነርወይን ጀርመንን ስድራቤቶም ክበጽሑ ናብ ሱዳን ዝገሹ ኤርትራውያን፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም በታ ዝኣተዉላ መንገዲ ኣየር ቱርኪ ብኡንብኡ ከምዝተመልሱ እቲ
ገዲም ተጋዳላይ ኢብራሂም ቶቲል ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝተኣስረ ምንጭታት ሓቢሮም። ማእሰርቱ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ‘ውን እቶም ምንጭታት ኣሚቶም። ገዲም ተጋዳላይ ኢብራሂም ቶቲል፡ ኣብ ገድሊ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብ 1987 ‘ዩ
ነቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ኣደዳ መጭወይቲ ዝኾኑ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታትን ነቶም ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ተጨውዮም ህዋሳት ኣካላቶም ናብ መሸጣ ዝወርድ ዘሎ ንጹሃት ዜጋታትን፡ ቆላሕታ ዓለም ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ኦተዋ ተኻይዱ። እዚ ብ4 ለካቲት ዝተኻየደ ውዕውዑ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓይነቱን ኣወዳድብኡ ዝተፈልየ
ነቲ ብጀጋኑ አባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብ21 ጥሪ 2013 ዓ.ም አብ ፎርቶ ዘልዓልዎ ሕቶ ህዝቢ ደገፉ ንምግላጽ ህዝቢ ቤይ ኤርያ ካሊፎርኒያ ብ 4 ለካቲት 2013 ዓ.ም ዉዕዉዕ ሰላማምዊ ሰልፊ አካይዱ። ብመሰረት አቐዲሙ ዝወጸ መደብ መሰረት ብአማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ቤይ ኤርያ ልክዕ ሰዓት 11፡00 ቅ.ቀ አብ
ስርዓት ህግደፍ፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ብሓይልታት ምክልኻል ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ንለውጢ ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት፡ ኣሮን ታደሰ ንዝተባህለ፡ ሓላፊ ህግደፍ ሓንቲ ካብ ዞባታት ኣስመራ ዝነበረ ተጋዳላይ ከምዝኣሰሮ ምንጭታት ሓቢሮም። ገዲም ተጋዳላይ ኣሮን ታደሰ፡ ቅድሚ ሓላፊ ንኡስ ዞባ ህግደፍ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ምምዛዙ፡ ናይቲ ብኣውገት ዝፍለጥ ውሩይ ቤት መጻሕፍቲ
ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ናብ ለንደን ዝወሓዙ መንእሰያት ዝበዝሑዎም ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፡ ነቲ ምዑታት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘካየዱዎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ምንቅስቓስ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽን፡ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምጽዋዕን፡ ሎሚ 1 ለካቲት፡ ኣብ ለንደን፡ ኣብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ
ወዲ ዓሊ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ’ታ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ኤርትራውያን ጀጋኑ ንሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ ተቖጻጺሮም ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ዝብል መልእኽቲ ብተለቪዥን’ቲ ስርዓት ዘመሓላለፉላ ታሪኻዊት ዕለት ዝተሰወአ ሓርበኛ ተጋዳለይን ናይ ለውጢ ተቓላሳይን ኢዩ። ወዲ ዓሊ ይኹን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ብጾቱ ነቲ ንስርዓት ኢሰያስ
ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ ሎሚ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ደረጃ ናጽነት ፕረስ 2013፡ኤርትራ ኣብ መወዳእታ መበል 179 ተሰሪዓ፡፡እቲ ማሕበር ኣብ መግለጺኡ ኤርትራ ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ሚኒስትሪ ዜናኣ ብዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከምዝተናቐነቐት ጠቒሱ፡ እታ ሃገር ንህዝባ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኾነትን ጋዜጠኛታት ኣብ ማሕዩር ከምዝሞቱ ትገብር ከምዘላን ኣፍሊጡ።እታ ንክልተ
ብኸቢድ ሕማም ከብዲ (Liver)ተጠቒዑ ዘሎ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዱባይ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምህላዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ኣረጋጊጾም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ሕማሙ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ደረጅኡ በጺሑ ብምህላዉ፡ ብመድሃኒት ናይ ምሕዋይ ተኽእሎኡ ምህሙን ኮይኑ ስለዘሎ፡ ከብዲ (Liver) ክቕየረሉ (Transplant ክግበረሉ) ጥራይ ከምዘለዎ፡ ቅያር
ብጉልባብ ሃይማኖት ህዝቢ ንምቍጽጻር መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ዝነጥፍ ዘሎ ይፍታሀ ዲሜጥሮስ፡ ነቶም ብውዲት ስርዓት ህግደፍ፡ መንፈሳዊ መዓርግ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ መንጢሎም ዘለዉ ቀሺ ዲዮስቆሮስ ኣኸቲሉ ኣብ ቴልኣቪቭ፡ እስራኤል፡ ኣብ ዝገበሮ ዘይቅዱስ ምብጻሕ ተቓውሞ ከምዘጋጠሞ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ይፍታሀ ዲሜጥሮስ ምስ