Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጭውያን ስቅያትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ቆላሕታ ዓለም ክረክብ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኦታዋ ተኻይዱ።

ነቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ኣደዳ መጭወይቲ ዝኾኑ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታትን ነቶም ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ተጨውዮም ህዋሳት ኣካላቶም ናብ መሸጣ ዝወርድ ዘሎ ንጹሃት ዜጋታትን፡ ቆላሕታ ዓለም ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ኦተዋ

ነቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ኣደዳ መጭወይቲ ዝኾኑ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታትን ነቶም ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ተጨውዮም ህዋሳት ኣካላቶም ናብ መሸጣ ዝወርድ ዘሎ ንጹሃት ዜጋታትን፡ ቆላሕታ ዓለም ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ኦተዋ ተኻይዱ።
እዚ ብ4 ለካቲት ዝተኻየደ ውዕውዑ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓይነቱን ኣወዳድብኡ ዝተፈልየ ኔሩ። ኩሎም ተቓወምቲ ውድባት፡ ጉጅለታት፡ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ጽላል ብምጥርናፍ ሓደን ውሁድን ጻውዒት ኣመሓላሊፎም።
እዞም ካብ ቶረንቶ፡ ኪችነር፡ ሎንደን ኦንታርዮ፡ ጎልፍ፡ ኦተዋን ሞንትርያልን ዝመጽኡ ኣስታት 200 ግዱሳት ዜጋታት፡ ኣብ ፓርላመንት ሂል፡ ቤት ጽሕፈት ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢምባሲ ሱዳንን ግብጽን ብምኻድ፡ ድለላ ሰብ ጠጠው ክብል፡ መሰል ስደተኛታት ክኽበር፡ ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ነቲ ዘነውር ተግባራት ኣብ መሬተን ብዜጋታተንን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ዝግበር ዘሎ፡ ፍሉይ ቆላሕታ ሂበን ክሰርሓሉ ብጭርሖን ዝርዝራዊ ደብዳበን ገሊጾም።
መሬት ኣዝዩ ዝሑል’ዩ ኔሩ። ምስቲ ዝነፍስ ዝነበረ ቆራሪ ንፋስ ሓዊስካ ኩነታት ኣየር ኦተዋ 30 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ትሕቲ ዜሮ በጺሑ ኔሩ። ህዝቢ ኦተዋ ካብቲ መሪር ዛሕሊ እናሃደመ ናብ ውሽጢ ክኣቱ፡ ኤርትራውያን ካናዳውያን ግን ቀዝሒ ናይቲ እዝንኻ ዘውድቕ ዛሕሊ ከይዓጀቦም፡ መረረ ኣብ ስደት ዘለዉ ኣሕዋቶም ከስምዑ ብልዑል ድምጺ እናጨርሑ ጎደናታት ኦተዋ ብእግሮም ሓሪሶሞ።
መጀመርታ ሰልፈኛታት ቁጥዕኦም ዝገለጽሉ ቦታ ፓርላመንቲ ሂል’ዩ። ኣብ ኣፍደገ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኮይኖም ኣቓልቦ ብዙሕ ሰብ ዝሰሓበ ጭርሖታት ኣዝኒቦም። ገለ ካብቲ ዘቃልሕዎ ዝነበሩ ጭርሖታት፡ ‘መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ይተዓሎ’፡ ‘ኣብ ፎርቶ ዝተፈጸመ ተቓውሞ ንድግፍ’፡ ‘ብቆንስል ኤርትራ ዝግበር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ምውጻእ ጠጠው ይበል’ ወዘተ ዝብል ኔሩ። ንኣስታት 20 ደቒቕ ኣብቲ ቦታ ቆይሞም መልእኽቶም ብዓውታ እናቃልሑ፡ ክልተ ወከልቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምሕጽንታ ሰልፈኛታት ዝገልጽ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ሚስተር ስቲቨን ሃርፐር ዝተጻሕፈ ደብዳበ ኣረኪቦም።
ሰልፈኛታት ጉዕዝኦም ብምቕጻል፡ እናጨርሑ፡ ተሰኪሞሞ ዝነበሩ ታቤላታት እናዋጣወጡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኮምሽን ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ. ከይዶም። ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ብምቛም ድማ፡ ‘ኮምሽን ስደተኛታት ስራሕኩም ትሰርሑ የለኹምን’፡ ‘መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ሓልዉ’፡ ‘ሕልና ግበሩ’ ወዘተ ዝብል ነርቪ ሰማዒ ዝትንክፍ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ሰለስተ ወከልቲ ማለት በራኺ ዮውሃንስ፡ ጌቱ ጸጋይን ኣሮንን ብርሃነን ድማ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ዝኣቱ ደብዳበ ብምርካብ ምስ ሓላፊ ኮምሽን ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ. ኣብ ካናዳ ተራኺቦም። ‘ቤት ጽሕፈት ኮምሽን ስደተኛታት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ብዕቱብ ይጥምቶ ከምዘየለ፣ ስደተኛታት ካብ ማእከል ማዓስከር ዕቑበኛታት ይጭወዩ ከምዘለዉ፣ ሰራሕተኛታት ኮምሽን ስደተኛታት ኣብ ምጭዋይ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ከምዘለዉ’ ወዘተ ዝብል መረረ ኣስሚዖም። እቲ ኮምሽነር፡ በቲ ኩነታት ከምዝዳናገጽ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተላእኮ ጽሑፍ ብዕቱብ ኣንቢቡ ናብ ጀነቫ ከምዘመሓላለፎ፡ ነቲ ጉዳይ ንምህዳእ ናብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሓለፍቲ ምሕባር ክቕጽል ምዃኑ ኣብቲ ዝተገብረ ሓጺር ርክብ ገሊጹ። መልሲ ናይዚ ተዋሂብዎ ዘሎ ደብዳበ ድማ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ከቕርብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ድሕሪ’ቲ ዝተገብረ ዕዉት ሰልፊ፡ ሰልፈኛታት ጉዕዝኦም ናብ ኢምባሲ ሱዳን ኣቕኒዖም። ካብ ቤት ጽሕፈት ኮምሽን ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ. ናብ ኢምባሲ ሱዳን ናይ 45 ደቒቕ ርሕቀት ኔርዎ። ሰልፈኛታት ግን እቲ ቀዛፊ ቀዝሒ ከይዓጀቦም ብፖሊስ ተዓጂቦም፡ ማርቻቨዲ ሒዞም ጭርሕኦም እናቃልሑ ንማእከል ከተማ ኦተዋ ሰንጢቖም መሪሾም። ኣብ ኣፍደገ ኢምባሲ ሱዳን ምስ በጽሑ ቁጥዐ ዝሰርሰሮ ድምጺ ብሓደ ግዜ ኣንጎድጎደ። ‘ሱዳን መሰል ስደተኛታት ተኽብር፡’ ‘ድለላ ሰብ ጠጠው ኣብሉ’፡ ወዘተ ዝብል ጭርሖታት ብውሁድ ቃና ኣቃልሐ። ቋንቋ ዓረብ ዝመልኩ ሰልፈኛታት ማይክሮፎን ዓትዒቶም ድምጾም ናብቲ ኢምባሲ ብምቕናዕ ንኩሉ ረሳሕ ተግባራት ገለ ሰበ-ስልጣናት ሱዳን፡ ራሻይዳን ካልኦትን ሓደ ብሓደ ገለጹ። ናይ ሰልፈኛታት ናህሪ ክዝሕል ኣይክኣለን፡ የማን ጸጋም እናተንቀሳቐሱ ብቁጥዐ ግዒሮም። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ንሽዑ መዓልቲ “ምስ ወከልቲ ሰልፈኛታት ክራኸብ ኣይክእልን’የ” ኢሉ ኣብዩ ዝነበረ ኣምባሳደር፡ ክመያየጥ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ። ብኡ ንብኡ ከኣ በራኺ የውሃንስን ዛኪ ዑስማንን ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትዮም ብቋንቋ ዓረብ ንኩሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ገሊጾምሉ። ኣምባሳደር፡ እቲ መሪር ሓቂ ክውሕጦ ኣይደለየን፡ ‘ንሕና ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብክብሪ ኢና ንሕዞም፡ ሕጂ ግን ተጸልሙና ኢኹም ዘለኹም’ ብምባል ክካላኸል ፈቲኑ። ድሕሪ ብዙሕ ዝርርብ ከኣ ነቲ ዘቕረብሉ መረረ ናብ ዝምልከቶ ከሕልፎ ቃል ኣትዩ።
ብድሕሪ’ዚ ሰልፈኛታት ናብ ኢምባሲ ግብጺ ብምኻድ ብተመሳሳሊ መንገዲ መልእኽቶም ብዓውታ ኣመሓላሊፎም። እቶም ወከልቲ ድማ ምስ ኣምባሳደር ግብጺ ብምርኻብ፡ ብዝርዝር ብበደዊን ኣብ ሲናይ ዝግበር ዘሎ ሕሉፍ ገበናት ገሊጾምሉ። መንግስቲ ግብጺ ነዚ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዕታት ቆላሕታ ዘይምሃባ ዘሕዝን ምዃኑ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ሲናይ ዝፍጸም ዝተፈላለየ ገበናት ንሃገሮም ውን ካብቲ ብዙሕ ዘሸግራ ጉዳያት ምዃኑ ብምግላጽ ንዘቐበልዎ መልእኽቲ ናብ ዝምልከቶ ቀልጢፉ ከምዘሕልፎ ገሊጹ።
እቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ኣብ ቀዛፊ ቀዝሒ ዝተኻየደ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ሰዓት 2 ብዓወት ተዛዚሙ። ኩሉ ዝተመደበ ዕማም ሓደ ብሓደ ተዓሚሙ። ብድሕሪ’ዚ ሰልፈኛታት ናብቲ ተቐማጦ ኦተዋ ዘዳለውዎ መቐበሊ ኣጋይሽ ኣዳራሽ ብምኻድ በቶም ህርኩታት ተቓለስቲ ዝተዳለወ ብሉጽ ምሳሕ ተቛዲሶም። ኩሎም ሰልፈኛታት ሕልንኦም ዘርክእ ነገር ብምፍጻሞም ዕግበት እናተሰምዖም፡ ነናብ ዓዶም ተመሊሶም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Eretrawit February 7, 2013

    If you are Eritrean go to Eritrea.

    • Zemen Beraki February 8, 2013

      Aiertrawi ilka nnebsKa atemikka zeleka qdm nska nab Ertra eto, nay nebska gber qdm dehar nkali’ot kem’u kitbl. Etom Ertra ilom nezi Haradi Isaias zqawemu zelewu eko ab Ertra mnbar ms kel’om iyom, ember adom xeli’om aykonun. nska keman bza’eba Ertra felitkas tzareb aleka. Nhna nsu bel haqi kab mbal halifka entay tfelt. kemkan wedi kemakan shekmi hager iyom nay Isaias edme zenawhi zelewu. nskatkums bka keyteweldkum terifkum!!!Sebdo kem enssa ksab zmewt ykitket iyu! qurub aythasbun??

POST A COMMENT