Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ኣብ ኣኼባ ባይቶ መንእሰያት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፤ ፈጻሚ ኣካል፤ ተሳቲፉ።

ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን- ደቡብ ኣፍሪቃ (ኤምዲሰመ)፣ አብቲ ብዕለት 01 ለካቲት 2013 ኣብ ንውዮርክ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ዝተኻየደ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ባይቶ መንእሰያት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፤ ተሳቲፉ። ኣባል ፈጻሚ ኣካል ኤምዲሰመ፤ ኣቶ ሜሮን ሰመዳር፤

ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን- ደቡብ ኣፍሪቃ (ኤምዲሰመ)፣ አብቲ ብዕለት 01 ለካቲት 2013 ኣብ ንውዮርክ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ዝተኻየደ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ባይቶ መንእሰያት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፤ ተሳቲፉ። ኣባል ፈጻሚ ኣካል ኤምዲሰመ፤ ኣቶ ሜሮን ሰመዳር፤ ንኤምድሰመ ብምውካል ኣብ ኣብ ዘስመዖ መደረ፤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መዳርግቲ ኣልቦ መግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ዜጋታትን ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ብሰፊሑ ገሊጹ። እቶም ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ፤ ድሕሪ ሰፊሕ ክትዕን ምይይጥን፤ “ምውሓስ ሰብኣዊ መሰላት ንውሕስነት ዘለዎ ምዕባለ” ዝብል ንኩነታት ኤርትራ ንምክትታል ውሳነ ከምዘሕለፉን እሱ ድማ ብፕሮፈሰር ዳን ኮነል ክትእለ ምዃናን ተፈሊጡ ኣሎ። ድሕሪ እቲ ዋዕለ፤ ኣቶ ሜርን፤ ምስቶም ተጋባእቲ ዓሚቕ ዘተ ከምዘካየደን፤ ብፍላይ ከኣ ምስ ኮንሰለር ናይቲ ዋዕላ ዝኾነ፡ ቀዋሚ ወኪል ሃገረ ዒራቕ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣምባሳደር ሓሚድ ኣል ባያጢ፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ መሰላት ተነፊግዎ፤ ኣብ ሃገሩ ከም ባርያ ከምዝነብርን፤ መንእሰይ ኤርትራ ነቲ “ዝኾነ ክሃድም ዝተረኸበ ቅተል” ዝብል መምሪሒ ስርዓት ኢሰያስ፤ ነጺጉ፤ ብብዝሒ ይስደድ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ዳይረክተር፡ እቲ ባይቶ መንእሰያት ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፤ ዝኾነ፤ ሚስተር፤ ፓትሪክ ሲያራታ፤ ኤምድሰመ ኣብዚ ዋዕላ ምስታፉ ከምዘሖጎሶን፡ ኣብ ቀጻሊ ኣኼባታት እዚ ባይቶ ከኣ፤ ተሰታፍነት ኤርትራወያን፤ ድልየቱ ምዃኑን፤ ኩሉ ዝከኣል ክገብር ድሉው ምኾኑ ገሊጹ።
ኤምድሰመ፡ ንኩለን እተን ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ዝኾና፤ ቻይና፤ ራሻ፤ ዓባይ ብሪጣንያ፤ ፍራንሳን፤ ሕቡራት መንግታት ኣመሪካን፡ ከምእውን ንዋና ጻሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪ ሙን፤ ሜሞራንደም ኣረኪቡ። ኣብቲ ኤምድሰመ ዘቅረቦ ሜሞራንደም፤ መንግስቲ ኤርትራ ብቅዋም ከምዘይግዛእ፤ ምርጫ ከምዘየለ፤ ንመንግስቲ ዝቃወም ዜጋ፤ ካብ ጎደናታት ተገፊፎም ኣብ ማሕዩር ከም ዝዳጎኑን ኣብ ፍርዲ ከምዘየቀርቡን፤ ኤርትራውያን ናይ ሓሳብካ ምግላጽን ምእካብን ናጽነት ከምእተነፍጎምን፤ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን፤ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ከመዘላን ገሊጹ። እዚ ከኣ ኣንጻር እቲ ሃገራቶምን ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ዝቆመሉ መትከላት ምዃኑን፤ ስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ምፍታሕ እጃሞም ከበርክቱን ጸዊዑ።

ቤት ጽሕፈት ኤምድሰመ
07 ለካቲት 2013
ፕሪቶርያ
ደቡብ ኣፍሪቃ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Saleh Nuur February 9, 2013

    Viva EMDHR!!!!! Back in action, proud of you guys in South Africa. We are proud of you, you are the hope of our nation!

    Saleh

  • Selamawit February 9, 2013

    That is good news from South Africa…the land of Nelson Mandela, thumbs up comrades! We shall seek freedom and democracy no-matter-what! Congratulations!

    Selamawit

  • sarah February 9, 2013

    Good Job guys,
    This is why we always say we depend on the youth for change to come to Eritrea. This is a big, big sign of ‘YES WE CAN!!!!!!’

  • A Iyasu February 9, 2013

    Yes we can!

  • Semere February 19, 2013

    I think we all should participate on any stuggle that going on against Isayas’s administrarion. Our people are crying for help, lets help our people in Eritrea. Let’s have demonstrations in every state. It is not wise not to do any thing. Actions required of you my friends.

POST A COMMENT