Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን ኣመኖ ፍሥሐየ መብራህቱ   ኣታ’ዞም ሃዳኖ ‘ዞም ሃዳኖ ናበይ ጎቦጎቦ ተኸዲኖም ጉኖ መድፈና ውዲቶም ብኸመይ ንምዘኖ ቃሎም ተዓጻፉ መን ኣመኖ።   እዞም ሃዳኖ ኣታ ‘ዞም ሃዳኖ ከየጊጹ ብናይ ባህሎም ዲኖ ኣብ ለቓሕዶ ወደቑ ኣብ ልማኖ? ገዓት ፈትፍት እዞም በዓል ፋኖ።   ኣታ እዞም ሃዳኖ ‘ዞም ሃዳኖ ኣናብስ ይመስሉ ዘይዳኖ ቀናፍዝ መፋልስ ስሚ ግራት መስኖ ሰብ መሊኡ ማዕከኖም በዳኖ።   እዞም ሃዳኖ ኣታ

READ MORE

ኣብ ዝክርካ ኢዩ ጉባኤና   ኣቦ ተበግሶ ናይዛ ሓዳሽ ቁጽሮ ኣበይ ዳኣ ኣቢልካ ተወልደ ባካሮ ከመይ ዱዩ ኔሩ እቲ ናይ ዓሚ ዉዕሎ ብህልቒት ላምፓዱዛ ማሕላ ዝተማሕሎ እንታይ ዳኣ ኮንካ እግርካ ተሕጹሮ ኮምኡ ድያ እዛዓለም ዘይብላ የእምሮ ንሃብታም ዝነበረ ድካ ትቅይሮ ነቲ ብዓል ሓሳብ ነቲ ብዓል ቆጾሮ ሓሳቡ ኮሊፋን ኣብ መሬት ተሕጽሮ   ንነጻነት ቃልሲ እጃምካ ዘበርከትካ ሃገር ንምምዕባል

READ MORE

ምህርትኻ ኣርእየና?   ሓደ ህርኩት ሓረስታይ፡ ሓደ ምዕሮ (ኣርባዕተ ምለሊኽ) ዝኾና ዘርኢ መሸላ ወይ ጣፍ ካብ ለግስቲ ምስተዋህበኦ፡ ንሱ ኸኣ ግራቱ ገሪፉ፣ ረዊሑ፣ ኣዋህሊሉ፣ ዘሪኡ፣ ጻህዩ፣ ዓጺዱ፣ ጎኒኹ፣ ኣኺዱ ምህርቱ ምስሓፈሰ፡ "ምህርትኻ ኣርእየና?" ኢሎም እንተ ዝሓቱዎስ ነየናይ ምህርቲ ኾን መቕረበሎም ኢልኩምትሓስቡ? እተን ንዘርኢ ኢለን ዝተዋህቦኦ ምዕሮዶ ወይስ

READ MORE

እቲ ምእንቲ ሓርነትን ፍትሕን ስልጣኔን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ወግዓዊ ነጻነቱ ካብ ዝጓናጸፍ ልዕሊ 23 ዓመታት ኳ እንተሕለፈ፣ ብስንኪ ጥልመት ናይቲ ስስዐ ስልጣን ሃሙን ቀልቡን ዘዐወሮ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን፣ መጋበርያ ኮይኖሞ ዘለዉ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ጻምኡ ኣይረኸበን። ብሰንኪ እቲ ውዕል ጠለም ስርዓት፣ ኣብዘን ዝበዝሓ

READ MORE

ጾር ከቢዱና      ዕለት 09.12.2014   ዕሽነት ድዩ ወይስ ግርህና ስሱዕ ጸረህዝቢ ዓቑፍና ኮሎና ፍረ ቃልስና ንክሓፍስ ተመኒና እንሆ በሉ ከምዚኣ ኮይና   ዝቀደመ ኣብ ኣገልግሎት በልዩ ዝደሓረ ካኣ ሃዲሙ ዓሻ ድዩ መፍትሒ ግን እንታይ ኢዩ፧   መንግስቲና ሽፍታ ከታሪ ተቛዉሞና ዘይብሉ መጽለሊ ጽንኩር ጉዕዞ ዘይብሉ ሓባሪ ኩሉ ፋሕ ዝበለ ዘይብሉ መእሰሪ     ባድመ ንኹናት ታኣዲዳ ንሽፍትነት እዉን  ብሔረ ራሻይዳ ንብሔረ ከበሳ ኣተፋኒንካ

READ MORE

ኣገልግሎት ስደተኛታት ደንማርክ፣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት፣ ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዘምለጡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ካብቲ ስርዓት ዝወርዶም ሓደጋ ስለዘየልቦ፣ ቀጥታዊ ውልቃዊ ስግኣቶም ክሳብ ዘየረጋገጹ ኣብ ደንማርክ ዑቕባ ከምዘይወሃቦም ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩዎ ብዛዕባ ዝነበረ መደምደምታ ሓሳቡ ከምዝቐየረ ምግላጹ The Local  ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ። ኣገልግሎት

READ MORE

ዕለት 15/11/014   ካብ ኢርትራዊያን ሰራሕተኛታት  ዕደና  ቢሻ ኢርትራ   ጉዳይ ፥ክሲን ጥርዓንን ብዝዕባ ኩባንያ ኘቭስን ዘውረዶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኢርትራዊያን ሰራሕተኛታት   እዚ ዝስዕብ ክሲ ኩባንያ ነቭሰን ሪሶርሰስ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ኢርትራውያን ንዝገበሮን/ ንዝፈጾሞን ንዝፍጽሞን ዘሎ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት፥ጭቖና፥ ምምዝማዝ፥ ሑሱር፥ ጉልበት፥ ምጥምዛዝን ምምዝማዝን ሕጊ ዕዮ ኢርትራን ኣህጉራዊ

READ MORE

  - ኣብ ወድብ ምጽዋዕ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጽዑቕ ናይ ዓይኒ የብለን ስኒ የብለይ ሓፈሻዊ ግፋ ተኻይዱ። እቲ ኣብ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ከቢድ ግፋ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ምስ ተሰምዐ ድማ ናባና ምምጽኡ ኣይተርፎን እዩ ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ ቀንዩ።   - ደሃይ ደቀን ክገብራ ናብ ሳዋ ወሪደን ዝቐነያ ስድራቤታት፣

READ MORE

ውጹዓት ማናቱ ፍሥሐየ መብራህቱ ኰነ ያኢ ኰነ ብዘበን ጥንታዊያን ክልተ ማናቱ ደቂ ኣረጋዊያን ኵሉ’ተጸበየን ውላድ መብጽዓ’የን ኣጋዕዝ ቀረበ መዓልታት ጸብጺበን ብሥራት’ውን ሃባ ኣደታት ዓሊለን ሕዮ ሕዮ በሉ ቆልዑ ተኣኪቦም ኣቦታት መረቐ በቲ ልዙብ ቃሎም ኣስማት ሓረዩለን ፋል ኪዀነሎም ጸብኢ ተወዲኡ ሰላም ኪሰፍነሎም ሕሰም ተቐንጢጡ ርትዒ ኪወጻሎም በደሎም ሓዲጉ ኣምላኽ ኪሰርየሎም ርሑሳትና በሉ ትወን ከምጽኣሎም።   ድሕሪ ቁሩብ እዋን ግና ወረደ

READ MORE

ንዝገበረ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ፡-ዝናታት ከተማ ሳንድየጎ! ኣብ ናይ ሎሚ ሓጻር ሓተታይ ብመጀመርያ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፣ ብዛዕባ እዚ ካብ 15-19 ታሕሳስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ጸዊዕዎ ዘሎ ህጹጽ ኣኼባ መሰረት ብምግባር ኣብ ሳንድየጎ ዝቕመጡ ደለይቲ ፍትሕን፡ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ኣባላት ዝተፈላልዩ ፖለቲካውን፣ ሲቪካውን ማሕበራት፣ ንዓይን ንኩሎም ኣባላት ባይቶን ንምትብባዕን፣

READ MORE

ረፑብሊክ!   ብምኽንያት ካልኣይ ሕታም መጽሄት ረፑብሊክ፡ ነቶም ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኮይኖም፡ ምልኪ ንምብዳህ ዝቃለሱ ዘለዉ ጀጋኑ ሃገራውያን እትምጉስ ናዕታ።   ኣቱም ደቂ ሃገር ሰብ ድርብ መዓንጣ ኣብዛ ቦታ ራዕዲ ምልኪ ዘንቀጥቀጣ ዕጅብ ከይበለኩም ዝመጸኩም ጣጣ ነዛ ሓላል መሬት ሕሰም ክቕንጠጣ ጽሑፋት ዘርጊሕኩም ብመጽሄት ጋዜጣ ነቲ ውጹዕ ህዝብኹም ግዳይ ናይ ስልበጣ ትሕብሩዎ ኣለኹም ሓቂ ንኽፈልጣ!   ኣብ

READ MORE

ዝኸበርኩም ኣባልት መሪሕነት ባይቶን፡ ፈጻሚ ኣካልን፡ ከምኡ መላእ ኣባላትን ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)፡ ልባዊ ሕውነታዊ ሰላምታይ ኣቐድመልኩም። ኣብዚ ፍሉይ ሓላፍነታዊ መድረኽ ኤርትራዊ እነብር ስለዘለኹ፤ በቲ ከም ህዝቢ ወሪዱና ዘሎ ዘየላቡ ኣሰቓቒ እዋንን፡ ማዕረ-ማዕረ እዚ ከኣ፡ በቲ ጠንባስ ህልው ኩነታት መሪሕነት ኤሃባዲለን፡ ኣብ

READ MORE

ኣብቲ ቅርዓት ዓለም ምስተን መሓዙትኪ ብትንፋስ ሰማእታት ወትሩ እናኣንበልበልኪ ኣንቲ ባንዴራና ስውእ ቀንዴልኪ ህዝብኺ ክሳቐ ኣብ ትሕቲ ጽላልኪ ምልኪ ንስልጣኑ ክሽቅጥ ብስምኪ ብስም እቲ ስውእ ዓገብ ዘይምባልኪ እስከ ንገርና እንታይ እዩ ጸገምኪ!?   ደቅኺ ብጃምላ ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉ እቶም ጠለምቲ ሕድሪ ኣባኺ እናጽለሉ ዳስ ምልኪ ሰሪሖም ኣብ ጓይላ ክዘሉ ለይቲ ምስ መዓልቲ ስምኪ እናበለሉ ዓገብ ዘይትብልዮም ኣእዳዎም

READ MORE