Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምህርትኻ ኣርእየና?

ምህርትኻ ኣርእየና?   ሓደ ህርኩት ሓረስታይ፡ ሓደ ምዕሮ (ኣርባዕተ ምለሊኽ) ዝኾና ዘርኢ መሸላ ወይ ጣፍ ካብ ለግስቲ ምስተዋህበኦ፡ ንሱ ኸኣ ግራቱ ገሪፉ፣ ረዊሑ፣ ኣዋህሊሉ፣ ዘሪኡ፣ ጻህዩ፣ ዓጺዱ፣ ጎኒኹ፣ ኣኺዱ ምህርቱ ምስሓፈሰ፡ "ምህርትኻ ኣርእየና?" ኢሎም እንተ ዝሓቱዎስ ነየናይ

ምህርትኻ ኣርእየና?
 
ሓደ ህርኩት ሓረስታይ፡ ሓደ ምዕሮ (ኣርባዕተ ምለሊኽ) ዝኾና ዘርኢ መሸላ ወይ ጣፍ ካብ ለግስቲ ምስተዋህበኦ፡ ንሱ ኸኣ ግራቱ ገሪፉ፣ ረዊሑ፣ ኣዋህሊሉ፣ ዘሪኡ፣ ጻህዩ፣ ዓጺዱ፣ ጎኒኹ፣ ኣኺዱ ምህርቱ ምስሓፈሰ፡ምህርትኻ ኣርእየና?” ኢሎም እንተ ዝሓቱዎስ ነየናይ ምህርቲ ኾን መቕረበሎም ኢልኩምትሓስቡ? እተን ንዘርኢ ኢለን ዝተዋህቦኦ ምዕሮዶ ወይስ እተን ደም ረሃጹ ኣፍሲሱ ዝሓፈሰን እንተላምያሒት ምህርቲ ዓውዱ? እዋእ! እዚ ደኣ እንታይ ዘሐትት ኣሎዎ!? እቲ ብጻዕሩ ዝረኸቦ ምህርቲዓውዱ’ምበር! ከም ትብሉ ርጉጽዩ።
 
እወ፡ መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ከም ዚብሃል፡ ነዚ ዘበለኒ ምኽንያት መበገሲ ኣሎዎ። ኣብዚ ዝሓለፈመዓልታትሓንቲኣንቲ ባንዴራናዘርእስታ ናዕታ፡ በቶም ንወኒ ስነ ጥበበኛ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማንወኒ ገጣሚ ፍናኑ ዚድርዕ ኣቀራርባ ጌሮም ዘቕረቡዋ፡ ሃበርም ጋዜጣኛታት ወጋሕታ ሰሚዕኩማክትኮኑ ተስፋ እገብር። ልክዕ ከምኡ ኸኣ ኣሰናውያን፡ ነታ ግጥሚ፡ ነዛ ወርቃዊትምስላ ምጭውቲ ርያና (ሰንደቕ ዕላማና) ኣሰኒዮም፡ ኣብ ሌማት (መቐረብ መኣዲ) ኣሰና ኣውጺኦማ ኔሮም። ነዚተኸቲሎምውን ውሑዳት ነበብቲ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጽሑፍ ዘስፈሩዎ ነቐፌታዊ ርእይቶመበገሲብምግባር ሕጂ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ከዳሉ ተገዲደ ዘለኹ።
 
ከምቲ ደማሒ ሃገርና ብህርፋን ስልጣን ልቡ ዓዊሩ፡  ሃይዶ (መራሕ ዕዉር) ስኢኑ፡ ንኣስታት ሓሙሽተሚልዮን ኤርትራውያን፡ ኣብ ሓንቲ ሰኪዐት ተሓንጊጡ ናብ ገደል ገጹ ዚምርሽ ዘሎ፤ ገለ ብጽልኡልቦም ዝዓወሩ ደለይቲ ፍትሒውን፡ ነታ እልፊ ኣእላፍ ጀጋኑና ዝተበጀዉላ፡ ብኣዕጽምቶም ቈይማ፡ብትንፋሶም እተንበልብል ዘላ ሰንደቕላማና፡እዚኣ ባንዴራ ኣይኮነትን! ባንዴራ ውልቀ መላኺ!’ብምባል፡ ከም ዝነጽጉዋ ምስ ነበብኩን ምስ ሰማዕኩን፡ ነቶም ካብ መስዋእቲ ክቡር ኣቦና ደላይ ናጽነት፡ ሓርበኛ ዓብደል ቃድር ከቢረ ጀሚሮም ክሳዕ ጅግና ደላይ ሓርነት፡ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ)፡ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ምኽሓድ ማለት ስለ ዚኾነ፡ ንምእማኑውንእምብዛ ኣጸጊሙኒዩ።
 
ብርግጽ ኤርትራውያን፡ ሓንቲ ብኣባል ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ ነበር፡ ኣቦና ደጊያት በየነ ዛህላይ ከም ዝተነድፈት ዝንገረላን እቲ ብ10 ሓምለ 1952 ዓ.ም ህንጻ መንግስቲ ዘጽደቐ ባይቶ ፈደረሽን መንግስቲ ኤርትራ ዝተቐበላን ናይ መጀምርያ ናይ ፈደረሽን ርያ (ባንዴራ)፡ ሰማያዊ ዝሕብራ፡ ክልተ ቀጠልያ ኣውሊዕ ዝተሳእላ፡ ሰንደቕ ዕላማ ከም ዝፈለምና መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ’ዮም። እዛ ባንዴራ እዚኣ ከኣመበገሲ ነቲ ብውዲት ሓያላን ሃገራት ዝተዓሎቐ፡ መሰል ናጽነትና ንምምላስ ዘካየድናዮ ቃልሲ፡ ማለትዝተፈላለያ ውድባት ብምቛም፡ ውድብ ጀብሃ፣ ውድብ ሳበ፣ ሰልፊ ናጽነት ከምኡውን ቀዳማይንካልኣይን ህዝባዊ ሓይልታት፡ ደሓር ምስ ሰልፊ ናጽነት ብምጽንባር፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራተባሂሎም ዝተጸውዑ፡ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ተጠቒሞሙላዮም። ብናይ ኩሎም ክቡር መስዋእቲ ከኣኤርትራ ሃገርናናጽነታ ኣብ 1991 . ተጓናጺፋ።
 
ድሕሪ ናጽነት ግን ነዞም ኣብ ኩለን ውድባት በብወገኖም ዝተሰውኡ ጀጋኑ ኤርትራውያን ጠርኒፋእተንጸባርቕ፡ ሓንቲ ናይ ሓባር ንኹሉ ዘጣመረት ሃገራዊት ርያ ቈይማ። ኣቋውማ ሰንደቕ ዕላማእዚኣ ኸኣ ካብቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ገሊጸዮ ዘለኹ፡ ፍርያት ዘርኢ ሓረስታይ ዝፈልያ ነገር ምንም የለን! ከምቲ ዘርኢ፡ ዘሪእካ፣ ዓጺድካ፣ ኣኺድካ ምስ ተሓፍሰ ሓድሽ ፍረ ጻማ ረሃጽ ዚኸውን፡ እዛባንዴራ እዚኣውን ከምኡ ብመስዋእትን ስንክልናን ጀጋኑ ደቂ ኤርትራ፡ ሓድሽ ፍረ ጻማ ናጽነትንሓርነትን ብሙዃን ተሃኒጻ። ሓደ ሰብ ንውልቃዊ ረብሓኡ ኢሉ ዕላማኣ እንተ ጨዎዮሲ ንሳ እንታይስለ ዝኣበሰት’ያ ትንጸግ!? ዝቘመትሉ ዕላማኸ ስለ ምንታይ ይልወጥ!? ነዚ ሕጂ ለቢሳቶ ዘላ መልክዓብምልባስ፡ ከምቲ ዘርኢ መሸላ ዝገበርካ እንተ ገበርካዮ መሸላነቱ ዘየጥፍእ፡ እዛ ባንዴራ እዚኣውንዝተሸለመት ሕብሪ ትሸለም መበቈላ’ኮ ኣየጥፈአትን ዘላ! ነቲ ዝነበራ ሕብርን ቅርጽን፡ መስዋእትን ልምዓትን ጥራይ እያ ወሲኻትሉ!
 
ምልክት ደም ስውእ ለቢሳ፣ ባህጊ ሰላም ኣሚታ፡ ወፍሪ ልምዓትን ምዕባለን ተቐኒታ፡ ንህዝብን ሃገርንኤርትራ ወኪላ፡ ኣብ ግቡእ ቦታኣ ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ብሰንኪ ግጉይ ኣካይዳ ምልኪ ሓፊራ ዘይኮነትስ፡ ጽባሕ ብከምቲ ዝግብኣ ክብረትን ሓበንን ኰሪዓ ንእተንበልብል ሰንደቕ ዕላማ ናጽነት ጉሒፍካ፡ግድን እታ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበትና ሰማያዊት ባንዴራ ጥራይ እያ ባንዴራና!ብምባል፡ትቕንዘወሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ!? እዛ ህያብ ሰማእታት ባንዴራ እዚኣኸ ምስ ውልቀ መላኺኢሳያስን መሓውራት ኣካላቱ ህግደፍን እንታይ ዘራኽብ ኣለዋ!? ክቡራት ወሃብቲ ርእይቶ፡ ቊሩብ ብዛዕባዘን ክልተ ከለዋ ሓደ ዝኾና ወይውን ሓደ ከለዋ ክልተ ዝኾና ሰንደቕ ዓላማታት፡ ተወሳኺመብርሂ ክህበኩም ፍቐዱለይ? ኣብዚ ግን ነፍሲ ወከፍና ከነስተውዕለሉ ዘለና ዓቢ ጉዳይ ኣሎ።
 
ንሱ ኸኣ ኣነ ኾነ ንስኻትኩም ወሃብቲ ርእይቶ ኢናምበር ወሰንቲ ከምዘይኰንና ክስመረሉ ከም ዚግባእ’ዩ! እቲ እንኮ ወሳኒ ኣካል፡ እዚ ሕጂዝበልኩኻ ጥራይ ግበር! እንታይ ኣፍሊጡካ ብዛዕባ ሃገር!’እናተባህለ ብቐጻሊ ሓሰረ መከራ ምልኪ ዝበልዕ ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉዩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ፡ ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ ድያብሎስ ንዝተፈላለዩ፡ ቃል ኣምላኽ ሰሚዖም ዘተግብሩ፡ ነብያትን ቅዱሳት ሰባትን ንምጥፋእ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ምቕታልን ናይ ምሕጣእን ዘመተ፡ ሕጂውን ኣብ ኤርትራ፡ ሓደ ድያብሎስ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ንብዙሓት ትርግታ ልቢ ህዝቢ ዝሰምዑን ክሰምዑ ዝፈተኑን ደቂ ሃገር፡ ናይ ምቕንጻልን ምቕፋድን ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ። ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብዚ ሕሱም ኣብሊስን ስርዓቱን ተገላጊሉ፡ ሃገሩን ህይወቱን ባዕሉ ንኽውንን ምስ በቐዐ ኸኣ ነዛ ኣእላፍ ሰማእታቱ ዝወደቑላ ኣርማ ናጽነት ገዲፉ፡ ነታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብስም ፈደረሽን ዝተመጠወቱሉ ርያ ብምምራጽ፡ ከንበልብል እንተ ወሲኑ፡ እቲ ምርጫ ንኣኡ ንገደፎ።
 
ኣነ ግን ኣብ መወዳእታ ጽሑፈይ፡ ገለ ዝመስለኒ መብርሂታት ብዛዕባ’ዛ ንዛረበላ ዘለና ሃገራዊት ርያና ክህብ ክፍትን፥ ሕብሪ ባንዴራና ኣርባዕተ ኮይኑ፡ ቀይሕ፡ ነቲ ንመንነትናን ባንዴራናን ንምምላስዝተኻየደ ሓያል ቃልስን ዝፈሰሶ ክቡር ደምን ኪገልጽ ከሎ፤ ቀጠልያ ከኣ ነታ ብመስዋእቲ ዝረኽብናያሃገር፡ ብልምዓት ሓምላይ ከም ንቕይራ ዝእምት ምልክት ለምዕን ጠጥዕንዩ፤ ሰማያዊ ኸኣ ምልክት እቲንሃገርና ተቐኒቱ ዘሎ ሃብታም ባሕርናዩ፤
 
እተን ኣብ ማእከል ዘለዋ ብጫ ዝሕብረን ክልተ ሸሞንተ ጨናፍር ዘሎወን ቈጽሊ ኣውሊዕ ድማ እቲብጫ ሕብሪ ድሕሪ ኹሉ ሓሳረ መከራ፡ ብቓልስና ንዝተጓናጸፍናዮ ሰላም ከመልክት ከሎ፤ እተንክልተ ሸሞንተ ቈጽሊ ዘሎወን ኣውሊዕ ከኣ ንኽልቲኡ ዓበይቲ እምነትና ማለት፡ ኣስላምን ክስታንንብፍቕርን ሰላምን ተወሃሂድና ከምንነብርየን ዝገልጻ፤ እተን ሸሞንተ ጨናፍረን ምስታ ድሒራዝተወሰኸተን ኣብ ማእከለን ዘላ ሓንቲ ጨንፈር ድማ ንትሽዓቲአን ብሄራትናየን ዝገልጻ። በዚ መሰረትከኣ እታ ዝጸንሐት ናይ ፈደረሽን ባንዴራ፡ ኣብዛ ሓዳስ ናይ ሰማእታትና ባንዴራ ብምልእታ ኣትያ ኣላማለትዩ።
 
ስለዚ፡ እቶም፡እዛ ሓዳስ ባንዴራ ናይ ውልቀ መላኺ ባንዴራ! ገላጺት መንነትና ኣይኮነትን!’ ብምባል፡ነዛ ህይወት ኣእላፍ ጀጋኑ ከፊልና ዘምጽእናያ ህልውቲ ናይ 24 ግንቦት 1991 ውቅብቲ ባንዴራናጒሒፍና፡ ነዛ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተፈቕደትልና ሰማያዊት ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ዝነበረትደሓር ዳግም ብፍቓድን ደገፍን ሓያላን ሃገራት ብሓይሊ ዝተመንዘዐት ርያ (ባንዴራ) ክንጥቀም ትሓቱ ዘለኹም ደቂ ሃገር፡ እዚ ሓሳባት’ዚ ብዚኾነ ይኹን መገዲ፡ ኣብ መስዋእቲ ኣእላፍ ጀጋኑ ኤርትራዝኣምንን ሕድሮም ዝተቐበለን ኤርትራዊ  ዜጋ፡ ተቐባልነት ኪህሉዎ ዚኽእል ምጉት ኣይመስለንን።
 
ባንዴራና!
 
እዛ ህያብ ሰማእታት ክብርቲ ባንዴራ
ረዚን ትርጉሙ ኣርባዕቲኡ ሕብራ
ብሄርናን እምነትናን ኣብ ሓደ ጠሚራ
ዘቃለሰትና ንኽንወጽእ ሓራ
መንነትና እያ’ሞ ብግቡእ ነኽብራ!
 
እዛ ባንዴራና መዘና ዘይብላ
ኣብ ኣዕጽምቲ ስውእ ተሰቒላ
ትንፋስ ስውኣትና ወትሩ እናንበልበላ
ኣብ ኩሉ ትርከብ ንስምና ወኪላ!
 
ኣብቲ ባይቶ ዓለም ኣብቲ መጋባእያ
ብኽቡር መስዋእቲ ምስ ኣንበልበልናያ
ሃገርና ኣልሚዕና ክንገብራ ቀጠልያ
ሓድነትና ኣትሪርና ኢደይ ኢድካ ኢልናያ!
 
እንተኾነ፥
ዝዓነወት ሃገር ክንሃንጽ ብብቕዓት
ሰብኣይ ሰበይትና እንከለና ኣብ ልምዓት
ብቕዋም ዝምራሕ ከይንተክል ስርዓት
ኲናት ከፊቱልና መላኺ ንጥፍኣት!
 
ነዛ ኣርማ ሰላም ብጫ ሕብሪ ኣውሊዕና
እዚ ጉጅለ ህግደፍ ሕሱም ገዛኢና
እናተራጸመ ምስ ኩሉ ኣብ ዓለምና
ትርጉሙ ኣጥፊኡዎ ሕብሪ ባንዴራና
ብሰንኪ ደማሒ ብሕፍረት ደኒና
እንሀት ተንበልብል ኣርማ ስደት ኰይና!
እቲ ቀጠልያ ሕብራ ምልክት ኣዝመራ
ተሻሞ እናበለ ንልምዓት ወፈራ
ብጻዕሩ ዘምጽኦ ህዝቢ ናይ ኤርትራ
ጠስምን ኣጅቦን’ዩ ፍረ ምድሪ ባሕራ!
 
ኣብ ዘንጋ ክትስቀል ኣብ ባይቶ ዓለምና
ህይወት ናይ ጀጋኑ መስዋእቲ ምኽፋልና
እቲ ቀይሕ ክፍሊ ሕብሪ ባንዴራና
ምልክት ቃልሲ ዝፈሰሰ ደምና!
 
እዛ ተፈታዊት ወርቃዊት ባንዴራ
ምልክት ባሕሪ ሰማያዊ ሕብራ
ካብ ዝመጸ መጺኡ ዓማጺ ከይደፍራ
ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣሎዎ ሓደራ!
 
ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ልደትን ይግበረልና!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
 
ካብ ሓው መሲናስ 18/12/2014

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Kalighe December 20, 2014

    The issue of flag is one of the many national symbols that have yet to be decided upon by people. The current flag is imposed by Higdef and as such there are many who do not recognize it as their flag.

  • Mesinas December 20, 2014

    ይቕሬታ ክቡር ሓው ስምኦን? ንሕቶታትካ ከይመለስኩ ናብ ጉዳይ ርያ ጥራይ ብምትኳረይ። ብመጠኑ ግን ኣብቲ ዝሓለፈ ዓለቐይ (ርእይቶይ) ተንኪፈየን’የ።

    ‘1. መን ሓርይወን ዘን ሕብርታት? ከምዝመስለኒ ህዝቢ ዕድል ዝረኸበ ኣይመስለንን ሪኢቶ ከቕርብ።
    2. ናይ ግድን ድዩ ቀይሕ:ብጫ: ቀጠልያ: ሰመያዊ: ክኸውን ዘለዎ? እታ ሰመያዊት ተወሲኻታ ምበር ዳርጋ ናይ ኢትዮጵያ ሕብሪ ‘ኳ የን ‘ተን ካልኦት።
    3. ከምዝመስለኒ ኣርማ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረት’ያ (ብጀካ እታ ኣውሊዕ) ሕጂ ባንዴራ ኮይና። እቲ ህዝባዊ ግንባር ዘይነበረ ወይ ዘይድግፍ ከ ኣበይ ተረሲዑ?
    ደሓር ከኣ ብጫ ኣውሊዕ ኢልካ ዶ ኣሎ ዩ? ቀጠልያ ኣውሊዕ ዶ ኣይመሓሸን? ዶ ዋላስ ክትሓርር ዝቐረበት? ከምኡ ተኾይኑ ብፕላን ‘ዩ ኔሩ ማለት ዩ።’

    1. ሕርያ ባንዴራ ብዚምልከት፥ ኤርትራውያን ባንዴራና ከምዚ ትኹን ኢልና ክንሓሪ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ፡ ጀጋኑ ሰማእታትና ክቡር ህይወት ከፊሎም ስለ ዝሓረዩልና!
    2. ባንዴራናን ባንዴራ ኢትዮጵያን ዘራኽብ ነገር የብለንን ክቡር ሓው! ብመሰረቱ እንተ ደኣ ኣስተውዒልካ ግን ዳርጋ ኩለን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምዕራባውያን ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እዚ ዝጠቐስካዮ ሕብርታት፡ ኣብ ሃገራዊ ሰንደቕ ዕላማአን ተጠቒመን ኣለዋ። እዚ ኸኣ ምርጨአን ዘይኮነስ ኩነታት ኣመጻጽአአን’ዩ ወሲኑዎ።
    3. ሃሃሃሃሃ እዛ እትስዕብ ቃል’ያ ኣስሒቓትኒ ስምኦን። ‘ደሓር ከኣ ብጫ ኣውሊዕ ኢልካ ዶ ኣሎ ዩ? ቀጠልያ ኣውሊዕ ዶ ኣይመሓሸን? ዶ ዋላስ ክትሓርር ዝቐረበት? ከምኡ ተኾይኑ ብፕልያን‘ዩ ኔሩ ማለት’ዩ።’ ጽቡቕ ኣለኻ። እታ ኣውሊዕ ቀጠልያ እንተ ትኸውን ዝበለጸት ምኾነት። ዘይትቕየረሉ ምኽንያት ግን የለን። እዛ ኣርማ ህዝባዊ ግንባር’ያ ዝበልካያ ግን ከምታ ናይ ፈደረሽን ባንዴራ፡ ኣርማ ጀብሃ ዝነበረት፡ ሻዕብያውን ናታ ኣርማ ኔሩዋ’ዩ። እዛ ንዛረበላ ዘለና ሃገራዊት ባንዴራ ግን ንኽልቲአን ዝጠመረት’ያ። እዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዚፍጸም ዘሎ መዘና ዘይብሉ ግፍዕን ሕስረትን ኤርትራውያን ከኣ ኣበሳ ባንዴራና ኣይኮነን! ደማሕን ስርዓቱ ህግደፍን’ዮም ዝውቀሱሉን ዝሕተትሉን! የቐንየለይ።

  • Simon G. December 20, 2014

    ሓው መሲናስ:
    ሕራይ በል ካብ በልካስ እምበር እቶም ዝተሰውኡ የሕዋተይን ሓፍተይንሲ ከይ ሓበሩኒ ሓሊፎም። ግን: ነታ ስንክልቲ ሓፍተይ ምስ ሓተኩዋ: ከምዛ ናትካ ኢና ተቐቢልናያ ትብለኒ። ውስኽ ኣቢላ ድማ: እሞ: እንታይ ጸገምካ? ድማ ኣስዓበትለይ። ጸገም ደኣ መሊኡ። ጸገመይ ክዝርዝርሲ መዓልታት ከይሓልፍ: ኣነውን ክቕበላ ድማ በልኩዋ። ኣብዝ ከባቢ “ምዕቡል በይ ኤርያ” ኔርካ ተትኸውንሲ ንበዓል ልደተ-ክርስቶስ ምዓደምኩኻ ኔረ። ሰናይ ቅነ በዓላት!

  • ፍረድ ንነብስኻ ብላዕ ንኸርስኻ December 20, 2014

    ክቡር ሓው መሲናስ፥-
    ብዙሕ ግዜ ጽሑፋትካ እከታተል ኢየ፡ ካብቶም ዘድንቖም ገጠምቲ ሓደ ኢኻ። ስለ ዕዙዝ ዝኾነ ኣበርክቶኻ ልዑል ምስጋና አቕርበልካ።
    እንተኾነ ናይ ሎሚ ጽሑፍካ ነንሓድሕዱ ዝገራጮ ይመስል። እታ ሰማያዊት ቀዳመይቲ ባንዴራና ብደግያት በየነ ዛህላይ ተነዲፋ ናብ ባይቶ ኤርትራ ቀሪባ ዝጸደቐት ምዃና በቲ ሓደ መዳይ እናጠቐስካ ተመሊስካ ከኣ ብሕቡራት መንግስታት ዝተዋህበትና ምባልካ ምኽኑይ ኣይኮነን። ብባይቶ(ወከልቲ ህዝቢ) እተመርጸ እሞ ኸኣ እቲ ባይቶ ካብ ናይ ዝኾነ ኣካል ጸቕጢ ናጻ ምስዝኸውን ህዝቢ መሪጹዎ ወይ ወሲኑዎ ንብል። ስለዚ እዛ ሰማያት ፈላሚት ባንዴራና ባይቶ ኤርትራ ኣወዳዲሩ ዝመረጻ ካብ ኮነት ሕጋዊት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባንዴራ እያ ክንብል ንኽእል። ሕብሪ ጸሊም ይኹን ጻዕዳ፡ ቀይሕ ይኹን ቀጠልያ ምስ ናይቲ ህዝቢ ታሪኽ ዝተእሳሰር ጽቡቕ ትርጉም ክሳብ ዝተዋህቦ ንምቕባሉ ዘጸግም ኣይመስለንን፡ ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ኩሉ ዓይነት ሕብርታት ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ባንዴራታት እንርእዮ።
    ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት ብዛዕባ ባንዴራ እንዛረበሉ ጊዜውን ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ክንብርኩት ከይንብርኩት ቅድም ቀዳድም ኣብ ማይ ዘለዋ ንብጻሕ ስለዝኾነ ጉዳይና።
    እቲ ዋና ነገር ግና ናይ መሰል ጉዳይ ኢዩ፡ መን ኢዩ ወሳኒኡ? ባንዴራ ህዝቢ እንተተሰማሚዑሉ ክመሓየሽ ወይ ክቕየር ዘይካኣል ኣይኮነን። ባንዴራ ህዝባ ዝውስኖ ዩኒፎርም ናይ ሓንቲ ሃገር ኢዩ። እዛ ናይ ሕጂ ባንዴራ ከኣ ኣመራርጻኣ ዳኣሉ ከዛርብ ዝኽእል’ምበር፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣርማ ትንበር ናይ ጀብሃ፡ ቀያሕ ትኹን ቀጠልያ ዘሰሓሕብ ጉዳይ ኣይመስለንን። ደምን ዓጽምን ሰማእታት ኤርትራ ግን ምስ ናጽነት፡ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ሰላምን ድኣምበር ምስ ምውሳን ዓይነት ሕብርን ቅርጽን ባንዴራ ዘተኣሳስር ዘለዎ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ባንዴራ ህዝቢ
    ከከም ዝተሰማማዓሉ ክቕየር/ክመሓየሽ/ ስለዝኽእልን ጸገም ስለዘየምጽእን። ወዳሓንካ

  • Meretse Asmelash December 20, 2014

    ፈግግታስ እንታይ ከይብላና

    ኣይትብከ እንዶ ዘብክየኒ !

    ብተዋዘይቲ ሓንቲ ስድራን ጎረባብትን ናይጀሪያውያን ዝተሰርሐት ዋዛ ምስ ቑምነገር “Osita Iheme” ዝኾኾባ።
    ንትዕድልቱ ኣማሪሩ ኹሉ ግዜ ዝሓዝንን ዝበክን ዝነብረ ቖልዓ ከም ኣመሉ ደገ ወጺኡ ዝሕንዝሕ ክበኪ ዝጸንሓ ሓንቲ ፈታዊት(ጎርቤት) ክትእብድ ክትብል ዝኣተዎቶ ህጕም ፡-
    እቲ ወግሐ-ጸብሐ ሕሰም ከምጽላለቱ ዘይፍለዮ ዝነበረ ቖልዓ ከም ቀደሙ ካብታ ቅሳነት ዝሰኣነላ ገዛ ወጺኡ ኣብ ደገ ክበኪ ምስ ጸንሓ – እታ ጎርቤት ቕርብ ኢላ ኦሲታ! ( Osita) ሎሚ’ከ እንታይ ኾንካ? ጠሚካ ድካ? ጸሚእካ ድካ? ሰብ ድዩ ሃሪምዃ? ዝብሉ ሕቶታት ደራሪባ ኣቅረበትሉ። ንሱ ግደፍኒ በጃኪ ኪዲ ሕለፊ ክብል መለሰ። ጎረቤት ንሳካ ፍጥር ካብ እትብል መጕሮምሮሚ ኢካ። እትጾሮ ነገር ዋላ ሓንቲ’ዃ የሎን። መዋእልካ ክትበኪ ክትነብር ኢካ። ሕጂ ብክያትካ ዶው ኣብል። ተንስእ ! ገዛካ እቶ ! ኢላ – ኣብ ጉንዲ እዝኑ ጠቢቃ ተወሳኪ ረመጽ ከዓወትሉ።
    “ኦሲታ” ብክያቱ ንኣፍታ ኣቛሪጹ ፡ ጨረርታ ዓይኑ ብሓይሊ ናብ ኣዒንታ ለኣከ። ጎረቤት ደጊማ ደጋጊማ ተንስእ! ገዛካ እቶ! ንስካ ዕረፍ– ንሕና’ውን ክንዓርፍ ክትብል “ዘዋር ደም” ሓጎሞቶ።
    ኦሲታ—ማማ ናይ ሎሚ ንበይኑ እዩ ፣ በጃኪ ግደፍኒ ጫጭ ኢለ ክበኪ በላ።
    ናትካ ኩሉ ግዜ ሓዲሽ’ዩ።
    በልስ እስኪ ዎደይ … ሎሚከ እንታይ ሓዲሽ ነገር ተርክበ?
    “ኦሲታ” ዝፈትዎ ዓርከይ ሞይቱኒ ክብል መለሰ።
    መን ኣንታ? ኢላ ሕቶኣ ከይወድአት — “ወድኪ” ክብል ተኮሳ።
    ድሕሪ’ዚ ንስ ጥንቅልዒት ወዲቃ ሃለዋታ ምስ ኣጥፈኤት ብጎርባብቲ ረዲኤት እንተገበረላ እንከሎ፡ ካብ ሎሚ ንደሓር “ኣብዘይ መንጠቢትኪ ኣይተእትዊ ኢድኪ” from now on mind your own business- ኢልዋ ረሓቀ።
    ሓው መሲናስ እዚ ክትገልጾ እትፍትን ዘሎካ ኣርእስቲ ፍጥር ካብ ዝብል ልቢ-ሰብ ዘሕረረ’ዩ እንተበልና ካብ መስመር ሓቂ ሓቂ ዝወጻእና ኾይኑ ኣይስመዓናን። የግዳስ ነዚ ከነመሳክር ግን ኣይንደፋፋእ።
    ምክንያቱ ተቀሚጥዎ ዘሎ ስፍራ በጻሕናዮ ክንብል ከም ኣድማስ (horizon) ስለ ዝርሕቀና። ሓው መሲናስ ሕረት ንዘይጠዓማ ቀላል እያ።
    ጽሕፍካ እንተተፈቲጉ ካበይ ናበይ ከምዝበጽሕ ንስካ’ውን ትስሕቶ ኣይመለንን ብፍላይ ከም ከምቲ ኣብ ሓሙሻይ ሕጡበ ጽሑፍ (paragraph) ተቀሚጡ ዘሎ ቴማ።
    “ድሕሪ ናጽነት ግን ነዞም ኣብ ኩለን ውድባት በብወገኖም ዝተሰውኡ ጀጋኑ ኤርትራውያን ጠርኒፋእተንጸባርቕ፡…….”
    ኣብዚ ኣነ ዝበሃል እየ ኢለ ፡ ዝብል እምንቶ ገና እንተሃልይዃ? ንሕና ርእስና ክንፍትሽ ፡
    ብዝተረፈ ከምቲ ሓው simon ዝበሎ ኣስማት ወሃብቲ ሪእቶ ብንብሩ ፣ ዝቀረበ ማዕዳ ቀሊል ስለ ዘይኮነ ንጠቀመሉ።
    ሰሰናዩ!

  • Kalighe December 20, 2014

    When Iseyas took out from his pocket a new flag and showed it to the other leadership members, Aklilu Zere was there. He wrote an article about what exactly happened then. It’s a very interesting story that shows how the current flag was born. Unfortunately, I could not trace the article now. But it was there on the net for some years (initially posted at Awate.com).

    I have a few question for brother Mesinas:

    – When and were did the EPLF (congress) voted on the new flag ?
    – Did the EPLF leadership, other than Iseyas, approved its, if yes, when ?

    The issue of the flag may not be that urgent, but it’s a unifying factor that the nation needs, and because of that it cannot be taken lightly or imposed by a political organization.

  • Mesinas December 21, 2014

    ርእይቶ ብዛዕባ ርያ፥

    ክቡራት ኣሕዋት፡ እቲ ንኣይ ኣብ ሌማት (መቐረብ መኣዲ) ኣሰና ዝያዳ ዘሐጉሰኒሲ ምስ ነበብተይ ተራኺበ፡ ኢሂን ምሂን ብምለይን ተጻዋርነት ነቐፌታን ርእሰ ነቐፌታን ይምሃር ስለ ዘለኹን’ዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ’የ ጽሑፋተይ ድርብይ ኣቢለ ጥርቅም ዘይብል። ማለት፡ ግኡዝ ዘይኮንኩስ ህይወታዊ ክኸውን’የ ዝደሊ። ካብዚ ቀጺለ፡ ነቶም ነዚ ክውን ዝገበርኩም፡ ንኹልኹም ወሃብቲ ርእይቶ እናኣመስገንኩ ንሕቶታት ሓው ካሊጀ ክምልስ ክፍትን’የ። ብቕድሚኡ ግን ንኽቡር ሓው ፍረድ ንነብስኻ ብላዕ ንኸርስኻ፡ ብዛዕባ’ታ ተጋራጫዊት ዝበላ ቃል መብርሂ ክህቦ ፍቐዱለይ?

    ‘እንተኾነ ናይ ሎሚ ጽሑፍካ ነንሓድሕዱ ዝገራጮ ይመስል። እታ ሰማያዊት ቀዳመይቲ ባንዴራና ብደግያት በየነ ዛህላይ ተነዲፋ ናብ ባይቶ ኤርትራ ቀሪባ ዝጸደቐት ምዃና በቲ ሓደ መዳይ እናጠቐስካ ተመሊስካ ከኣ ብሕቡራት መንግስታት ዝተዋህበትና ምባልካ ምኽኑይ ኣይኮነን። ብባይቶ (ወከልቲ ህዝቢ) እተመርጸ እሞ ኸኣ እቲ ባይቶ ካብ ናይ ዝኾነ ኣካል ጸቕጢ ናጻ ምስዝኸውን ህዝቢ መሪጹዎ ወይ ወሲኑዎ ንብል። ስለዚ እዛ ሰማያት ፈላሚት ባንዴራና ባይቶ ኤርትራ ኣወዳዲሩ ዝመረጻ ካብ ኮነት ሕጋዊት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባንዴራ እያ ክንብል ንኽእል’ ኢልካኒ ክቡር ሓው።

    ክቡር ሓው ጽቡቕ ኣለኻ፡ እቲ ሓሳብ ተገራጫዊ’ዩ ዚመስል። ብዕምቈት እንተ ርኢኻዮ ግን ተገራጫዊ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ እታ ሽዑ ብኣቦና ደጊያት በየነ ዛህላይ ተነዲፋ፡ ናብ ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበት ርያ፡ ብወኪል እቲ ብስም ብይን 390 ዝፍለጥ ብ 2 ታሕሳስ 1950 ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ዘተኣሳስር ውሳነ፡ ዝመርሕ ዝነበረ ኮምሽነር ማቲየንሶ ዝቐረበ ጠላብ’ያ ተሰናዲኣ። ኣቦና መሓመድ ዑመር ኣኪቶ እውን ሓንቲ ተመሳሳሊት ንድፊ ባንዴራ ኣቕሪቦም ኔሮም’ዮም። በዚ መሰረት ከኣ እዛ ባንዴራ’ዚኣ ግዝያዊት ናይ ውዕል ሰነድ ኤርትራ ምስ ው.ሕ.ሃ እምበር ብሓቂ ወካሊት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኔራ ክንብል ንኽእል ኣይመስለንን። የቐንየለይ።

    ሕቶታት ሓው ካሊጀ፥ ‘When and were did the EPLF (congress) voted on the new flag ?’ ክቡር ሓው ካሊጀ፡ ብወገነይ ባንዴራ ንምውሳን ወይውን ንምርቃቕ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኢድ ዝነበሮ ኣይመስለንን። ንሱ ካልእ ተንኰላት ኪኣልም እምበር ነዚ ኪገብር ግዜ ዝረክብውን ኣይመስለንን። በዚ መሰረት ከኣ እታ ንባንዴራና ተሰኒ ዘላ ሃገራዊት መዝሙርናውን ብውሱናት ስነ ጥበበኛታት’ያ ቀሪባ። ህግደፍ ብዛዕባ ባንዴራ ንምውሳን ከም ዝተኣከበን ዘይተኣከበን ግን ዝፈልጦ የብለይን።

    ‘Did the EPLF leadership, other than Iseyas, approved its, if yes, when ? ጽቡቕ ኣለኻ ክቡር ሓው፡ ኣነውን ደማሒ ኢሳያስ ዘይባረኾ፡ ውድቡ ህግደፍ ብዘይባርኾቱ ከተግብሮ ይኽእል’ዩ ዚብል እምነት የብለይን። ግን እቲ ምስ ስውኣትና ዝተኣሳሰር ዘበለ ነገር ኩሉ ዋላ ብኣውቶክራት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝቐረበ ይኹን ንሰማእታትና ስለ ዝምልከት እንተ ተቐበልናዮ ጽቡቕ’ዩ በሃላይ እየ። ሩስያውያንውን እኮ ካላሽንኮቭ ንካላሽን ስለ ዝመሃዛ ኣይንቕበላን ኢና ኢሎም ንካላሽን ኣይነጸጉዋን ክቡር ሓው። ኣይፋሉን ነታ ሰማያዊት ኢና ንጥቀም እምበር እዛ በቲ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸደቐት ርያ ኣይንውከልን ኢና እንተ ተባሂሉ ግን ደሓን ንሓፋሽ ዘይንገድፎ’ሞ።

    እዚ ሓድሽ ዓመተ’ዚ፡ ምልክን ራዕድን ካብ ሃገርና ተኣልዩ፡ ኣብታ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝወነንናያ ሃገርና ኤርትራ፡ ፍትሕን ርትዕን ዘሎዎ ሓድሽ ዓመትን ልደትን ክግብረልና እምነ!

    የቐንየለይ። ሓውኹም መሲናስ

    • AHMED SALEH !!! December 22, 2014

      Mesinas
      Eritreans martyrdom began before the creation of the flag you tried to advocate .
      Therefore , your argument contradicts the true history of Eritrean revolution .
      In fact , our people raised armed struggle to honor the flag Ethiopians lowered
      down forcefully against their will and the blood shed spread from that time for
      thirty years . Even my friends and cousins who joined EPLF , the flag they know
      was the original flag not the new one introduced by Issayas and clique . I wish
      they came back with missed flag at hand in 1991 to say mission have accomplished
      to satisfy the demand of our people and latter introduce their new flag publicly.
      Anyway , the commentators expressed their version on this issue and it is wise if
      we can leave untimely discussions on the side to concentrate on issues which needs
      prior attention .

  • Kalighe December 21, 2014

    ክቡር ሓው ካሊጀ፡ ብወገነይ ባንዴራ ንምውሳን ወይውን ንምርቃቕ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኢድ ዝነበሮ ኣይመስለንን። ንሱ ካልእ ተንኰላት ኪኣልም እምበር ነዚ ኪገብር ግዜ ዝረክብውን ኣይመስለንን።

    ግን እቲ ምስ ስውኣትና ዝተኣሳሰር ዘበለ ነገር ኩሉ ዋላ ብኣውቶክራት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝቐረበ ይኹን ንሰማእታትና ስለ ዝምልከት እንተ ተቐበልናዮ ጽቡቕ’ዩ በሃላይ እየ።

    Mesinas

    Thank you for the prompt response.
    That said, my question was about the legality of the flag within the EPLF itself, during and after independence.
    Iseyas knew well the importance of the flag and that is the very reason why he wanted to impose it without even consulting his comrades.
    Our martyrs wanted an Eritrea that upholds supremacy of law and equality of it’s citizens under it. We could serve their cause better if we abide by legal principles that guarantee the sovereignty of the people. So, let the people decide.
    As for Michael Kalashnikov’s gun aka AK47, reading Soviet history I don’t find anything that shows he had a problem with the ruling party.
    On the contrary his invention was hailed and as a person appreciated, although after the collapse of the totalitarian system there, he expressed dismay that he personally did not benefit much from his work. In one case he even regretted that his gun may have killed innocent people around the world, for which he feels at times guilty.

POST A COMMENT