Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣንቲ ባንዴራና!

ኣብቲ ቅርዓት ዓለም ምስተን መሓዙትኪ ብትንፋስ ሰማእታት ወትሩ እናኣንበልበልኪ ኣንቲ ባንዴራና ስውእ ቀንዴልኪ ህዝብኺ ክሳቐ ኣብ ትሕቲ ጽላልኪ ምልኪ ንስልጣኑ ክሽቅጥ ብስምኪ ብስም እቲ ስውእ ዓገብ ዘይምባልኪ እስከ ንገርና እንታይ እዩ ጸገምኪ!?   ደቅኺ ብጃምላ ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉ እቶም ጠለምቲ ሕድሪ ኣባኺ እናጽለሉ ዳስ ምልኪ

ኣብቲ ቅርዓት ዓለም ምስተን መሓዙትኪ

ብትንፋስ ሰማእታት ወትሩ እናኣንበልበልኪ

ኣንቲ ባንዴራና ስውእ ቀንዴልኪ

ህዝብኺ ክሳቐ ኣብ ትሕቲ ጽላልኪ

ምልኪ ንስልጣኑ ክሽቅጥ ብስምኪ

ብስም እቲ ስውእ ዓገብ ዘይምባልኪ

እስከ ንገርና እንታይ እዩ ጸገምኪ!?

 

ደቅኺ ብጃምላ ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉ

እቶም ጠለምቲ ሕድሪ ኣባኺ እናጽለሉ

ዳስ ምልኪ ሰሪሖም ኣብ ጓይላ ክዘሉ

ለይቲ ምስ መዓልቲ ስምኪ እናበለሉ

ዓገብ ዘይትብልዮም ኣእዳዎም ከልዕሉ!?

 

ህዝቢ ከይተጽልሊ ካብ ሽግር መከራ

ደቅኺ እናሞቱ ወትሩ ኣብ ዳንኬራ፡

ብጓይላን ጨፈራን ከም ዝተረኸብኪ

ዘየቋርጽ ፌስታ ጌሮሞ ትርጉምኪ!

 

ኣብ ክንዲ ብስራሕ ብህንጸት ምዕባለ

ስምኪ ባንዴራና ብኲናት ኪልለ፡

ብሓተትቲ ዕቚባ ግዳያት ናይ ምልኪ

ኣብ ምልእቲ ዓለም ኣርማ ስደት ኴንኪ!

 

ኣብ ናይ ሓሶት ጣውላ ንኣኺ ዘርጊሖም

ኣፍ ሰብ ንኽዓብሱ ድራማ ሰሪሖም

ሓቂ ንዝሓተተ ብቕጽበት ገኒሖም

‘ኣፍካ ሓዝ!’ ይብሉዎ ወትሩ ኣፈራሪሖም!

 

ንሓንሳብ ብቖብዕ ጸኒሕካ ብማልያ

ወትሩ እናለበስካ ሃገራዊት *ርያ               *ባንዴራ

ህዝቢ እናጠፍአ ናብ ሳዕስዒት ጉያ

ዝተረግጸት ፍትሒ ኣብ ክንዲ ትደልያ

ነብስኻ ብምትላል እንተ ጠበርካያ

ትጎድኣ ኣለኻ’ምበር መዓስ ጠቒምካያ!

 

ኣንቲ ህያብ ስውእ ብዓጽሙ ትንሳፈፍ

ነቲ *ዝበሃመ ደጋፊ ናይ ህግደፍ                                            *ዝተዓብሰ

ኣብ ጓይላ ዝሓድር ህዝብና ክቕዘፍ

መላኺ ንኽውድስ ንዝብል ደርገፍገፍ

ምኸርዮ *ርያና ንፍትሒ ክስለፍ!                                                       *ባንዴራና

 

ነቶም ሳዕሳዕቲ’ወ ኣብ ጓይላ ዝነብሩ

ሕደጉ በልዮም ናይ ትማል ዘክሩ

ደልሃመት መላኺ ኪሓጽር’ዩ ዕምሩ

*ኣለዳ ምስ ኮነ ጽባሕ ከይሓፍሩ!                                       *ወጋሕታ

 

ኣደታት ዕሸላት ደቀን እተመንዝዓ

ብሓዘንን ጓህን ዝርንዛሕ ክነብዓ

ሃማደኤ ህግደፍ ኣብ ጓይላ ክስዕስዓ

ኣይግዜኡን’ዩ በልየን ድምጽኺ ይስምዓ!

 

ደቂ ኣዳም ሄዋን ፍጡራት ደቂ ሰብ

እስከ ንደቓይቕ ህድእ ኢልና ንሕሰብ

ካብ ዕንደራ ምልኪ እንታይ ኣሎና መኽሰብ?

ኣብ ሓደ ሰሚርና ክንዲ ንብሎ ዓገብ

ወትሩ ተዓኒድና ናብ ጓይላኡ ዘብዘብ!

 

ብዋሕዚ ኣፍላጋት ዘይመልእ ከም ባሕሪ

ማይ እናዘነቦ ዘይፍልፍል ዘይዛሪ

እንትርፎ ካብ ህዝቢ ክሽምጥጥ ብኸትሪ

ሃብትና ዘባኽን መኻን ዘየፍሪ

ህግደፍ ከውሒ እኮ’ዩ ዘየብቁል ሳዕሪ

ኣዕሚቚና ንቕበሮ ኣብ ግብኣተ ምድሪ!!

 

ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

 

ሓው መሲናስ 08-12-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Meretse Asmelash December 10, 2014

    Dear Mesinas,
    I would not hesitate to say almost all your poems are inspirational. For that I admire your talent and thank you for sharing it with us. That said, sometimes I see you playing a game of word association. A perfect example for this is your response to Semhar about the story behind the current and old flags. Sir, and of course with all due respect you need to separate facts from fallacies. Your above evidence about the so called national flag(the olive branch with green leaves) is based on your own judgement. To be safe leave that part to historians. Besides, the current multi-colored a piece of cloth (you called it banderana) has nothing to do with the nation and its nationals. Why? Because it had been and still is a field logo.
    BTW I love your very latest lay (ballad)–continue writing

  • Mesinas December 10, 2014

    ዝኸበርካ ሓው መረጸ ብመጀመርያ ስለ’ቲ ዝሃብካኒ ክብርን መጐስን ብልቢ አመስግነካ። ብምቕጻል፥ ብዛዕባ’ቲ ንባንዴራ ዝምልከት ዝሃብካዮ ምጉት ክልተ ሕቶ ክሓተካ ፍቐደለይ? 1ይ ኣብ መስዋእቲ ሰማእታት ኤርትራ ትኣምንዲኻ? 2ይ እቲ ሓሪስካን ዘሪእካን ዘፍረኻዮ ምህርቲድዩ ዝያዳ ዝብጻ
    ሓካስ ወይስ እቲ ንዘርኢ ኢሎም ዝሃቡኻ እኽሊ? የቐንየለይ።

  • Meretse Asmelash December 10, 2014

    ክቡር ሓው መሲናስ፡
    ሕቶታትካ ንምምላስ–
    1ይ ኣብ መስዋእቲ ሰማእታት ኤርትራ ትኣምንዲኻ?
    እዚ ሕቶ’ዚ ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ ኾይኑ ስለ ዝረከብክዎ– ደሓን “ተደረር”
    2ይ እቲ ሓሪስካን ዘሪእካን ዘፍረኻዮ ምህርቲድዩ ዝያዳ ዝብጻሓካስ
    ወይስ እቲ ንዘርኢ ኢሎም ዝሃቡኻ እኽሊ?
    ምህርትን ወፈያን ኣይንኡ ይበልጽ? እስኪ ንክብሪ ሕቶካ == ምህርትካ
    ግን ካብቲ ምህርትካ ስሰርናዮ ንዓና ከክርዳዱ ንዓናካ ዝብልኻ እንተረከብካ’ከ እንታይ ትብል?
    “ዓዓጽሙ ንዓና ሰስግኡ ንከልቢ እንዳ’ቦይ ጎይትና” ኢሉ ስድራ ፋሕ ዘበለ ዛንታ ሓደ ርጉም ውላድ እከይ፡ ዘርኢ-ክርዳድ ንዓይን ንዓካን ልቢ ከነዕብየሉ’ዩ ተነጊሩ። ብዝኮነ ስክፍትካ ይርደኣኒ’ዩ ። እዚ ሕጂ’ ኣነን ንስካን ንመላለስሉ ዘሎና ጉዳይ ኣብ 1991 ኣብ ትሕቲ “እንታይ ሃብናኩም እንታይ ሃብኹምና” ዝብል ሕቶ ክምለስ ዝግብኦ ዝነበረ’ዩ። ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቀ ጸሓይና ዓንዲ ማእከሉ ዝኮነ ሕብረተ-ሰብ ሒዝካ ግን ኣብ ሓቑ ሽዑ ኣይተበጽሐን ገና ሕጂ’ውን ኣብ ዕንኪልል ኣሎና።
    ከይበዝሕ ከምቲ ኣቀዲመ ዝገለጽኹዎ–ኹሉ ግዚ ኣድናቅን ተውህቦካን ኣፍቃሪ ግጥሚታትካን ግን እየ። ኣብ ኹሉ መዳይ ክንሰማማዕ ግን ተሓሪ ኣይኮነን።
    ሰናይ መዓልቲ/ለይቲ

  • Semhar December 10, 2014

    Mesina,
    If we have to change anything in Eritrea; a flag, the provinces or the laws of the land nobody can change it without the consent of our people. All the changes made by the diablos tyrant dicator Isayas will be reversed. Any change in Eritrea has to come democratically by the people and for the people. We have seen flag changes all over the world; in Libya Gadafe’s flag was discarded with him and I am sure the diablos Isayas flag will be burned with the diablos Isayas wedi Medhin Beard.
    Long live the struggle of Eritrean people, our victory is certain, our liberation flag is all over Eritrea.

  • Semhar December 10, 2014

    Mesinas,
    From 1961 to 1993 we had one flag, our liberation flag, the flag of our martyrs, the flag of our forefathers, the flag of all of our people.
    The present flag is the tyrant Isayas’, flag. It was Isayas in 1993, instead of sending our liberation flag (semyawit banderana.) He sent his own burned flag to the United Nations.
    Mesina,
    What flag did our people have from 1961 to 1993?
    What flag represented our liberation movement, the ELF and the EPLF from 1961 to 1993?.
    What flag represented our martyrs from 1961 to 1993?
    What flag was on the hills, rivers and mountains from 1961 to 1993?
    Who brought down our liberation flag (Semawait Banderana) and replaced it with his own flag?
    Medina,
    I respect your poem but when it comes to our liberation flag you’re dead wrong. The present flag belongs to the tyrant Isayas and will go with him when he goes!

  • AHMED SALEH !!! December 10, 2014

    Do our people allowed to have their opinion on
    Eritrean flag issue ?
    Until we establish democratic country which represent the whole society , I prefer to leave
    aside this argument because it isn’t big deal at
    this particular time .
    People sacrifice for their belief to bring change
    not for piece of colored textile called flag or
    whatever else we call it .

  • Mesinas December 11, 2014

    “1ይ ኣብ መስዋእቲ ሰማእታት ኤርትራ ትኣምንዲኻ?
    እዚ ሕቶ’ዚ ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ ኾይኑ ስለ ዝረከብክዎ– ደሓን “ተደረር”

    ሃሃሃሃሃሃሃ…ክቡር ሓው መረጸ፡ ንስኻ በሊሕን መስተውዓልን ሰብ ኢኻ። ምኽንያቱ፡ ከምቲ “መደረ ወዲ ሰብ እንታይነቱ ይገልጽ” ዝብሃል፡ ካብ መልስኻ ተገንዚበ ኣለኹ። ከምቲ ዝበልካዮ ድማ ንባንዴራ ጥራይ ዘይኮነስ ዋላ ንንዶብናን ካልእን ዝምልከትውን ሽዑዩ ክዝረበሉ ኔሩዎ። ኢሳያስ ምስቲ ከም እንስሳ ዝሓስቦን ዝጓስዮን ክቡር ዝህቢ ኤርትራ ኪዛተን ኪላዘብን እቲ እኩይ ሕልናኡ ስለ ዘየፍቅደሉ ግን ኣይፈጸሞን። እንተኾነ “ክምብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን” ስለ ዚኾነ፡ ድሕሪ ዕርበት ደማሕን ስርዓቱ ህግደፍን ኩሉ ከምቲ ንቡር፡ ንሃገርና ዝምልከት ጉዳይ ብምርጫን ሕርያን ህዝቢ ኤርትራ ኪውሰን’ዩ። ንምቅልጣፉ ጥራይ ሓድነትና ኣትሪርና ንመክት።

    ማማ ሰምሃርውን ሕጂ ኣነን ንስኽን ተኻቲዕና ንውስኖ ጉዳይ ከምዘይኮነ ኣሚንና፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ንግደፎ። ንስኽን ኣነን ግን ኣብዚ ጉዳይ መምርጫና ኣነጺርና ኣለና። እታ ሓንቲ ክንፈልጣ ዘለና ሓቂ ግን እዛ ሕጂ ንጥቀመላ ዘለና ሃገራዊት ባንዴራ፡ ትማሊ ሓውኺ ሓወይ፣ ሓብትኺ ሓብተይ፡ “ዓወት ንሓፍሽ!” ኢሎም ዝተሰውኡላን ክክቡር ህይወት ከፊሎም ዘንበልበሉዋን ባንዴራ’ምበር እዛ ሕጂ መላኽን ሰዓብቱን ጓይላ እናተኸሉ ዝዕንድሩላን ክብራ ዝብሉሉዎን ዘለዉ ርያ ከምዘይኮነት ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ። ደጊመ አመስግነኩም የቐንየለይ።

  • anedo December 11, 2014

    Mesinas, meretse, Semhar please don’t argue. We need to focus on how to get rid off the dirty tyrant isayas and mushmushat followers. You need to concentrate on the truth that unite us than other rubbish comments. Our people is dying, imprisoned life time, screaming for justice…, needing our help. But you guys still arguing about flag. This is not our peoples priorities. So be unite & fight, otherwise we will end up like OROMO’S of Ethiopia who is 50 year old party & no result

  • Meretse Asmelash December 11, 2014

    ክቡር ሓው መሲናስ፡

    ……”ንሃገርና ዝምልከት ጉዳይ ብምርጫን ሕርያን ህዝቢ ኤርትራ ኪውሰን’ዩ። ንምቅልጣፉ ጥራይ ሓድነትና ኣትሪርና ንመክት”

    ሕጂ ነቲ ጥዑምካስ ጥዑም ወስኽካሉ።
    ነዚ “ሩሑስ ቖጽሊ” ዝወድቖ ዘረባካ ኣሜን ኢለሉ ኣሎኹ። ሰማያዊ-ሰማይ ብዝለገሶ ህያብ(ዝናብ)ሙሉእ ዓመት ዘመስግን ቖጽልን ሰብን ኣይክለኣና።
    ሙሉእ ምህርትካ ገቢቶም “ገና ገና ዕዽኡ ከፊሉ ኣይወደኤን” ዝብል እምንቶ ሒዞም ክነብሩ ዝሓርዩ ጎሓላሉ…. ምስ እዚኦምስ ኣይጸንብረና!
    ኣብ ግጥሚ ሓጺር ኢድ ከምዘይብልካ ይፈልጥ’የ ። ከማካ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ኣሕዋትን/ኣሓትን ክርኢ ናይ ወትሩ ትምኒተይ እዩ።
    ተስፋ ህዝቢ ካብ ምዃን ኣይትትዓንቀፍ።
    ሰሰናዩ…..

  • Semhar December 11, 2014

    Mesina, Mesina, Mesina
    ባንዴራና!

    This is not our flag, our flag is Semayawit Bandera.

    እዛ ህያብ ሰማእታት ክብርቲ ባንዴራ This is the tyrant Isaya’s flag.
    ረዚን’ዩ ትርጉሙ ኣርባዕቲኡ ሕብራ It represent the tyrant isayas.
    ብሄርናን እምነትናን ኣብ ሓደ ጠሚራ It destroyed our culture and our religion
    ኣቃሊሳትና እንድያ ንኽንወጽእ ሓራ! It brought us misery and slavery.

    እዛ ባንዴራና’ወ መዘና ዘይብላ
    ኣብ ሰንደቕ ዓላማ ተሰቒላ
    ትንፋስ ስውኣትና ወትሩ እናንበልበላ Our martyrs never saw this flag. It
    ኣብ ኩሉ ትርከብ ንስምና ወኪላ! represents only the monster Isayas.

    ኣብቲ ባይቶ ዓለም ኣብቲ መጋባእያ Our original flag, semayawit banderana
    ብኽቡር መስዋእቲ ምስ ኣንበልበልናያ should be at the UN!
    ሃገርና ኣልሚዕና ክንገብራ ቀጠልያ
    ሓድነትና ኣትሪርና ኢደይ ኢድካ ኢልናያ!

    እንተኾነ፥
    ዝዓነወት ሃገር ክንሃንጽ ብብቕዓት The diablos Isayas took us to war with
    ሰብኣይ ሰበይትና እንከለና ኣብ ልምዓት Ethiopia, Yemen, Djibouti, etc.
    ብቕዋም ዝምራሕ ከይንተክል ስርዓት We lost the war, we lost our land and
    ኲናት ከፊቱልና መላኺ ንጥፍኣት! we lost our precious people

    እንተኾነ፥
    ዝዓነወት ሃገር ክንሃንጽ ብብቕዓት He dissolved our laws, our constitution
    ሰብኣይ ሰበይትና እንከለና ኣብ ልምዓት
    ብቕዋም ዝምራሕ ከይንተክል ስርዓት
    ኲናት ከፊቱልና መላኺ ንጥፍኣት!

    እቲ ቀይሕ ክፍሊ ሕብሪ ባንዴራና This flag represents his vicious rules
    ምልክት ቃልሲ’ዩ ዝፈሰሰ ደምና
    ኣብ ዘንጋ ክትስቀል ኣብ ባይቶ ዓለምና
    ህይወት ናይ ጀጋኑ መስዋእቲ ከፊልና!

    እዛ ተፈታዊት’ወ ወርቃዊት ባንዴራ The present flag belongs to the tyrant Isayas ምልክት ባሕሪ’ዩ ሰማያዊ ሕብራ and will go with him when he goes!
    ካብ ዝመጸ መጺኡ ዓማጺ ከይደፍራ
    ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣሎዎ ሓደራ!
    የቐንየለይ።
    Our victory is certain!
    Our liberation flag ,Semayawit Banderana will be all over Eritrea and at the United Nations.

POST A COMMENT