ኣብ ኣስማሪኖ.ኮም ይኹን ኣብ ኣሰና.ኮም፡ ብዕለት 31/03/2010 ብብርሃን ሓጎስ ዝተጻሕፈ ተመልኪትናዮ። ጀነራል መስፍን ሓጎስ፡ ቀጺሉ ናይ ኣፍዓበት ኣንበሳ፡ ( The Lion of Afa’Abet) ተባሂሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዝተጋነነ ሓዲሽ ታሪኽ ሰሚዕና ሱቕ ኢልና ክንሓልፎ ኣይከኣልናን። ምኽንያቱ ሕልናና ኣይፈቐዶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ነዚ ዝተጋነነ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ታሪኽ ክጸሓፍ ተደልዩ፡ ስለምንታይከ ናደው እዚ ንምፍራስ ነቲ ሰራሕ ታሪኽ ዝኾነ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣንበሳ ዘይተባህለ።
ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዝቃወሙ ሶማላውያን፡ ከምኡ ‘ውን ኣባላት ቅንጅትን ግንባር ሓርነት ኡጋዴንን ዝርከቡዎም ሰልፈኛታት ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝበየኖ እገዳ ብምቅዋም ብ22 ለካቲት ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ተሰሊፎም ውዒሎም።
ኣባል መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ መሓመድ ስዒድ ባርህ ብሕማም ነዊሕ ድሕሪ ምስቓይ ሎሚ 9 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ