ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ንምርካብ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብኣሃዝ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ክትርእዮ ኸለኻ ጥራይ ኳ ዘሰንብድ እዩ። ድርኩኺት ህድሞን ኣግነትን መረባዕን ኤርትራውያን ስድራቤታት ሰጊርካ፡ ምስ ነፍሲ-ወከፍ ‘ቲ ኣብ መንደቕ ክብረት ዝነበር ዘሎ ኣሳእሎም ፊት ንፊት ክትጠማመት ከለኻ ግን እቲ ኣሃዝ ብኣሽሓት ተራቢሑ ዝያዳ ትርጉምን ርዝነትን ስለዝህበካ ካብ ስንባደ ሓሊፍካ ትርጉም ነብስኻ ክትሓትት ትግደድ፡

መርዓን ሓዳርን ሓደ ኣይኮነን። መርዓ ኣፍደገ ሓዳር እዩ። መርዓ ኹሉ ጽቡቕ እዩ ዝሓልፍ፡ ንሓዳር ግን ኩሉ ኣይክእላን፡ ወይ ንኹሉ ኣይትኾነሉን እያ። ሰብ ኪዳን ኣብ ሓዳር እዮም ዝፍተኑ። ተጋዳላይ ዮውሃንስን ተጋዳሊት ኢለንን ከኣ ን25 ዓመታት ነዚ ፈተነ ‘ዚ ሓሊፎም፡ ተዓዊቶምሉ።