ህግደፍ ካብ ዝሰርሖ ኣብያተ-ትምህርቲ ህግደፍ ዝሰርሖ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይበዝሕ ክብሃል ከሎ ንገለ የዋሃት ኣጋንኖ ይመስሎም ይኸውን። እዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ዝርዝር መዝገብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ህግደፍ ግን ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዘረጋግጽ። ኣብ ርእሲ እዚኣቶም፡ ኣብ ማእከል ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ብደገ ናይ ወራዙት መንበሪ ኣባይቲ ዝመስሉ፡ ኣብ ውሽጦም ግን እሱራት ህግደፍ ብምስጢር ተሓይሮም ዝነብሩሎም ሓያለ ቪላታት-ክፋእ ከምዘለዉ ‘ውን መረጋገጺታት ኣሎ። “ኣብያተ ማእሰርቲ ክንድዚ ካብ ኮነ ደኣ ‘ሞ፡ እቶም እሱራት ከ ክንደይ ክኾኑ እዮም?” ባህርያዊ ሕቶ እዩ…።