ኣደራዕ ባርነት እዩ። “ወርሓዊ መሃያ ዜጋ ንመዋእሉ ካብ 400 ናቕፍ ኣይሕለፈሉ፡” እንዳበለ፡ “ውፈር!!” ዝብል ሽፍታዊ ምምሕዳር ኣብ ሃገርና 20 ዓመቱ ቆጺሩ። ንኹሉ በልማማ ዝለበደ ማዕርነት ኣብ ትሕቲ ግፍዒ፡ መግለጺኡ ማዕርነታዊ ባርነት እብሎ። ንኡስ ወለዶ ክነግረኩም። ዓመቱ ዓመት ጭርሖታት እዩ። እቲ ኣበዓዕላ ነጻነት ድማ እንዳተቐየረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ኣደራዕ ባርነት እዩ። “ወርሓዊ መሃያ ዜጋ ንመዋእሉ ካብ 400 ናቕፍ ኣይሕለፈሉ፡” እንዳበለ፡ “ውፈር!!” ዝብል ሽፍታዊ ምምሕዳር ኣብ ሃገርና 20 ዓመቱ ቆጺሩ። ንኹሉ በልማማ ዝለበደ ማዕርነት ኣብ ትሕቲ ግፍዒ፡ መግለጺኡ ማዕርነታዊ ባርነት እብሎ። ንኡስ ወለዶ ክነግረኩም። ዓመቱ ዓመት ጭርሖታት እዩ። እቲ ኣበዓዕላ ነጻነት ድማ እንዳተቐየረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ንዓ’ባ ንህዝብኻ ዝረ!!
ብጸላእተይ ተሳዒረ ዘይፈልጥ ሰብ እየ ኢልካ ትጅሃርን ተዘንቱ ትኸውን። ዝኣምነካ እውን ኣይሰኣንን። እንተኾነ ግና ኣካላትካ ዕድመ ደፊኡ፡ ከም ጸላኢኻ ከፈራርሰካ ምስ ተበገሰ፡ ክትስዕሮ ኢልካ ዘይሕሰብ ቃልሲ ከምዝኣቶኻ ትፈልጥ።
ወርሒ ምድማቕ ኣብያ
መሬት ኤርትራ ጸልሚቱ፡
ጥዑይ ድዩ ምዉት
ንምፍላጡ ኣሸጊሩ።
ብዛዕባ ህ.ግ.ደ.ፍ እንታይ ክትጽሕፈሉ፡ እንታይ ከ ክትዛረበሉ፡ ኩሉ ነገራቱ ከምዘይሓልፍ ተቐሊዑ እዩ ዝብሉኒ ሰባት ኣለዉ። ኣይተጋገዩን። ብዛዕባኡ ዘጽሕፈኒ ዝያዳ፡ ብዝክኣለኒ ዓቕሚ ከቃልዖ ኢለ ዝፍትን፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት ግና፡ ጸላእየይ ከይርስዕ እዩ። ከምኡ እውን ንዕኡ ብዙሕ ኣይትውቀሶ ኣይትህረሞ ዝብል ርእይቶ እሰምዕ። ዝሃርሞ ዝወቕሶ ዝነቕፎ ከኣ፡ ክዕረ ኢለ ኣይኮንኩን። ፈሪሱ ክጒሓፍ ስለዝደልዮ እዩ።
ኤርትራ ንኤርትራውያን
ንጎደና ሓርነት ኣስመራ ንምግላጽ ክብል ኣብ 3ይ ክፋል ዘቕረብክዎ ጽሑፍ፡ ነቲ መንእሰይን ጎበዝን ኤርትራዊ ዜጋ ንምንእኣስ ኣይኮነን። ሓይሊ መንእሰያት ከነኣእስ እንተድኣ ኾይነ ብቐሊሉ ክርታዕ ይኽእል።
ጎደና ሓርነት ኣስመራ
ነቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ህዝባዊ ማዕበል ክካታተል እንከለኹ፡ ሓደ ካብቲ ዝገርመኒ ነጥቢ እንተሃልዩ፡ ኩለን እዘን ካብ መግዛእቲ ነጻ ዝወጻ ዓዲ ጭቁናት፡ ጎደና ሓርነት ዝሽሙ ጽርጊያ ከምዘለወን ምፍላጠይ’ዩ።
ኩነታት እተን ማዕበል ህዝቢ ሓፍ ኮፍ ዘብለን ዘለዋ ሃገራት፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ክቃላሕ ክንርእዮን ክንሰምዖን እንከሎና፡ እዚ ዓመጽ እዚ ድኣ ሽም ሃገር ስለዝቐየረ እዩ እምበር፡ ዝያዳ ኣብ ሃገርና ጎሊሑ ዝርኣ ዘሎ እንድዩ ንብል።
2011 ሕማቕ ወረ ሒዛ ኣይተበገሰትን። እሞ ኸኣ ኣብ መጀመርታ ወርሓ፡ ንምልካዊ ስርዓታት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፡ ከተርዕዶም ክኢላ። ለንቅነ ኣብ ቱኒዝያ፡ ጽባሕ ድማ ኣብ ጎረባብታ።
ዝኸበርካ ሓው ወልደየሱስ፡
ውድብኩም፡ ብዘይቅቡል ምኽንያታትን ምስምስን ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንምስታፍ ብዝምልከት ዝወሰዶ ነጻጊ መርገጽ ምስ ረኣኹ፡ እዛ ሎሚ ዝልእካ ዘለኹ ደብዳቤ ክጽሕፈልካ ዶ ኣይጽሕፈልካን ኣብ ዝብል ሓሳባት ኣቲየ።
ንፖለቲካዊ ቃልሲ ማለተይ’ዩ። ነቲ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትና ድማ ክገልጽ ይፍትን። እቲ ብንኣሽቶና እንፈልጦ ጉልበታዊ ቃልሲ እሞ ኸኣ፡ ከይተጠማጠምካ ከመይ ኢሉ? ቃልሲ! ፖለቲካዊ ይኹን ጉልበታዊ ማዕዶ ንማዕዶ ተረሓሒቕካ ክኸውን ዘይክእል መስርሕ’ዩ።