ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ(ሃኮዲለ)፡ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ሽግ ቓልሲ ተቐቢሉ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንምውዳብ ዝቐራረበሉ ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣገዳሲ ምዕራፍ ሒዙ ይርከብ። ክንዮ ምእላይ ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ባህጊ ብቕዋም እትምራሕ፡ ብስርዓተ-ሕጊ እትመሓደርን ፍትሒ ዝሰፈናን፡ ኤርትራና ክዉን ንምግባር፡ ኩሉ ደላይ ለዉጢ ዝሸባሸበሉ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ እቲ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ጥጡሕ መታን ክኸውን፡ ዕማማቱ ኣብ ምስልሳል ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኩነታት ሃገርናን ዝብናን ብሓባር ክንዝቲ ዝብል ንነበርቲ ሊድስን ከባቢኣን ምልክታ ኣብ ኩሉ ሊድስን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣብ ማዕከናት ዜና ምቅላሕና ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ ንዘተ ድሉው ኮይኑ ምጽንሑ ካብ ዝተፈላለዩ ኣሕዋት ዝበጽሓና ሓቤረታ ብምስትብሃል ዓቕምና ዝፈቕዶ ምድላዋት ክንገብር ቅኒና።
ኤምነስቲ እንተርናሽናል(ai) ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዘጋታት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክቃወምን ስክፍታኡ ክገልጽን ጸኒሑ።