በቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ፡ ብግብጺ ቀጺሉ፡ ኣብ ሊብያ ተጓሃሂሩ ንምልካውያን ስርዓታት ዝሰሃሎም ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብነታዊ ጽልዋ ኣስዒቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከይወስድ መታን ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብሓድሽ መብጽዓታት ንምሕባል ሓዱሽ ጎስጓስ ከካይድ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባሪ ተበጊሱ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንገለ ክፋል ሰራዊት ካብ ዝእዝዙ ካብ ኮለኔል ንላዕሊ ንዝመዓርጎም ኣዘዝቲ ፡ ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣመልኪቱ ኣብዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብገለ ካብኣቶም ተሪር ተቓውሞታት ከምዘጋጠሞ፡ ኢሳይያስ ከኣ ንተቓውሞታቶም ብነድርን ሕርቃንን ከምዝመለሸሉ ምንጭታት ሓቢሮም።