ኣብ ናይ 27 ሚያዝያ ዜና ኣሰና ስርዓት ህግደፍ ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 00 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ሓቢርናኩም ኔርና። ኣስማቶም ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ክቡር ኣቦና ኣባ ሃይለማርያም ገብረሕይወት ሓላፊ ደብረመድሃኒት ኪዳነ ምህረት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ለንደን ብሕማም ምኽንያት ብሰሉስ 25 ግንቦት ካብዛ ዓለም ብሰላም ዓሪፎም። 

ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ዝርከባ 22 ገዳማት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ንብረተን ዝኾነ ጥንታውን ታሪኻውን ቅርስታት ብምህጋር፡ ነተን ገዳማት ናብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ኣብያተ ማእሰርትን ክቕይረን መዲቡ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።