– ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልዑል ቀዳምነት ሂቡ ዘትዩሉ።
– ሓይልታት ጸጥታ ምስሪ ኣብ ዶብ ምስርን እስራኤልን ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ተጓዓዛይ ስደተኛ ክቐትሉ ኸለዉ ንሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ከቢድ መውጋእቲ ከምዘውረዱላ ሮይተርስ ሓቢሩ።
– ሪፖርትተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብጸላእቲ ነጻ ፕረስ ዝኾኑ መንግስታት ሓያለ ጋዜጠኛታት ዓለም ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ” ይብል።


ብሓለዋ ተዓጂቡ ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ገጹ ዘምርሕ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ካብ ከተማ ነፋሲት 7 ኪሎ ሜተር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ጎቦታት ኣድቢዮም ብዝጸንሑ መንነቶም ዘይተፈልጡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኤርትራ ጸፍዮም ዘለዉ ሓይልታት ተቓውሞ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደሉ፡ እንተኾነ ካብ’ቲ ዝተተኮሰሉ ኣድራጋ ጠያይቲ ንስክላ ከም ዘምለጠ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ብ13 ጥቅምቲ ንኮለኔል ስምኦን ገብረድንል ንምቕታል ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝኣሰረ ምእማኑ ሮይተርስ ካብ ኣሰመራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።