Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ብሰንሰለታውያን ገዛእቲ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1991 ሓርነት ዘይኮነ ነጻነት ተጐናጺፉ። እቲ ቐደም፣ “ድሕሪ ሓርነት ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል’ዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ብመነባብሮ ክከላበት፣ ጽንጽያ ዓይኑ ዘንፍረሉ’ኳ ኣይክህሉን’ዩ፣” ይበሃል ከም ዘይነበረ ግን ገና ደም ስዉኣት ከይነቐጸ ሲቪላውያን ይኹኑ ተጋደልቲ ብማዕረ ኣደዳ ማእሰርትን መግረፍትን ክኾኑ ርኢና። እቲ ዝገደደ ግን ሰኣን ቅኑዕ ኣመራርሓ ኣብ ዘየድሊ ኵናት ኣብ ርእሲ ምእታውና፣ ብዶብ ብምምስማስ ህዝቢ ነቕ መበሊ ስኢኑ ነዛ ኣፉ ሒዙ ከም ጊላ ኮይኑ ዝነብረላ ባይታ’ውን ስኢኑ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት፣ “ህዝቢ ኤርትራ ድኹም’ዩ! ንመሰሉ ዘይቃለስ ህዝቢ’ዩ! ወዘተ” እናበሉ ንህዝቢ ከከሻምሹ ይስምዑ’ዮም። ነዞም ሰባት’ዚኦም ዘቕርቦ ሕቶ፣ “ንስኻትኩምከ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም? ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ እንታይ ዝገበርኩሞ ጭቡጥ ነገር ኣሎ?