ኤርትራዊ ኣትለት ሳሙኤል ጎይቶኦም ሓድጉ ኣብ ጀርመናዊት ከተማ ካስል ሎሚ 16 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን-ካስል ብ02.13.05 ግዜ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ብምፍጻም ከምዝተሸለመ ተፈሊጡ።
ኤርትራዊ ኣትለት ሳሙኤል ጎይቶኦም ሓድጉ ኣብ ጀርመናዊት ከተማ ካስል ሎሚ 16 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን-ካስል ብ02.13.05 ግዜ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ብምፍጻም ከምዝተሸለመ ተፈሊጡ።
በየነ ዘርኣይ በራኺ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣትሌት፡ ትማሊ ሰንበት 25 ሚያዝያ ኣብ ሃምበርግ (ጀርመን) ኣብ ዝተኻየደ 16 ሽሕ ተቐዳደምቲ ዝተሳተፉዎ ዓመታዊ ውድድር ጉያ ፡ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸሊሙ።
ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኣትለት መብራህቱ ክፍለዝጊ ሎሚ ሰንበት ሓደ ሕዳር 2009 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ማራቶን ቅድድም ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት ተሸሊሙ።
ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ 11 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ተሸሊሙ።
ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ 11 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ተሸሊሙ።
ብሃር ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ሎሚ 12 ጥቅምቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጀኔሮ፡ ብራዚል፡ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ንሳልሳይ ግዜ ናይ ፍርቂ ማራቶን ሽምፕዮን ዝተዓወተ ቀዳማይ ወዲ ተባዕታይ ብምዃን ከኣ ታሪኽ ሰሪሑ።
ኤርትራዊ ኣትሌት ያረድ ኣስመሮም ኣብ ኦሳካ ጃፓን፡ 30 ዲግሪ ሰንትግሬድ ሙቐትን ብርቱዕ ራህድን ኣብ ዝነበሮ ኩነታት ኣየር ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ዝድነቕ ውድድር ብምርኣይ (ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ) ራብዓይ ደረጃ ብምውጻእ ውድድሩ ዛዚሙ’