ድሕሪ’ዚ ኹሉ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጥፍአ መቕዘፍቲ ማእከላይ ባሕሪ፡ ገለ ካብቶም ብሕታዊ ገንዘባዊ መኽሰቦም ጥራይ ዘቋምቱ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ፡ ብፍላይ ድማ ወዲ ቐሺ ተባሂሉ ዝፍለጥ መሰጋገሪ፡ ነቶም ካብ ቅልውላው ሊብያ ኣምሊጦም ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ‘ናብ ጥልያን ብቐጥታ እትኣቱ ተተኣማምን መርከብ ኣዳልየ ኣለኹ’ ዝብል ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ናብ ሊብያ ተመሊሶም ጃልብኡ ክመልኡሉ ይጽውዖም ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ስርዓት ህግደፍ ንግዝያዊ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ ዝንቀሳቐስ፡ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ኣሸባብ፡ ‘የዕጥቕን ይድግፍን ኣሎ’ ብዝብል ክሲ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር፡ እገዳ መገሻ ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ሰራዊትን፡ ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረቱን ገንዘቡን ዘጠቓለለ ጽኑዕ እገዳ ጌርሉ።