Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዕለት 29 ነሓሰ 2010 ዓ.ም፣ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ዝጸንሐ መደብ፣ ኣኼባ መሰረታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ- ብርጣንያ፣ ብውዕዉዕ መንፈስ ኣብ ግዚኡ ከም ዝተሳላሰለ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፣፣

ስርዓት ህግደፍ ተሓቢኡሉ ዘሎ መጋረጃ ማለት ጸጋማዊ ስነሓሳብ፡ ኣውራጃነት፡ ናይ ከበባ መንፈስን ሓሶትን ጃህራን ትምክሕትን ምካኑ ብምስትብሃል፤ ከም’ቲ ጲላጦስ ኢዱ ሓጺቡ ካብ’ዚ ደም’ዚ ሰብኣይ’ዚ ነጻ እየ ዝበለ ካብ’ዚ ብጃንዳ ህግደፍ ዝፈስስ ዘሎ ደም’ዚ ህዝብ’ዚ ነጻ እየ ንምባል ክብቃዕን፡..ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻር ሳቦያ ኢልኩም ነዚ መጻዪን ሽበራው’ን ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ናይ ታሪክ ጎሓፍ ንምድርባይ ስጉምቲ ሕጂ ውሰዱ እንዳበልና ንጽውዕ።.