20 ሰነ መዓልቲ ስማእታት፡ ኣብ ከተማ ከለን ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተዘኪራ ውዒላ
20 ሰነ መዓልቲ ስማእታት፡ ኣብ ከተማ ከለን ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተዘኪራ ውዒላ
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን-ኪ ሙን (Ban Ki-moon ) ንኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል ከም ምኽትል ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ኔፓል ( Deputy Special Representative for Nepal) ከምኡ ‘ውን ምኽትል ሓላፊ ተልእኾ ውድብ ሕብራት ኣብ ኔፓል (Deputy Head of the United Nations Mission in Nepal ) ከምዝመዘዞ ሎሚ 20 ሰነ ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒው-ዮርክ፡ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ናይታ ሓውሲ ነጻ ዝኾነት ዞባ ሶማልያ (ፑንትላንድ) ኣዲ ሙሳ ነቲ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ ጸረ መንግስታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝኾነ ኪዳን፡ ኣብ ዞባዊ ምምሕዳራዊ ግዝኣቱ ወጥሪ ክፈጥር ይፍትን ከምዘሎ ምኽሳሱ፡ ሸቤሌ ሚድያ ነትዎርክ ካብ መቓድሾ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንዶን: ብሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን
ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ለንደን ብሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ( ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ'ዚ ጠውቑ)
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ንሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ‘ሃራምበ ስታርስ’ 1-0 ብምስዓር ተዓዊታ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምፍታሕ መሪሕ ተራ ክጻወት ከምዝጸውዐ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ (AFP) ኣፍሊጡ።
ቃለ ምልልስ ፕረዚደንት! “ሰዓትኩም ኣተኻኽሉ ኢየ ዝብሎም!”
ታሪኽ ናይቶም ዘበርከቱ ስኑድ እዩ፡ መጻኢ ሃገር ዘየተኣማምን ኣብ ዝኾነሉ መድረኽ፡ ጸሓይ ኣብ ምዕራባ “ ንዓ ‘ባ ንዓባ “ ኣብ ዝብሉሉ ዘለዉ ሰዓት ግን፡ እቲ ብጥልመት ዝሰክሐ ህዝቢ “ኪድ ‘ባ ኪድ ‘ባ ጸሓይና ቐሪባ” ክብል ግድን እዩ። ሓንሳብ ዝግራህ እምበር ካልኣይ ዝዕሾ የለን።
ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዓሊ መሓመድ ገዲ ምሕዝነት ተቓወምቲ ሶማልን እትዮጵያን ኣብ ኤርትራ ይቐውም ከምዘሎ ሎሚ (09 ሰነ) ብድምጺ ኣመሪካ (VOA) ንዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ኣገንዚቡ ።
ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ዕጡቓት ወተሃደራት ኤርትራ ጽዕጹዕ ቶኽሲ ብምኽፋት 23 ገፈፍቲ ዓሳ ምስሪ ከምዝሓዙ ሮይተርስ ሎሚ 08 ሰነ ካብ መትረብ ስዌጽ (ምስሪ) ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።
50 ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሎሚ 31 ግንቦት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ለንደን ተረኺቦም ንማእሰርቲ መእመናን ብመንግስቲ ህግደፍ ዝዅንን ተቓውሞ ከምዘስምዑ ‘ኢንስፓየር መጋዚን’ ገሊጻ።
ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጂጂጋን ደጋቡርን ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 16 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 67 ከምዝቖሰሉ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ሓቢራ።
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ስታድዩም ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ብዘይተግባራውነትን ምትሕልላኻትን ውሳኔ ምምላካት ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተሓተቲ ሰበስልጣን ኣመሪካ ምዃኖም ገሊጹ።
ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኑ ከገልግል ከም ዝተመዘዘ መርበብ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።