Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕልመይ እንተዝኾነለይ ፡ ዳኒኤል እንተዝነብረለይ !

 እንተዝኾነለይ  !ሕልመይ  እንተዝኾነለይ፡ ዳኒኤል እንተዝነብረለይ ሕልሚ ንእስነተይሕልሚ መሳቶይ፡ሕልሚ ኣቦታተይሕልሚ ኣዴታተይሕልሚ ስዉኣተይ፡እንተዝኾነለይ ‘ወ እቲ ጥዑም ሕልሚ‘ታይ ነይሩኒ ዘተሓማሚ፡ ቀለመይ ዘድሚ!? ሕልመይ ኮይኑ እንተይኮኖ ንሕልመይ ናብ ደፋኒ ሕልሚ ኣይመወጣወጥኩን ኢደይምነኸስኩዎ፡ ምኸሰስኩ ነብሰይ፣እቲ ሰፊሕ ሕልሚ ዝወለዶ ጸላምብቐትሩ ‘ተጸፍየ ከይደቀሰ

 እንተዝኾነለይ  !
ሕልመይ  እንተዝኾነለይ፡ ዳኒኤል እንተዝነብረለይ
ሕልሚ ንእስነተይ

ሕልሚ መሳቶይ፡

ሕልሚ ኣቦታተይ

ሕልሚ ኣዴታተይ

ሕልሚ ስዉኣተይ፡

እንተዝኾነለይ ‘ወ እቲ ጥዑም ሕልሚ

‘ታይ ነይሩኒ ዘተሓማሚ፡ ቀለመይ ዘድሚ!?

 

ሕልመይ ኮይኑ እንተይኮኖ ንሕልመይ

ናብ ደፋኒ ሕልሚ ኣይመወጣወጥኩን ኢደይ

ምነኸስኩዎ፡ ምኸሰስኩ ነብሰይ፣

እቲ ሰፊሕ ሕልሚ ዝወለዶ ጸላም

ብቐትሩ ‘ተጸፍየ ከይደቀሰ ኣዳም

ምስ ተሳእነ ልዋም ምስ ተቐብጸ ሰላም

ከይተጋህደ ህያው ነይሩ ከይረኸበ ጠላም፣

ሰፊሕ ነይሩ ባሕሪ

መራኽብ ዘንሳፍፍ ዓሳታት ዘፍሪ

ጥሉል ነይሩ ክራማት

ኣባትር ዘጽግብ ዝኽሕስ ሓረስቶት

ገነት ነይሩ ሰፈር ጻድቃናት

መሬት ዝሰሓቦ ካብ ሰማያት፣

ጽባቒኡ፡ ዕምቆቱ፡ ትርጉሙ

ንሓለምቱ ንሞት ኣቃዳዲሙ

ከይተጎራርሑ ክቐምሱዎ ጣዕሙ

ህይወት ንእስነቶም ገይሮሞ እጃሙ

ኣሽሓት ሓሊፎምሉ ሚልዮናት ክጠቕሙ፣

እንተዝኾነለይ እዚ ቕዱስ ሕልሚ

‘ታይ ነይሩኒ ዘቀያይም ዘጻልእ ዘተሓማሚ

ንኹሉ ‘እወ ሕራይ’ እናበልኩ

ከከም ገጹ ገጸይ እናብራህኩ

ሩፍ ምበልኩ ከም ዓለመይ

ቀሲነ ምስ ነብሰይ ሓቢረ ምስ ህዝበይ፣

ዝሓለፍኩዎ ሕሰም

ካብ ‘ሕጅስ ይሓይሽ’ ‘ናበልኩ

ንህሉው ዘበን ኣብ ክንዲ ዝራገም

መረረ ስዒረ

ዝቐደሙኒ ኣርኪበ ክመዓራረ

ናብ መጻኢ ኣተኵረ

ሓድሽ ሕልሚ ምቐጸልኩ ‘ምበር

‘ታይ ነይሩኒ ምስ ዒሕታን ምስ ዓሕታን ዘናብር!?

ኣየ ወ!

እንተዝኾነላ ‘ታ ደ

ዝኸፈለት ቦኽሪ ምስ’ቲ ሕሳስ ልደ

ኣይምለኣኸቶን ንመንጎኛ

ናብ ዘይርጉጽ ጉዕዞ ስቓይ ስደተኛ፣

እንተዝኾነሉ ‘ቲ ኣቦ

ዕሸል ወዱ ወሪሱ ኣቦነት ክርከቦ

ክንዲ ብጹሕ ውላድ ክኸፍል ጋር-ነብሲ

ኣይምተዋረደን ብማሕዩር ከሳሲ ክንሱ ኣባሲ፣

እንተዝኾነላ ‘ታ ጎርዞ

ንሕጹይ ‘ኳ ብቐሽን ሸኽን ትእዝዞ

ኣይምኾነትን መጻወቲ ወተሃደር

ብዘይካ ቋንቍኡ ዘይፈለየቶ ካብ ‘ጦር’

ኣይምስገረቶን ዶብ ሃገራ

ክትነብር ርሒቓ ሕፍረታ ቀቢራ

ካብ ባይታ ሕስረታ ገሊላ፡

ኣበይ ‘ሞ ኮይኑላ

ንኹሉ ገይራቶ ‘ካብ ሞትስ ይሓይሽ’ ኢላ

ዘይዕለል ዛንታታት ውሽጢ ከብዳ ጸይራ

ጣቋ ኣንስተይቲ ክብረታ ተረሲዑ

‘ንደሊኡ’ ‘ላቶ ሚዛኑ መልክዑ

‘ዕድለኛ’ ያኢ ኮይና ብመወዳእትኡ

መወዳእትኡ ክንሱ መጀመርትኡ።

እንተዝኾነሉ ‘ቲ መንእሰይ

ኣይምኾነን ግዳይ

ኣብ ዓዱ ‘በይኡ

ኣብ ጉዕዞ ብጓናኡ

ኣብ ስደት ብጎይትኡ፡

ኣልሚሱ ዓመጽቱ ስዒሩ ንስቓይ

‘ምበለ ‘ምበር ‘ቱታ ቱታ፡ ገዳይ ገዳይ’

ምለበሰ ፋረ ምተባህለ ሓኔታይ፣

እወ

እንተዝኾነልና ፕረዚደንት ኣቦ ሃገር

ንህዝቡ ዘኽብር ካብ ወንበር

ኣብ ክንዲ ምንጪ ናይዚ ኩሉ ኣደራዕ

ዋልታ እንተዝኸውን ንህዝቢ ዝስዋእ

ኣቦ ዓለም ምበልናዮ ሰጊርና ነፍሪቃ

ክሲ ኣጋንኖ ተጻዊርና ምዓገብና ብገዛእ ርእስና

እንተዝኾነልና “ዝበሉ ይበሉ” ምበልና

ዓጢጡና ናትና፣

እንታይ ‘ሞ። ኣይኮነን ብሰሪ ዘይኮኑ

ሓሳዳት ረኺቡ ጥልመት ዘሰስኑ

ሕልሚ ኮይኑ ‘ቲ ሕልሚ

ውዲት በሊሉዎ ናይ ደም ትልሚ

ዓጽመ-ስጋ ኣሽሓት በሊዑ

መህደም ኮይኑ ዘየቕርብ ጕስዑ

ክንዲ ሃነን ዘብል ወርስቲ ሰሪዑ፣

እንተዝኾነልና ‘ቲ ውቁብ ሕልሚ

ባሕሪ ደምና ጸባ ተቐይሩ ተዝሕቆን ጠስሚ

ህዝቢ ምተሓጎሰ ንጉስ ምተወደሰ።

እንተዝኾነሉ ‘ወ ዳኒኤል

ኣምላኽ ዝሓሰቦ እንተይከውን ስርኤል

ሩፍታ እንተዝረክብ ሕልናኡ

መዓስ ዊጥ መበለ ጠበንጅኡ

ደቁ ምሓቖፈ ‘ምበር ሕነ ምስውኡ

እንተዝኾነሉ ‘ወ ሕልሚ ሳሕል

መዓስ ምወረደ ንማይ ኣጣል

ወይ ክብ ወይ ግብ ክብል

ደልዩ ‘ምበር ከርእየና ምስማዕ ካብ ኣበና

ሓሞት ብሓሞት ከምዝምቅር

መዓንጣ ክንቅነት መዓንጣ ክንቀብር።

ግን ኣይኮነን

ዓብሊሉዎ ግናይ

ነቲ ሰናይ

ጸድፊ ኮይኑ መሓድሮና

ከም ጭፍራታት ህበይ

ጥንቅሊዕት ኮይኑ ምድቃስና

ሰልምታ ስኢኑ የዒንትና

ስግኣት ብሒቱዎ ኣእምሮና

ከዋኽብቲ ምዃን ስኢና

ከዋኽብቲ ክንሕሉ ንሓድር ‘ለና

ሰማይ ከይወድቀና፣

ተኻሒድና ኢና

ብገርሂ እምነትና

ምሳና ዝወፈሩ ኣብ ቆላ ኣብ ደጋ

መፍትሕ ዝሃብናዮም ናይ ኣፋፌት ሑጋ

ኣብ ክንዲ መታሓልምትና ፈታሕቲ ሕልምና

ኣብ ክንዲ መራሕትና ዝገበርናዮም ኣማልኽትና

እንተልብና ኣመና ኣሚኑ

እንተልቦም ኣመና ክሒኑ

ሕልምና ግዳይ ኮይኑ።

ኣሽንባይ ዶ ዓንዴል ዒደር

እንተበዚሑስ መዓር ኳ ይመርር

ምኽንያት ኣለዎ መንፈስና ክስበር

እወ እንተዝኾነልና

ኣኽል ታርፍ ፈርዩ ሕልምና ቐዳማይ

ድቃስና ጸጊብና ምሓለምና ዳግማይ።

 

ግዳ

እንተልናዮ ኣሜን ጋኔን ምስ ኣበሩ

እምነት ብጥልመት እንተተሳዒሩ

ናይ ትማሊን ሎምን ኣበሳ ደሚሩ

ኢኦል ክውሕጠና ‘ዩ ውዒሉ ሓዲሩ፣

ኣጆኹም ኣጆና

በትሪ ኣብ ኢድና

ተመን ኣብ እግርና

ትማል ዝተሓልመ

ሎሚ እንተተጠልመ

ክኸውን ‘ዩ ጽባሕ

ካብ ጥልመት ደኣምበር

ካብ ሕልሚ ኣይንፍራሕ

ሰባት ንኹን ክንዲ ህበይ

ደረትና ንግበሮ ንሰማይ

ግድን ክኸውን ‘ዩ ትልሚ

ለቢምና ካብ ዓሚ

መኪትና ጠላሚ፣

 

እንሆ ‘ንዶ ዳኒኤል ሃብተ

ብዕሸሉ ኽሎ ትማል ዝኸተተ

ምሳይ ዝሓለመ ምሳይ ዝዃዓተ

ካብ ኣፍ ፈረስ ዝሰምዖ

ሕድሪ ክፍቀድ ካብ ሓደ ክሳብ ዓሰርተ

ወፊሩ ንዳግማይ መኸተ

ዕባይ ሰውራ ኣብ ኣሰር ዓዋተ

ቅያ ዝወረሰ ራህዋ ዝኣመተ

መላኺ ሰሪሩ እንተተመከተ

ተስፋ ዘሪኡ ‘ሎ ዘተንስእ ዝሞተ

ግዝያዊ ‘ዩ ሞቱ

ኣብ ልቢ ሚልዮናት ኣብ ደምና ዝስተ

ጽባሕ ክጥጥዕ’ዩ ፍትሒ ምስ ሰረተ

ቀይሕ መብራህቲ ርእዩ’ሎ ሃገር ዝገበተ

ጽባሕ ከርከብ ‘ዩ ሎሚ እንተተሳሕተ

ዳኒኤል ክነብር ‘ዩ

ጣልማይ ምስ ተፈርደ

ተጋዳላይ ዝባርኾ ዕማም ሰናይ ዘመልክተ

ፈጽሞ ብሓቦ ሕነ ጅግና ፍደ

ደም ነቢዕካ ‘ንዲኻ ተፈሪድካ ክልተ

መዓንጣኻ ሕጸብ ህዝበይ ጸባ ስተ !!

 

ኣማኑኤል ኢያሱ

14.08.2009

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT