መልኣኽ ኴንካ ሰብ ዝፈጠሮ
እዝጉ ዝረስዐ ሰብ ፡ ኣብ ልቡ ዘስፈሮ
ሕልማዊ ዓለም ጠፋጢፍካ ርትዒ ዝጎደሎ
ንስኻ ‘ኣነ’ ትብለሉ፡ ንዓና ነውሪ ኸሎ
o³ªE§
§…‹F! §…‹F! }o]† ‰êEq|
©cñ cøE ©³ …]EM M] ‹]p}|
§…‹D‰êM }kD÷M {œM ²Í—q|
ÏÃêM }‹mke—‘sï KUX I[M|
…}ÄYM ©‘é }kF }s‹X ]’…q|
I want you THINK for a minute
With open mind and resolute.
ግንቦት 24ን፡ ናይ መጀመርያ ብስራትኪስ ጥዑም ኔሩ ኩሉ ኣኽቢሩኪ
ድሓር ግን ኣይግድን መልክዕኪ ቀይርኪ።
መስከረም
ኣይፋልኪን መስከረም
ግደፊ ኣይንጣለም
ክቡር ህዝበይ ደቂ ዓበይቲ ደቂ ዎራዙት
ኣይተረአን ድዩ ናብ ህዝቢ ዝወረደ መዓት
ሃይባ ንጠርንፍ ንዕለዎ ነዚ ኣረመኔ ስርዓት
ብቑጠባ ንሕነቆ ንኾንኖ ንሓሶት ኣኽባታት
እቶም ንናጽነት ህይወቶም ዝኸፈሉ
ሕድሮም ተጠሊሙ ብብጾትና ዝብሉ
ብባዓል ሓጎስ ክሻ ብባዓል ወዲ ክፍሉ
ሃንቀውታ ህዝቢ ንምርዋይ ባሕቲ መስከረም ዘበሰረት
ኣንጊሃ ዘለለየት ውድት መግዛእትነት
ልዳታ ከይድፈር መሮር ዝሓደረት
ኣይንብርከኽን በለት እምቢ ንባርነት ፡፡
እንተዝኾነለይ !ሕልመይ እንተዝኾነለይ፡ ዳኒኤል እንተዝነብረለይ ሕልሚ ንእስነተይሕልሚ መሳቶይ፡ሕልሚ ኣቦታተይሕልሚ ኣዴታተይሕልሚ ስዉኣተይ፡እንተዝኾነለይ ‘ወ እቲ ጥዑም ሕልሚ‘ታይ ነይሩኒ ዘተሓማሚ፡ ቀለመይ ዘድሚ!? ሕልመይ ኮይኑ እንተይኮኖ ንሕልመይ ናብ ደፋኒ ሕልሚ ኣይመወጣወጥኩን ኢደይምነኸስኩዎ፡ ምኸሰስኩ ነብሰይ፣እቲ ሰፊሕ ሕልሚ ዝወለዶ ጸላምብቐትሩ ‘ተጸፍየ ከይደቀሰ ኣዳምምስ ተሳእነ ልዋም ምስ ተቐብጸ ሰላምከይተጋህደ ህያው ነይሩ ከይረኸበ ጠላም፣ሰፊሕ
ኣቱም ሰባት! ኣብ ዘዘለናዮ መዓልቲ ንግበር ካልኣይ ቀብሪ
ምእንቲ’ዞም ንቡር ከይረኸቡ ዝሰፈሩ ትሕቲ ምድሪ
ወየ! ወየ! ንበል ከምቲ ባህሊ ኣቦታትና
ምእንቲ”ዞም ከም ዕንቊ ዝተሽርቡ ደቅና ኣሕዋትና
እንተኽኢልና ኣብ ቅርዓት ዓዲ ዓራት ኣንጺፍና
ወይ ብጽሞና ናይ ካልኦት ኣምሲልና
ጌጋ መዓልቲ እንዲና ውዒልናታ! ደም ምንባዕኳ ክውሕደና!
መርድእ ዶ ሰሚዕኩም ከምዛከማይ
ካብ ድምጺ ኣሰየ ኣሰና
ኣብ ዘሎካ አሊካ መክት ኤርትራዊ ብዕምቈት መርምሮ ናይ ወገንካ ግፍዒ ርኢካ ሰሚዕካ አይትበል እንድዒ ናብ ህግደፍ አይትስገድ ናብ በላዒ። ፈርካሽ ጃንዳ ህግደፍ ጻሕታሪ መከራ ይበታትነን አሎ እንዳታት ኤርትራ ብግቡእ ንረደአዮ ናይ ተንኰሎም ሽጣራ ካብ ቦታ ናብ ቦታ
ህዝበይ እንክፈላለ
እቲ ጅግና ተኻሒዱ
ካን እዚኣ እያ እታ ኢዱ
እንከሎ ብህይወት
ትንፋሱ ከይሓለፈት
ምእንቲ እዛ መሬት
ህግደፍ ካሕዳያት ንዑ ተሓተቱ
ናይቲ ኹሉ መንእሰይ ዝጠፋኤ ሃውቲቱ
ናይቶም ሰኣን ሕክምና ኣብ ኢድኩም ዝሞቱ
ናይቶም ዝተጸለሉ ኣእምሮኦም ዝሰሓቱ
ሰሚዕኩም ዶ መልእኽቲ ካብ ኣስመራ
ፈነወ ድምጺ ኣሰና ዘሕለፈቶ ርዱኡና
ጽቡቕ እንቶሎና ኑዑ ተቐመጡ ምሳና
ህዝቢ የእዊ ኣሎ እንዳበለ ኣድሕኑና
ኣይኮነን ኣንጉዕዩ፣
ኣንጉዕ ሊቃውንቲ ተመራመርቲ
ኣንጉዕ ተዋሳእቲ ተለሃይቲ
ኣንጉዕ ኣባጽሕ ዘለልቲ
ኣንጉዕ ተኮስቲ ሓምበስቲ
ኣንጉዕ ቀያሕቲ ጸለምቲ
ንታቦት 24 ግንቦት፡ ኣንሳፈፍቲ ተሰከምቲ።
ናጽነት፦ ድምጺ ሓፋሽ ስምዒ፤ ድምጺ ብጁዋትኪ፡
ናብ ዕረ ተቀዪሩ፤ ጣዕሚ መቀረትኪ፡
ፍሰሃ ጎዲልዎ፤ ኣብቲ በዓላትኪ፡
ጋሻ ውሒድዎ፤ ኣብ ኩሉ ዳሳትኪ፡
ስለምንታይ ኢልኪ፤ ሕተቲ ብቃላትኪ፡ ነቶም ናትኪ፧
ኣብ ክንዲ ሓልዮት ህዝቢ፡ ኣገልገልቲ ምልኪ
ኣብ ስደት ኾይንኹም፡ ደሓን ኣሎ ዓዲ
ብክልተ ካብ ሚእቲ፡ ቀዘፍቲ ሕጻዉንቲ
ኣበይ ድኣ ኣበለ፡ ወዮ እኹብ ቦንዲ
ሎሚስ በሪሁልኩም ዶ? ህግደፋዊ ስልቲ
ኣበደን
እኳ ድኣ ይስስን
ይረስን፡፡
ደማሙ ሃገረይ ኛው ኛው በላ
ሰኣን ኛው ዶ ትሕረማ ዝሕላ
ከውታ ለይቲ ይመስለኒ
ዓይነይ ይዕመት ጽልግልግ ይብለኒ
ብኾፈይ ሕልሚ ይውሕጠኒ
ዝጋሃድ ሕልሚ ይሕዘኒ
ኣየ ዘመን፡ ዘመን ግርንቢጥ
ኣብ ክንዲ ትኽ! እትብል ትጉብጥ
ኣብ ክንዲ ትስሕቕ፡ ትነብዕ
ኣብ ክንዲ ትሕበን፡ ትሓፍር ዘይትኾርዕ
ኣየ ዘመን፡ ዘመን ግርንቢጥ
ኣብ ክንዲ ትኽ! እትብል ትጉብጥ
ኣብ ክንዲ ትስሕቕ፡ ትነብዕ
ኣብ ክንዲ ትሕበን፡ ትሓፍር ዘይትኾርዕ
ኣየ ዘመን፡ ዘመን ግርንቢጥ
ኣብ ክንዲ ትኽ! እትብል ትጉብጥ
ኣብ ክንዲ ትስሕቕ፡ ትነብዕ
ኣብ ክንዲ ትሕበን፡ ትሓፍር ዘይትኾርዕ
ንድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ እንተኮይኑ ዕላማ
ስሙር ግንባር ፈጢርካ፡ ንህግደፍ ምህራማ
ክሳብ ምኣስ እዩ ድኣ፡ ብማዕዶ ቁዝማ
ኤርትራ ምስ ህዝባ፡ ከም ሎሚ እዃ ዘይሓሰማ
እንታይ ድኣ ጉደን፡ ንለዉጢ ዘይቐዳደማ
ሃገር እናተሓመሰት፡ ኣእዛነን ዘጽምማ
አንታ ሎመስ ዓቢዱ
ብሓቂ ዓቢዱ ጨርቂ ዝባኑ ቀዲዱ
ዕርቃኑ ተጋሂዱ፡
ጸሓይ ብብረሃኑ መሬት ብረፋዱ
ዓለም ገሪመዎ አረ እንታይ ኢዩ ጉዱ
ሰብዶ ስኣነ ዝሕዞ ቀፊዱ።
ንህላዌኻ ህላዊኡ እንዳሕመድመዶ…
ንምንታይ ነቲ ከንቱ ጕዕዙኡ እትኸዶ…
ኣይወነኖን እኮ ነቲ ትማሊ…
ጥልምት ሕዛእቱ ንሽም ኢዩ መሓሊ…
የእምሮ ኣብ ርእስኻ
ተመን ኣብ እግርኻ
እንታይ ትብለኒ ‘ለኻ?
ካብ ጻት ናብ ጻት….
ድምጺ ፍትሒ ብሓይሊ ይጋሓውሕ…
መስታ መብረቝ
ብልጭታ ፈጢሩ..
ኣብ ኵሉ ይባጻሕ….
ሓንቲ ልሳን: ደልያ መተርኣስ እዝኒ
እንቲርፊ ክዛረብ: ግደፈኒ
ትብል ሱቕ በል: ተረሚስካ ስምዓኒ
ኪድ!
ሓዊ ስገር፡ እሳት መዓት፡
ፈተና ሕለፍ፡ ደይብ ውረድ፡
ኣብቲ ጸላም፡ ድለ ብርሃን ፡
ካብቲ ዓመጽ፡ ፍትሒ ፍጠር፡
ንግስቲ ሳባ: ንባዕላ
ኣብ ሕርሲ: ዓቕላ ምስ ጸበባ
በለት: ማይ በላ
ኣየ ‘ወ እዛ ብሌን-ዓይኒ
ምስ ኩሉ ተሳኒ
ኣብ ሕቝፋ ንዘሎ ተማምቖ
ኣብ ማዕዶ ንዘሎ ተናፍቖ
ሕማም ልቢ ሎሚ ዘበን
ሓኪም ዘይፈልጣ ግናይ መርዘን
መመሪጻ ትወስድ ዘይብላ ሚዛን
መሸፈኒት እባ ኮነት ነፈጸምቲ ገበን::
ብሰንኪ”
ብሰንኪ እገለ ፡
ብሰንኪ እገሊት፡
ሰራም ቃል ሓጢኣት፡
መሰታ ፍጥረት፡
መዘና ኣዳም፡ ምንኣስ ሂዋን፡