Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነቐፌታዊ ትዕዝብቲ ኣብ ኣስተምህሮ ዶ/ር ምስግና ገ/መድህን

ነቐፌታዊ ትዕዝብቲ ኣብ ኣስተምህሮ ዶ/ር ምስግና ገ/መድህን ኣብ ከተማ ለንደን ብዶ/ር ምስግና ገ/መድህን ኣብ ዝተጸወዐ ህዝባዊ ሰሚናር ንዕርቕን ሰላምን ሃገርና ምርኩስ ብምግባር ከምዝተኻየደ ምናልባት ገሌና ካብቲ ኣብ ክልተ ክፋላት ኣብ ራድዮ ኣሰና ዝቐረበ ቅዳሕ ናይቲ ኣስተምህሮ

ነቐፌታዊ ትዕዝብቲ ኣብ ኣስተምህሮ ዶ/ር ምስግና ገ/መድህን

ኣብ ከተማ ለንደን ብዶ/ር ምስግና ገ/መድህን ኣብ ዝተጸወዐ ህዝባዊ ሰሚናር ንዕርቕን ሰላምን ሃገርና ምርኩስ ብምግባር ከምዝተኻየደ ምናልባት ገሌና ካብቲ ኣብ ክልተ ክፋላት ኣብ ራድዮ ኣሰና ዝቐረበ ቅዳሕ ናይቲ ኣስተምህሮ ተኸታቲልናዮ ንህልው።  ዶ/ር ምስግና ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዘላቒ ፍታሕ ክርከቦ ኣብ ሞንጎ ኤርትራዉያን ናይ ዕርቒ መንፈስ ክሰፍን፡ ይቕረ ናይ ምብህሃል ባህልና ከነኻዕብትን ዝምዕድ፡ ኣብ ገሊኡ ዝግስጽ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ዝዝልፍን መልኽእታት የሕሊፉ ኣሎ። ህዝቢ ኣኪቡ ተመኩሮኡ ንምክፋል ንዝወሰዶ ተበጉሶ ብምንኣድ፡ ከምኡ እዉን ካልኦት ዓበይቲ ዓድን ምሁራት፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ እምነታት፡ ተመሳሳሊ ስጒምቲ ክወስዱ መድረኽ ዝጠልቦ ሕልናዊ ሓላፍነት ስለዘለዎን ንኣንፈይ ከዘኻኽሮም እፈቱ።

እንተኾነ ካብቲ ብዙሕ ልዙብን ለባምን ዝመስል ኣቐራርባ ዶ/ር ምስግና፡ ገለ መርዛምን መናቖትን መልእኽቲ ፈይ ካብ ምባል ግን ኣይተቖጠበን። ከም ኣገላልጽኡ እንተኾይኑ፡ ኣብ ኣመሪካ ክልተ ማስተርስ ዲግሪ ከምዘለዎን፡ ብተወሳኺ ናይ ዶክትረይት ዲግሪ እዉን ከምዝሰርሐን ኣብ መግለጺኡ ካብ ዘቕረቦ ቃል ክርዳእ ኪኢለ። እንተኾነ ኣብቲ ሞያዊ እየ፡ ብስነ-ሃይሞኖት ማስትረይት ዲግሪ ኣለኒ፡ ብስነ-ባህሊ ዶክትረይት ኣለኒ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን ሰዓብቲ ፔንተኮንስታልን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ግን ካብ ሓደ ምሁር እየ፡ ፈላጥ እየ ዝብል ሰብ ዘይኮነስ፡ ካብ ሓደ መሃይምነት ዘየጥፈአ እኳ ክትሰምዖ ዝእግም ዘረባ ኮይኑ ረኺበዮ።

ኣብ መግለጺኡ፡ ንሃይማኖት ፕሮተስታንት ኣብ ኣመሪካን ኣብ ካልኦት ሃገራት ምዕራብን፡ ናይ ምዕባለ ነጥበ መቐይሮ ምንባሩ ብምስማር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እምነት ፕሮተስታንት ግን ብኸምዚ ዝስዕብ ደኣ ኣቖናጸብዎ ‘’እቲ ኢዛንጀሊካል ምስ መጸ ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ትምህርቲ ጀሚሩ፡ እዚ ጽቡቕ ኢዩ፡ እንታይ እዮም ግን ሕማቕ ጌሮም ነቲ ሃይማኖትና ደቒሶሞ።’’ ክብል መዲሩ። ነዚ ድቑሰት ንሰማዕቱ ከረድእ ዘምጽኦ ስነ-ሞጎት ድማ ስዋ ምስታይን ዘይምስታይን ኣመልኪቱ፡ ሓደ (ወገንጌላዊ) ጻዕዳ ንሓደ ቀሺ ዘቕረበሎም ሕቶ ምርኩስ ብምግባር ከረድእ ፈቲኑ። ብዘይካዚ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ሓረግ ወለዶታት ብሰሪ ምእታው ወንጌላዊ እምነት(ከኒሻ)  ከምዝጠፈኣ የተንብህ።

በዚ እዉን ኣየብቀዐን፡ ካልእ መስደመም መግለጺ እዉን ሂቡ እዩ። ኣብዚ እዋን ግን ንወንጌላውያን ዘይኮነስ ንተኸተልቲ ፐንተኮስታል። ከምዚ ይብል ‘’ ሕጂ ሳዕሲዒት ጀሚሮም ኣለው፡ መጽናዕቲ ዘይተገብሮ፡ ኬድኩምዶ ኣለኹም ኣብዚ ናይ ፔንተኮስታል፡ ንምቅዋሙ ኢለ ኣይኮንኩን፡ ግን እቲ ዝግበር ኣብ በዓል ናይጀርያ ኣብ በዓል ደቡብ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ኣዩ ዝግበር፡ ኣባና ግን ሓደ ደራፋይ ዝነብረ ጓይላ እንድሕር መቂርዎ፡ ኣብቲ ቤተክርትስያን ከኣ ጓይላ ይገብር። ክስዕስዑ ክትሪኦም እንከለኻ እቶም ናይ ቤተ ክርስትያንሲ ኣነ ኣይክእልን እየ ሳዕሲዐ፡ ናይ ሳሆ እኳ ይሓይሽ እምበር፡ እዛ እግሮምን ኢዶምን ፈጥፈጥ ፈጥፈጥ እዮም ዝብሉ፡ ኣበይ እዮም ተማሂሮሞ፡ እዚ ነቲ ሳዕሲዕትን ነቲ ባህልን ንምቕያሩን ዋጋ ከምዘይብሉን ንምንጋር ኢዩ።’’ ብምባል ይኸስስ። ኣብዚ ሓደ ዝሰሓትካዮ ሓቂ ከም ምሁር ባህሊ መጠን፡ እቲ ባህሊ እንታይ ማለት ምኻኑ ከተረድኣና ብዘይምኽኣልካ እዩ። ብዘይክኡ እዞም እትወቕሶምን እተቖናጽቦምን ዘለኻ ኣመንቲ፡ እግሮምን ኢዶምን ስለዘንፈጥፈጡ ድዩ ኣተሓሳሲቡካ፡ ወይስ ኣብ ዝነውሐ ግዜ ህዝብና መንኮቡ ገዲፉ ኢዱን እግርን ጥራሕ ከየንፈጥፍጥ እዩ ስግኣት ፈጢሩልካን፡ ክሳዕ ክንድዚ ኣተሓሳሲቡካን። ከምቲ ዊን ዝብሎም ጌሮም እንተምለኹ ኸ፡ እንታይ ኣገመካ? እቲ እግሮም ኢዶምን ዋናታቱ ባዕላቶም’ዶ ኣይኮኑን። እዚ ምንፍጥፋጥ ዝገብርዎ ዘለዉ፡ ነቲ ባህልን ሳዕሲዕትን ንምቕያሩን፡ ዋጋ ከምዘይብሉ ንምግባሩን ዝበልካዮስ፡ በዚ ሰሪ ቊጽሪ ኣብያተ ለይታዊ ትልሂት ሃገርና እንዳወሓደ፡ ብምኻዱ’ዶ እኸውን ኢለ ከይጥርጥር’ኳ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቒ ንጥርጣረይ ዝድርዕ ኮይኑ ኣይረኸብክዎን።

ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ከም ኣብነት እንተወሰድና እኳ፡  ካህናት የእዳዎም ንየማነ ጸጋም ብምሽብሻብ ምስ ጥዑም ዋዜማ የምልኹ። እሞ ብኣበሃህላኻ መሰረት ንሶም እውን፡ እቲ ናይ ጓይላ ባህልና ከይጠፍእ ናብ ጓይላ ቀይርዎ ክትብሎም የምሕረልካ ዶ። እሞ ንፔንተኮስታል ንተናጸል ጓይላ ስለዘይገበሩ ኢልካ፡ ኢዶምን እግሮምን ጥራሕ እዮም ዘንፈጥፍጡ ዘለዉ፡ ብምባል ክትወቅስ ከም ሓደ ምሁር እየ በሃሊ፡ ኣብ ትዕዝብቲ ዘእትወካ ዘረባ ኮይኑ ረኺበዮ። ኣብ ሓንቲ ካብ ዓለም ንምጀመርያ ግዜ ናይ እምነት ነጻነት ውሕስ ዝገበረት ሃገር ተማሂርካ ከተብቅዕ፡ ሰባት ከምዚዶ ከምቲ ገይሮም የምልኹ ኣለዉ ኢልካ ክትኩንኖም፡ ዘደንጹ ስማዕ ኢዩ።

ኣብዚ ኣየብቀዐን ዝለፋ ዶ/ር ምስግና፣ ብምቕጻል እውን ንሓደ ፈጠራዊ ድራማ ዝመስል፡ ንሓደ ምኽንያታዊ ሰብ (rational person) ዘየእምን ዝርርብ ከም ኣብነት ብምምጻእ እዩ ነቲ መጥቃዕቱ ክድርዖ ፈቱኒ። ንሱ ይብል ¨ኣብ ንዮርክ ሓደ ግዜ ፖሊስያ ኔሮም ሰርጌንቲ፡ መርዓ ኔሩስ ነዚ ወዲ ርእዮሞ፡ ኣታ እፈልጦ እየ ነዚ ወዲ፡ ንወዲ ሰርጌንቲ ገለ ወዲ ወዱ ኢዩ ኢሎሙኒ፡ እቶም ዓበይቲ ትኩራት እዮም፡ ፖሊስ እዮም። ወዲ መን ኢኻ? ኢለሞ ወዲ የሱስ ክርስቶስ ኢልዎም¨፡ ወዲ መድሃኒ ኣለም ማለቱ ድዩ ኣንታ ዝበለ ንፉዕ፡ miss understanding ንሱ ሃይማኖት እዩ ዝሰብኽ ዘሎ ንሳቶም ከኣ መድሃኒ ኣለም ይብል ኣሎ ኣብዚ ዓዲ መጽዩ ይብሉ። ኣቦኻ ኸ መን ኢዩ? ነገር መጽዩ ሕጂ፡ የሱስ ክሩስቶስ! እዋን ምስግና ማይ-ጨሎትዶ የብልኩምን ኢኹም ኣብዚ ዓዲ።(ሰማዕቲ ይስኽቁ) እዋእ ማይጨሎት ዘይትወስድዎ ኢሎሙኒ፡  ነቲ ካልቸር ኣይተረድኦን እቲ ቖልዓ፡ ለለለ ስለዝበለ የሱስ ስለዝበለ ከምኡ ኢልካ ኣይኮነን እቲ መንፈሳዊ ዝመጽእ።¨ ይብል።

ከም ሓደ ምሁር መጠን ነዚ ሓደ ቆልዓ ዝበልካዮ ሰብ ናይ ብሓቂ ኢልዎ ኢልና ዋላ እንተወሰድና፡ ብሓቂ እቲ ቆልዓ ወዲ የሱስ እየ ስለዝበለ ኩሎም ኣመንቲ ፐንተኮስታል ሽሞ ኣቦኦም ኣይፈልጡን እዮም ንምባል ድዩ እቲ መልኽእቲ። ከምኡ እዉን ለለለ ስለዝበለ፡ የሱስ ስለዝበለ፣ ከምኡ ኢልካ ኣይኮነን እቲ መንፈሳዊ ዝመጽእ ኢልካና። መንፈሳዊ ከምዚ ጌርካ እዩ ዝኸውን ኢልካ ክትምህር መሎኮታዊ ስልጣን ዝሃበካ መን እዩ። ቲኦሎጂ ተማሂረ እየ ኢልካና፡ እሞ ቲኦሎጂ ክትመሃር እንከለኻ Interfaith Dialogue ከምኡ እዉን ንታሪኽን ኣመዓባብላን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክርስትና ከይተመሃርካዮ ዶ ሓሊፍ። ዶስ እቲ ናይ ቲኦሎጂ ሰርቲፊኬት ንኻልኦት እምነታት ናይ ምሽምጣጥ ሓላፍነት ዉን ዘሰክመካ እዩ ነይሩ።

ካብዚ ብምቕጻል እዉን ካልእ ዝበኣሰ ንፐንተኮስታል ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እምነት ፐንተኮስታል ብምጥቃስ፡ ካልእ ኣነዋሪ ዝኾነ ጸለመ ሰንዚሩ እዮ። ንሱ ይብል ¨ከስሕቐኩም ጓል ተጋዳሊት ኢያ ነይራ ንኣዲስ ኣበባ መጽያ፡ ደሓር ቅሩብ የሕሚምዋ ካንሰር ደሕር ክጽልዩላ መጽዮም እዞም ጴንጠ እዞም ኢትዮጵያዉያን፡ ሕዝ ኣቢሎማ ግትር ኢላ ናይ ተጋዳሊት ነገር፡ ውደቂ ውደቂ ዉደቒ ኢሎማ፡ እዋይ ጓል ቀሺ ኣሽንካይ ኣብ ኣዲስ ኣበባስ ኣብ ሳሕል እኳ ኣየውደቕኩምንን ኢላቶም(ኣብ ሞንጎ ሰሓቕ)። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሊ ንሕና ኣብ ኤርትራ ናይ ሃይማኖት እንደገና ስደት ይሁሉ ኢልና ኣይንኣምንን ኢና። ግን extreme ዝኾነ ሃይማኖት ግን ሕጂ እንተዘይተኣሪሙ ክጎድኣና ኢዩ።¨  

ክቡር ዶ/ር ካብዛ ኣብነት እዚኣስ እንታይ ኢኻ ክንርዳእ ደሊኻና፡ ጰንጠ ካንሰር ክፍውሱ ብዘይምኽኣሎም ድዩ ጎዳኢ ባህሊ ኮይኑ ረኺብካዮ፡ ብእዋኑ ስጉምቲ ክውሰደሎም ዝጠለብካ። ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ናይ ሃይማኖት ስደት ክህሉ ኢልካ ከምዘይትኣምን ብምግላጽካ፡ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰደሎም ከምእትደሊ ግን ኣይሓበርካናን። እቶም ቊጽሮም ክፈልጦም ዘይክእል ንመርዛም ቃላትካ ብሰሓቕ ዝደበሱ ሰማዕቲ እውን ዛጊት ካብ ዝተመሓላለፈ ኣስተምህሮኻስ ዓገብ ክብሉኻን ክብዱሁኻን ኣይሰማዕኩን። ንኩነታት ኣሰሓሕቕኦም ኣብ ግምት ብምእታው ግን፡ ዝብሉኻ ኮይኑ እውን ኣይስምዓንን። እቲ ቅኑዕ እትብሎ እምነት ንገረና እሞ ብእዋኑ ስጉምቲ ከይተወሰደልና እንከሎ፡ ነቲ እትህበና መምሪሒ ክንክተል። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ካብ ኣልዓልካን፡ ተዓቊብካላ ዘለኻ ሃገር ብምኻናን ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስስተር ሃይለማርያም ደሳለኛ ተኸታሊ እመነት ጴንጠ እዩ እሞ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ንኣንፈይ ናይ ጠፋእካ መለኸት ክትነፍሓሉ ከዘኻኽረኻ እፈቱ።

እቲ ጠቐነ ብዙሕ፣ ካብ በሃሊኡ ደጋሚኡ ከይከውን ኣብዚ ሸፈፍ ኢለ ንገሊኡ ክሓልፎ። እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ብዕቱብ ክርአ ኣለዎ ዝብሎ ዝሃብካዮ መግለጺ ከቕርብ። ሓንቲ ኤች ኣይ ቪ ዝሓመመት ቤተሰብ ከምዝነበረትካ፡ ጴንጠ ጸልዮም ሓዊኺ ኢሎማ ደሓር ግን ሞይታ ብምባል ነዚ ዝስዕብ ናይ ኩነኔ መግለጺ ሂብካ። ¨እዚ ኣብ ኤርትራ ክኣቱ ንደልዮ ዲና፡ ኣይንደልን ኢና። ሃይማኖት ግን ክንጸልእ ኢና ማለት ኣይኮነን። እዚ ናይ ቤተክርስትያን ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ደኣ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እምበር፡ እዞም ሬማ ዝበሃሉ ካብ ፐንተኮስታል ዝተፈለዩ እዮም። ሬማ ምስ ተንስኡ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ እዮም፡ ነቲ መንግስቲ ዓቕሉ እዮም ኣጽቢቦሙሉ። ኣብ ቺነማዶ ኣብ ግለዶ፡ ናይ ወተሃደር ዓጢቖም፡ ይዝምሩ ይደርፉ፡ ማርች ይገብሩ፡ ሻዕብያ ፈሪሁ፡ ጠጡዕያቶም ንበዓል ዶ/ር ፍጹም ኣሲሩ፡ እቶም ሬማ ግን ኩሎም ሃዲሞም፡ ሻሙናይ ዓስራይ ዝወድኡ፡ ኮለጅ ከይኣተው ንሶም እዮም ኣብ ምሉእ ዓለም ዝሰብኩ ዘለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ክህልው ግን ኣይንፈቅድን።’’

ክቡር ዶ/ር፡ ኣብ ኣመሪካ 25 ዓመት ከምዝተቐመጥካን ከምዝተመሃርካን ሓቢርካና ከተብቅዕ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ናይ እምነት ነጻነት ክህሉ ኣይከነፍቅድን ኢና ኢልካ ምምዳርካስ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ዘሕለፍካዮ ዓመታት ብምስትንታን ¨ካብ ምህሮስ ኣእምሮ¨ ዝብል ምስላ ኣበዋት ኣዘኻኺሩኒ። ብዘይ ሕንከት ንኣብ ምሉእ ዓለም ዘለው ኣገልገልቲ ሻሙናይ ዓስራይ ዝወድኡ ደናቑር ኢልካ ኣቆናጺብካዮም። ነቶም ዝሰምዑኻ ዝነብሩ እኳ ከይሓነኽካ ታሪኽ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣይትፈልጡን ኢኹም ብምባል ኣስተናዒቕካዮም ኢኻ። እዚ ዘረባ ካብቶም እተቖናጽቦም ዘለኻ ሰባት ንላዕሊ ንስነ-ልቦናኸ ዝቐልዐ ተረኽቦ እዩ።

ነየናይ ክፋል ሕብረተሰብና ብምውካል ኢኻ ኣይንፍቅድን ኢና ዝበልካ? ነቶም ብዙሓት ሰዓብቲ እዚ እምነት ዘይኮኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ውሑዳን ክትንሱኡን ክጭቁንዎም ምጽዋዕካ፡ ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም ብሕጊ ከሕትተካ ዝኽእል ናይ ጽልኢ ዘረባ(hate speech) ምኻኑ እንተዘኻኸርኩኻ ጽቡቕ እመስለኒ።

ኣቦታት ክምስሉ እንከለውስ ጸላኢ ጸለሎ ቀባኢ ይብሉ፡ ብዙሕ እንዳሰናዕካ ጠቐነታት ብምኹማር ኣብ ልዕሊ እቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝበጽሑ ሰዓብቲ ዘለውዎ እምነት፡ ናይ ጥፍኣት መለኸት ብምንፋሕካ ዘይኮነ ዘሕዝን፡ ክኢላ ዕርቕን ሰላምን እየ ኢልካ ህዝቢ ኣኪብካ፡ መርዚ ብምንዛሕካዩ እቲ ዘርምም። ‘’ኣንታ እዛ ዓዲ ሰብ ዶ ኣይብላን እዩ’’ ዝበሎ ኣማኒኤል ኢያሱ ኣዘኻኺሩኒ፡ ሰባትሲ ካዕበት፡ የግዳስ ካብ ጸቢብን ድሑርን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ሓራ ወጽዩ፣ ንርሑቕ ዝጥምት ራኢ ዘለዎ ለባም ሰብ ድኣ እዛ ዓዲ ተስኢንዋና እምበር። እቲ በሃሊ እኳ እንተዓገበ እቶም ሰማዕቲ እውን ነቲ ዘረባ ከየኮማስዑ፡ ነቲ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ሓደገኛ መልእኽቲ ዘይምቕላቦም እውን ዘተሓሳስብ እዩ።

ኣብ መደምደምታ ጽሑፈይ እምበር፡ ዶ/ር ኣብ ኣቐራርብኡ ሓሓሊፉ ባጫዊ ብምግባር ንሰማዕቱ ብሰሓቕ ክትውሖም ዝገበሮ ሃቐነ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ሰዓብቲ ኣመንቲ ፐንተኮስታልን ክቱር ንዕቀትን ጽልኣትን ከምዘለዎ ኣጒሊሑ ዘርኢ መዐየሪ ኮይኑ ረኺበዮ። ምናልባት ክቡር ዶ/ር ከምቲ ኣቦታት ክምስሉ ምስ ዓቢ ኣይትመድር ምስ ወዲ ሳላሳ ኣይትሰድር ኮይኑ ደኣ ነገሩ እምበር፡ በቲ ሓደ ንዕርቂ፡ በቲ ካልእ ድማ ንጭንቒ ካልኦት እንዳጸዋዕካስ፡ ከመይ ቢሉ ምስቲ ንስኻ እትሰብኮ ዘለኻ ዕርቅን እቕረ ምባልን ክጠዓዓም ከምዝኽእል ግዜ ሂብካ ሓሲብካ ኣሰላሲልካ ናብ መድረኽ ዝቐረብካ ኣይመስለንን።

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ኤርትራ ንለዉጢ እንቃለስ ዘለና ንሓደ ሓሲሙ ነቲ ካልእ ክርህዎ ኣይኮነን። ልዕላውነት ሕጊ ዝሰፈና፡ ወለዶታት ብሰላምን ቅሳነትን ዝነብሩላ ሃገር ንምህናጽ እምበር። ሓደ ካብዞም ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰል ድማ ናይ እምነት ነጻነት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ምውሓስ እዩ። ንፍተዎ ንጽልኣዮ ሰባት ንዝደለዩዎ ከምልኹ ኣድማሳዊ መሰሎም እዩ። ኣምላኽ ኣየድልየናን እዩ፡ ንሰይጣን ኢና ነምልኽ ዝብሉ እውን እንተመጹ፡ መሰሎም ክወሓሰሎም እዩ ዝግባእ። ነቲ ንሕና እነምልኾ ኣምላኽ ኣየምልኹን እሞ ነጥፍኣዮም ኢልካ ምስባኽ፡ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ISIS ካብዚ ሓሊፎም እንታይ ገይሮም። ስለዚ እምብርኣር፡ እቲ ዝሃብካዮ መግለጺ ደጊምካ ክትሰምዖን፡ ነቶም ወንጂልካዮም ጥፍኣቶምን ተመኒኻ ዘለኻ ኣመንቲ ፐንተኮስታል እቕሬታ ክትሓቶም እግብኣካ። ከምቲ ዝሰበኽካዮ እንተተጋጊና እቕረ ምብህሃል ንልመድ ኢልካ ኣለኻ እሞ፡ እስከ ባዕልኻ ጀምሮ እቲ ምህሮኻ። ነዚ ክትገብር ትብዓት እንተሲእንካ ግን፡ ናይ ዕርቂ ሃዋርያ ምኻን ተሪፍካስ፣ ንትዕዝብቲ ኮንካ ጥራሕ ከይትተርፍ እምሕጸነካ።

ቴድሮስ ኣብርሃም

Tedros1000@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Saba May 16, 2015

    ምስ ኣኽብሮቱ፣ በዚ ኣቶ ተድሮስ ኣብርሃም ዝሃብዎ ነቐፈታ ኣይሰመማዕን ጥራይ ዘይኮነስ ተጋጫዊ እዩ። እቲ ነቕፈቶኦም በቲ “ምሁር እየ ባሃላይ” እዚ ዓይይነቱ፣ ብምንሻው የቕርብዎ። ንምዃኑ ኣቶ ቴድሮስከ እንታዩ ትምህርትኹም? በዞም ኣብ ሰለዳ እንዳጸሓፉ፣ ብዘይእኹል መጽሓፍቲ ተማሂርኩም ዝተመረቕኩም ከይትኾኑ ተስፋ እገብር። ብናተይ ኣስተያየት: ዶክተር ምስግና: ምሁር: ብሱል: ቅኑዕን እዮም። ጌጋ ይኽላለይ እንበር: ንኽርኣዩ ከይኮነስ ንፍልጠቶምን ተሞክሮኦምን ከበርክቱ ዝመጹ ቅኑዕ ወዲ ሃገርን ወደባትን ኮይኖም እዮም ተሰሚዖምኒ።

    • Maekele May 16, 2015

      ወሮ/ሪት ሳባ አዞም ዶክቶር ከም ዚበልኪዮም ወደባት አዮም።

      ፕረሲደንት አሳያስ አኮ ቅድሚ 91 ከምይ ዝበኩ ተጋዳላይ፡ ተጋዲሎም ዘጋደሉ ጂግና፡ ሕፉር አዮም ነሮም።
      አሞ ከመይ አልና ደኣ ኣብዚ በሕና?
      ሓጺር መልሲ ነገራት ቢኣጋኡ ስለዘይተኣረመ አዩ።

      አርትራዊያን ኣብ ሙሉአ ዐለም ተበቲና ኣለና፡ ከካብ ዚተበተናዮ ቦታ ከኣ ሓዲሽ ሃይማኖትን ብህሊን
      ሂዝና ከም አንመጻእ ፍሉጥ አዩ።

      አዚዶ አቲ ሃይማኖት ከነፍቅድ የብልናን ኢልካ ዘረባ ደኣ ናይ ሉቦናዶ ቲብሊዮ?

      ሃይማኖት ከ ሰብዲዩ ዘፍቅደልካ?

      ኣብ ሙሉአ ዐለም ዚርከብ ሃይማኖት ይጸብቕ ዪሕመቕ ኣብ ኤርትራ ኪህሉ አዩ።
      ዘላቒ ፍታሕ ከኣ ምጽውዋር አዩ።

      • Saba May 17, 2015

        ሚእቲ ካብ ሚእቲ ይሰማማዕ ምስ ኣበሃህላኹም፣ ኣበየናይ ነጥቢ እዮም እዚ ሃይማኖት ይፈቐድ ኣይፈቐድ ዝበሉ ዶክተር ምስግና? ተሞክሮኦምን ትዕዝብቶምን እዮም ብቕንዕና ዝለገሱ። ኩሉ ሰብ ፍጹም የለን፣ ኣብቲ ባህልና ምቁንጻብ ካብዞም ሓደ ሓደ ሰባት፣ ብፍላይ ድሕሪ 1991 ዝተኣታተወ ሕማቕ ባህሊ ኮይኑ ረኺበዮ። እስከ በሉ ዝጎደለ ምምላእ ባህሊ ነተኣታትው።

        • Maekele May 17, 2015

          አዛ ሓፍተይ ኣነውን ቢኣባሃህላኺ ዪሰማማዕ አየ፡
          ወዮ ገጢሙና ዘሎ ደኣ አናንጸርጸረና ኮይኑ እምበር ምቁንጻብ እሞ ጊናይ ባህሊ አዩ፡
          ደ/ር ምስጊና ዚተዛረብዎ ብዙሕ ጽቡቅ ነጥቢ ኣለዎ፡ አዛ ሲዒባ ዘላ መግለጺ ግን ኣይግዲን፡
          “እቶም ሬማ ግን ኩሎም ሃዲሞም፡ ሻሙናይ ዓስራይ ዝወድኡ፡ ኮለጅ ከይኣተው ንሶም እዮም ኣብ ምሉእ ዓለም ዝሰብኩ ዘለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ክህልው ግን ኣይንፈቅድን።”
          ብገጋ አንተተርዲእናዮም፡ ኣይፋል ኣነስ ከመኡ ማለተይ ኣይኮንኩን እዞም ኣሕዋተይ ከምዚን ከምቲን አዩ ብምባል ኪምሉሱ ዩግባአ፡
          ቢሓቒ ከመኡ ዚሓስቡ ተኮይኖም ግና ዓቢ ጥፋት አዩ ዘንጸላልወና ዘሎ ፡ ብኣጋኡ አንተዘይተዓርዩ ኸኣ ብሕጂ 10 ዲክታቶርስ ከነሕልፍ ኢና።

          • Saba May 18, 2015

            ነዚ ናይ ኣቶ ቴድርስ ነቔፈታዊ ትዕዝብቲ ኣዴታትና፤ “ነዚ ክትግዕታዶ እንቅዓ ትርህጻ ኢለን” ምሓለፍኦ። እዚ ሓወይ፣ ኣነ ብወገነይ ንዶ/ር ምስግና ኣገናዕ እየ ዝብል፣ ምኽንያቱ ኸኣ ትሑት፣ ንኣብነት “ኣነ ሕማቅ እየ ኔረ” ይብሉ፤ ምሁር ምዃኖም ብመደርኦም ይረኤ እዩ: ከምኦም የብዝሓዮ። እቲ ብዛዕባ ኤዕራብ፣ ብዛዕባ ባህሊ፣ ብዛዕባ ኩለን ብሄራት፣ ኩሎም ተጋሩ ኤርትራውያን ዝስምዖም፣ ወዘተ እዚ ዕላሎም፤ “ምስ ኣስላም ኣይክየድ፣ ምስ ደቂ ዓድኻ ኣይክየድ፣ ከመይ ዛመሰለ መንግስቲ እዩ” እንዳበሉስ ንፍልልይ ዓዲሞም ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ተሞክርኦም እዮም ዝገለጹ። እቲ ዘሕዝን እቲ ሓፈሻዊ ስእሊ ክንዲ ምርኣይን ኣብ ደቂቅ ዛዕባታት፣ ኣብ ጓል መገዲ ምኻድና እዩ። እዚ ኸኣ ኣየርብሓናን እዩ፣ ካብቲ ቀንዲ ሃገራዊ ሽግር አርሕቐና እዩ በሃሊት እየ። ብሩኽ መዓልቲ ወይ ለይቲ።

  • hara May 16, 2015

    tedros abraham
    slezi melska aziye yemesgneka IRKI (reconcilation)endabelka
    kirbit mishirtat entay fayda alewo hizbna nzigage AGEB mbal
    entezimahar abzi zelenayo hsem aymihalenan
    zitegageye YKRETA entehatete ” MHURN” lebamn arakin YBAHAL
    ARAKI kikewin wn yemhirelu.
    ZAEBAKA sihitka nsebat mzlaf NEWRI tgadelti , keyahti embaba ,
    jebha,shaebia, kulom JEGANU ahwatna iyom ab siltan zeyneberu zeyelewu
    entay u abesaOm bsenki wuhudat kulom kizlefu deghime AGEB ebl

  • ለባም May 16, 2015

    ኣየ በዓል ሃና በዓል ዮናስ ፥
    ኣነ ዝገርመኒ ምጽሓፍኩም ምዝራብኩም ኣይኮነን ንነብስኹም ደለይቲ ፍትሒ ኢልኩም ምስማይኩም እዩ፥ ኣ
    ብቲ ኣስተምህሮ ሓው ኣማኑኤል ዝሃቦ ርእይቶ ደጊምኩም ስምዕዎ በጃኹም። ወዮ ድኣ ምርኡያትን ዘይሓንኩን በዚሖማ እምበር እዛ ሃገር ፈውስናስ ኣብታ ንሱ ዝበላ ነጥቢ እያ ዘላ ( ቅድሚ ን ሓርነት ህዝቢ ምቅላስና ንነብስና ሓራ ንግበር) እዚ ድማ ናይ ባህሪ ለውጢ ምምጻእ ማለት እዩ ። ዶ፣ር ምስግና ሕጂ ኣይኮነን መጀመርታኡ፣ ቅድሚ ሕጂ ውን ኣብ ኣሰና ዝተዘርገሐ ጽሑፍ ነይሩዎ እዩ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለፋ፣ ን ኣመንቲ ጴንጠቆስጠ ዘለዎ፣ ኣብቲ ዝቐደመ ነቓፊ ብዘይምርካቡ እነሆ ድማ ሕጂ ደጊሙዎ ስለዚ ለበዋ ሓው ኣማኑኤል እያሱ ሰሚዑ ኣርኣያ ናይ ለውጢ ክኸውን ብተስፋ ይጽበዮ። ተጋግየ ክብል እሞ ተጋግየ ምባል ከስተምህር። ዝያዳ ንኽተባባዕ ድማ ገለ ሓቀኛ ስእሊ ናይቶም ዝዝልፎም ዘሎ ኣመንቲ፣ብፍሉይ ኣብ ሓባራዊ ሱታፌ ማለት ኣብ ሃገራዊ ግቡኦም ክገልጽ።
    1፡ ኣብ ፍቕሪ ሃገሮም፣
    እዞም ሰባት ከም ማንም ዜጋ ሃገሮም የፍቅሩን ሰላም ሃገሮም ይምነዩን፣ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ድማ ብፍቕሪ ምስ ኣብ ጥቓኦም ዝነብር ሕብረተሰብ ይነብሩ ብተወሳኺ ብፍርሓት ኣምላኽ ኣብ ዝተመደበሎም ቦታ ስራሕ ብእምነት የገልግሉ፣ እዚ ዝያዳ እቶም ወሃብቲ ስራሕ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ፍቕሪ ሃገር ብናይ ጅግንነት ጥራይ ኣይኮነን ዝግለጽ ሓደ ሃገሩ ዘፍቅር ዜጋ ብመጀመርታ ሕጊ ሃገሩ እዩ ከፍቅርን ከኽብርን ዝግብኦ።
    2፡ ሃገራዊ ግቡእ
    እቶም ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት( ባርነት) ዝነበርና አንምስክሮ እዩ አዞም በዚ መዋእሉ ኣብ ስደትን ትምህርትን ዘሕለፈ ዶክተር ዝዝለፉ ዘለዉ ሰባት ማዕረ ሰቦም ኣገልጊሎም (ተገዚኦም) ብጅግንነት ተዋጊኦም ሰንኪሎም ተሰዊኦም እዮም። ብሓለፍቶም ድማ ፍቱዋትን አሙናትን እዮም ነይሮም። ኣብ 2002 ምስ ምዕጽው ኣብያተ ጸሎቶም ኣብ ኣሃዱታት ውን ጸሊኹም ፣መጽሕፍ ቅዱስ ኣንቢብኩም፣ራድዮ ሰሚዕኩም ተባሂሎም ተተለቒሞም ተኣሲሮም ነይሮም ክሳብ ሕጂውን ይእሰሩን ሰኣን መሰልን ፍትሕን ይሳቐዩን ይሞቱን ኣለዉ። ብኣጋጣሚ ኣነ ኣብቲ ቦታ ስለዝነበርኩ ናይ ቀረባ ምስክር እየ ፣ ኣብ 2003 ሓደ ፎርም ብመንግስቲ ተዘርጊሑ ነይሩ ንሱ ድማ ነዞም ኣብ ላዕሊ ከም ምኽንያት መእሰሪኦም ዝጠቐስክዎም ነጥብታት ንኸይትግብርዎ እንተተግቢሮሞ ድማ ንዝውሰደሎም ስጉምቲ ባዕላቶም ሓላፍነት ከምዝወስድሉ ብምእማን ፈሪሞም ክወጹ ዝብል እዩ ነይሩ። ገሊኦም ምስቲ ናይ መንግስቲ ሓሳብ ብምስምማዕ ክወጹ እንከለዉ ፣ገሊኦም ድማ እምነቶም ከምዘየፍቅደሎም ብምሕባር ከይፈረሙ ተሪፎም፣ ብዙሓት ካብኣቶም ናይ ድግሪ ምሩቓት ኮይኖም ኣብ ቤት ጽሕፈት ግንባራትን ቤት ጽሕፈት ክፍላተሰራዊታትን ብብቕዓትን ብትግሃትን ብተኣማንነት ዘገልግሉ እዮም ነይሮም። ብድሕሪኦም ሓለፍቶም ናይ ስራሕ ሓለፍ ዘለፍ ምስረኣዩ ብኣካል ናብቲ ቤትማእሰርቲ ብምምጻእ ነታ ዝመጸት ፎርም ናይ መንግስቲ ክቕይርዋ ከምዘይክእሉ ነታ ፎርም ፈሪሞም እንተወጺኦም ግን እምነቶም ከም ቀደሞም ክቕጽሉ ከምዝኽእሉ ይልምንዎም ከምዝነበሩ ብዙሓት ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ።
    ስለዚ እቲ ብስብከቶምን ብትምህርቶምን ኣሚኑ ዝተጸንበሮምውን ብድልየቱ ክሳብ ዝኾነ ንዓይ ምንም ጸገም ኣይረኣየንን። ክሳብ ዘየገደዱን ክሳብ መሰል ሰብ ዘይገሃሱን ኣብ ሃገሮም ንዝደለይዎ ኣምላኽ ከምልኹ መሰሎም እዩ። ሃይማኖትካ ብምስዓብን ኣብ ሃይማኖትካ ብምጽናዕን እምበር ንኽልኦት ብምዝላፍን ብምኹናንን ኣማኒ፣ምሁር ወይ ተሓላቒ ናይ ሕብረተሰብ ኣየብለካን እዩ።

  • Maekele May 16, 2015

    Good job Tedros.

    There are minors in politics.
    There are minors in religion.
    There are minors in culture.
    There are minors in every part of the society.

    There is no democracy without respecting minority rights.

  • AHMED SALEH !!! May 17, 2015

    Honest people who mean true for themselves easily fell on contradictions
    comparing their politically correct counterparts .

  • ሃኒ May 17, 2015

    ሓው ቴድሮስ ክብረት ይሃብካ።

  • Justice May 17, 2015

    Tedros,

    Although I commend you for taking your time to feedback the good Dr’s sessions, I completely disagree on the way you presented it. I found it totally disrespectful and belittling. Criticisms and rebuttals are a part and parcel of a civilized and democratic society, but the style we chose to present them, has a great role in achieving our goals. If one decides to criticize, let the criticism be on the “ideas” or “philosophy” presented rather engaging on personal attacks and belittling. To mention few of them, something like: “Mehur eye behali” and ” nay theology certificate”….the later reminds me the ill-intended belittling presentation of the current regime to the university degree holders, as “Bajela”. Dr Misgina, is not a self appointed pHD holder. His doctoral degree was bestowed onto him from a well accredited academic institution (s) in the west. Please, my country fellowmen, let’s love,respect each other and don’t engage on degrade another brother and sisters. But I completely agree us being critical to each other, but must be done with, with nothing else but “LOVE”.

    • Bhdma hager badima May 18, 2015

      I agree the writer was a bit disrespectful in his presentation. But it seems Dr. Misgna, did much worse to disrespect the entire Pentes. I think it was a bit unfortunate to hear him say such things as a scholar. The bottom line we should respect each other; no matter the difference of opinion we have.

  • negassi May 17, 2015

    Hi Tedros and Lebam kibret yhabkum amenti chiristianat nezi ab laeli tetekisu zelo ena nimesil silezi b Misgina zibehal hade tera seb zeyrebih zereba tezaribu emo kea seminar tebahilu zitedalewe trash zikone zereba b mizrabu gerimuni hade zeytemahre seb zeyzarebo wey kea nay yemuro tsegem zelewo seb zeyzarebo tezaribu tegagika yblo aleku n Misgna shimu etom zenashekayom pante chostal ab kulu emunat koinom yserhu for example ab finance persenal and perchather etc yegelglu alewu kabay jemirka ab zineberkulu gza malet silezi shame zereba aytizareb degime trash eyu ezi meliktika nay lebamatin wurzuyatin kitzareb aloka akmika miflat tsibuk eyu ybleka AMANUEL EYASU kea ab websaitka b mizirgahka tegagika first of all sansur kitgebro neruka web saitka aytebelashu ok eza b misgna zitebahlet seminar si se keman aytibehalin eya bziterefe amlak lbi yhabena amlak ybarkum amlak n Eritrea ybarik chaw

  • negassi May 17, 2015

    Hi Tedros and Lebam kibret yhabkum amenti chiristianat nezi ab laeli tetekisu zelo ena nimesil silezi b Misgina zibehal hade tera seb zeyrebih zereba tezaribu emo kea seminar tebahilu zitedalewe trash zikone zereba b mizrabu gerimuni hade zeytemahre denkoro seb zeyzarebo wey kea nay yemuro tsegem zelewo seb zeyzarebo tezaribu tegagika yblo aleku n Misgna shimu etom zenashekayom pante chostal ab kulu emunat koinom yserhu for example ab finance persenal and perchather etc yegelglu alewu kabay jemirka ab zineberkulu gza malet silezi shame zereba aytizareb degime trash eyu ezi, meliktika nay lebamatin wurzuyatin kitzareb aloka akmika miflat tsibuk eyu, ybleka AMANUEL EYASU kea ab websaitka b mizirgahka tegagika first of all sansur kitgebro neruka web saitka aytebelashu ok eza b misgna zitebahlet seminar si se keman aytibehalin eya bziterefe amlak lbi yhabena amlak ybarkum amlak n Eritrean Hizban ybarik chaw

  • ቴዲ May 19, 2015

    ሓወይ ቴዲ ናይ ናይ ብሓቂ ስለ እዛ ኣዝያ ውሕልልትን ብስልትን “ዕቕበተ እምነትን” መጻኢ ሃገራዊ ፍትሓዊነትን፡ ዕላማ ዝገበረት ሓላፍነታዊትን ብኣርሒቓ ምጥማት ድማ ሓብታም ዝኾነት መልእኽትኻን ናይ ብሓቂ ከይመስገንኩኻ ክሓልፍ ኣይደልን እየ፡፡ ከመይሲ ከምቲ ኣቦታት ክብልዎ እንሰምዖ “እዛ ቆልዓ ብሱሩ ዘይቀንዓ እንተ ኸደት ናብ ሰበይቲ ኣቡኣ፡ እንተ ተመልሰት ድማ ናብ ሰብኣይ ኣዲኣ” ከም ዝብሃል እዞም ኣመንቲ ወንጌል ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራ ዝኾኑ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ክጅምር ከሎ በቲ “ንናጽነትኩም እየ ተቓሊሰ” ዝብል ኣብ ዓዲ ዘሎ መንግስቲ ዝወረዶምን ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕን ማእሰርትን፡ ኩሉ ሰናይ ሕልና ዘለዎ ዜጋ ዝፈልጦ ኮይኑ፣ ቀጺሉዉን ብገለ ንሓርነትኩም ኢና እንቃለስ ዘሎና፡ ንመሰል ደቂሰባትን፡ ሃይማኖታዊ ማዕርነትን ድማ ደው ኢልና ኣሎና ዝብሉ፡ “ደለይቲ ፍትሒ” (ኩሎም እኳ እንተ ዘይኮኑ) ሕጂዉን ገና ካልእ ናይ ጥፍኣት ጥጅእ ከም ዘለዎም ክሰምዕ ከለኹ፡ እቲ መለለይ ሓቀኛ ኣመንቲ ወንጌል ዝኾነ ምስካም መስቀል ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ከም ኣማኒ ሓቀኛ ወንጌል ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ክሪኦ ከለኹ ግና፡ ሕጂዉን መጻኢት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እንታይ ክትመስል እያ ዝብል ሕቶ ድቅን እንዳበለ ከሰክፈኒ ናይ ግድን ኮይኑ ኣሎ፡፡ እቲ መከራ ብመን ይምጻእ በዘየገድስ (ካብ መንግስቲ፡ ካብ ኣሕዋት ሓሶት፡ ካብ ቤተሰብ ወ.ዘ.ተረፈ) ኣመንቲ ወንጌል ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኣብ ዝነብሩሉ ግዜ ኹሉ (ብፍላይ እቶም ንኣምላኽ እንዳፈርሁን ንክርስቶስ ድማ እንዳመሰሉን ክነብሩን ዝደልዩን ኩሎም) ክሳደዱን ኣደዳ እቶም ዘይቅኑዓት ሰባት ኪኾኑን ግድን እዩ፡፡ ከመይሲ እቲ ጽሑፍ ካብ ዝሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ስለ ዝቐልል፡፡ 2ጢሞ 3፡ 12- 13፡፡ ማቴ 24፡ 35፡፡ ምናልባሽ ግና ከምቲ ኣብ መወዳእታ ጽሑፍካ ዝበልካዮ ዶ/ር ምስግና ናብ ቀልቦም ይምለሱ ይኾኑ፡፡ ዘይበልዕ የለን እሞ ዘይጸግብ ገደደ ከም ዝብሃል ዘይጋገ የለን እሞ ካብ ጌግኡ ዘይምለስ ግና ኣይግድን፡፡ እንተ ንዓኻ ግና ኣገናዕ ክበለካ ይደሊ!!!!

POST A COMMENT