Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነቐፌታዊ ትዕዝብቲ ኣብ ኣስተምህሮ ዶ/ር ምስግና ገ/መድህን

ነቐፌታዊ ትዕዝብቲ ኣብ ኣስተምህሮ ዶ/ር ምስግና ገ/መድህን ኣብ ከተማ ለንደን ብዶ/ር ምስግና ገ/መድህን ኣብ ዝተጸወዐ ህዝባዊ ሰሚናር ንዕርቕን ሰላምን ሃገርና ምርኩስ ብምግባር ከምዝተኻየደ ምናልባት ገሌና ካብቲ ኣብ ክልተ ክፋላት ኣብ ራድዮ ኣሰና ዝቐረበ ቅዳሕ ናይቲ ኣስተምህሮ

ነቐፌታዊ ትዕዝብቲ ኣብ ኣስተምህሮ ዶ/ር ምስግና ገ/መድህን

ኣብ ከተማ ለንደን ብዶ/ር ምስግና ገ/መድህን ኣብ ዝተጸወዐ ህዝባዊ ሰሚናር ንዕርቕን ሰላምን ሃገርና ምርኩስ ብምግባር ከምዝተኻየደ ምናልባት ገሌና ካብቲ ኣብ ክልተ ክፋላት ኣብ ራድዮ ኣሰና ዝቐረበ ቅዳሕ ናይቲ ኣስተምህሮ ተኸታቲልናዮ ንህልው።  ዶ/ር ምስግና ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዘላቒ ፍታሕ ክርከቦ ኣብ ሞንጎ ኤርትራዉያን ናይ ዕርቒ መንፈስ ክሰፍን፡ ይቕረ ናይ ምብህሃል ባህልና ከነኻዕብትን ዝምዕድ፡ ኣብ ገሊኡ ዝግስጽ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ዝዝልፍን መልኽእታት የሕሊፉ ኣሎ። ህዝቢ ኣኪቡ ተመኩሮኡ ንምክፋል ንዝወሰዶ ተበጉሶ ብምንኣድ፡ ከምኡ እዉን ካልኦት ዓበይቲ ዓድን ምሁራት፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ እምነታት፡ ተመሳሳሊ ስጒምቲ ክወስዱ መድረኽ ዝጠልቦ ሕልናዊ ሓላፍነት ስለዘለዎን ንኣንፈይ ከዘኻኽሮም እፈቱ።

እንተኾነ ካብቲ ብዙሕ ልዙብን ለባምን ዝመስል ኣቐራርባ ዶ/ር ምስግና፡ ገለ መርዛምን መናቖትን መልእኽቲ ፈይ ካብ ምባል ግን ኣይተቖጠበን። ከም ኣገላልጽኡ እንተኾይኑ፡ ኣብ ኣመሪካ ክልተ ማስተርስ ዲግሪ ከምዘለዎን፡ ብተወሳኺ ናይ ዶክትረይት ዲግሪ እዉን ከምዝሰርሐን ኣብ መግለጺኡ ካብ ዘቕረቦ ቃል ክርዳእ ኪኢለ። እንተኾነ ኣብቲ ሞያዊ እየ፡ ብስነ-ሃይሞኖት ማስትረይት ዲግሪ ኣለኒ፡ ብስነ-ባህሊ ዶክትረይት ኣለኒ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን ሰዓብቲ ፔንተኮንስታልን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ግን ካብ ሓደ ምሁር እየ፡ ፈላጥ እየ ዝብል ሰብ ዘይኮነስ፡ ካብ ሓደ መሃይምነት ዘየጥፈአ እኳ ክትሰምዖ ዝእግም ዘረባ ኮይኑ ረኺበዮ።

ኣብ መግለጺኡ፡ ንሃይማኖት ፕሮተስታንት ኣብ ኣመሪካን ኣብ ካልኦት ሃገራት ምዕራብን፡ ናይ ምዕባለ ነጥበ መቐይሮ ምንባሩ ብምስማር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እምነት ፕሮተስታንት ግን ብኸምዚ ዝስዕብ ደኣ ኣቖናጸብዎ ‘’እቲ ኢዛንጀሊካል ምስ መጸ ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ትምህርቲ ጀሚሩ፡ እዚ ጽቡቕ ኢዩ፡ እንታይ እዮም ግን ሕማቕ ጌሮም ነቲ ሃይማኖትና ደቒሶሞ።’’ ክብል መዲሩ። ነዚ ድቑሰት ንሰማዕቱ ከረድእ ዘምጽኦ ስነ-ሞጎት ድማ ስዋ ምስታይን ዘይምስታይን ኣመልኪቱ፡ ሓደ (ወገንጌላዊ) ጻዕዳ ንሓደ ቀሺ ዘቕረበሎም ሕቶ ምርኩስ ብምግባር ከረድእ ፈቲኑ። ብዘይካዚ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ሓረግ ወለዶታት ብሰሪ ምእታው ወንጌላዊ እምነት(ከኒሻ)  ከምዝጠፈኣ የተንብህ።

በዚ እዉን ኣየብቀዐን፡ ካልእ መስደመም መግለጺ እዉን ሂቡ እዩ። ኣብዚ እዋን ግን ንወንጌላውያን ዘይኮነስ ንተኸተልቲ ፐንተኮስታል። ከምዚ ይብል ‘’ ሕጂ ሳዕሲዒት ጀሚሮም ኣለው፡ መጽናዕቲ ዘይተገብሮ፡ ኬድኩምዶ ኣለኹም ኣብዚ ናይ ፔንተኮስታል፡ ንምቅዋሙ ኢለ ኣይኮንኩን፡ ግን እቲ ዝግበር ኣብ በዓል ናይጀርያ ኣብ በዓል ደቡብ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ኣዩ ዝግበር፡ ኣባና ግን ሓደ ደራፋይ ዝነብረ ጓይላ እንድሕር መቂርዎ፡ ኣብቲ ቤተክርትስያን ከኣ ጓይላ ይገብር። ክስዕስዑ ክትሪኦም እንከለኻ እቶም ናይ ቤተ ክርስትያንሲ ኣነ ኣይክእልን እየ ሳዕሲዐ፡ ናይ ሳሆ እኳ ይሓይሽ እምበር፡ እዛ እግሮምን ኢዶምን ፈጥፈጥ ፈጥፈጥ እዮም ዝብሉ፡ ኣበይ እዮም ተማሂሮሞ፡ እዚ ነቲ ሳዕሲዕትን ነቲ ባህልን ንምቕያሩን ዋጋ ከምዘይብሉን ንምንጋር ኢዩ።’’ ብምባል ይኸስስ። ኣብዚ ሓደ ዝሰሓትካዮ ሓቂ ከም ምሁር ባህሊ መጠን፡ እቲ ባህሊ እንታይ ማለት ምኻኑ ከተረድኣና ብዘይምኽኣልካ እዩ። ብዘይክኡ እዞም እትወቕሶምን እተቖናጽቦምን ዘለኻ ኣመንቲ፡ እግሮምን ኢዶምን ስለዘንፈጥፈጡ ድዩ ኣተሓሳሲቡካ፡ ወይስ ኣብ ዝነውሐ ግዜ ህዝብና መንኮቡ ገዲፉ ኢዱን እግርን ጥራሕ ከየንፈጥፍጥ እዩ ስግኣት ፈጢሩልካን፡ ክሳዕ ክንድዚ ኣተሓሳሲቡካን። ከምቲ ዊን ዝብሎም ጌሮም እንተምለኹ ኸ፡ እንታይ ኣገመካ? እቲ እግሮም ኢዶምን ዋናታቱ ባዕላቶም’ዶ ኣይኮኑን። እዚ ምንፍጥፋጥ ዝገብርዎ ዘለዉ፡ ነቲ ባህልን ሳዕሲዕትን ንምቕያሩን፡ ዋጋ ከምዘይብሉ ንምግባሩን ዝበልካዮስ፡ በዚ ሰሪ ቊጽሪ ኣብያተ ለይታዊ ትልሂት ሃገርና እንዳወሓደ፡ ብምኻዱ’ዶ እኸውን ኢለ ከይጥርጥር’ኳ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቒ ንጥርጣረይ ዝድርዕ ኮይኑ ኣይረኸብክዎን።

ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ከም ኣብነት እንተወሰድና እኳ፡  ካህናት የእዳዎም ንየማነ ጸጋም ብምሽብሻብ ምስ ጥዑም ዋዜማ የምልኹ። እሞ ብኣበሃህላኻ መሰረት ንሶም እውን፡ እቲ ናይ ጓይላ ባህልና ከይጠፍእ ናብ ጓይላ ቀይርዎ ክትብሎም የምሕረልካ ዶ። እሞ ንፔንተኮስታል ንተናጸል ጓይላ ስለዘይገበሩ ኢልካ፡ ኢዶምን እግሮምን ጥራሕ እዮም ዘንፈጥፍጡ ዘለዉ፡ ብምባል ክትወቅስ ከም ሓደ ምሁር እየ በሃሊ፡ ኣብ ትዕዝብቲ ዘእትወካ ዘረባ ኮይኑ ረኺበዮ። ኣብ ሓንቲ ካብ ዓለም ንምጀመርያ ግዜ ናይ እምነት ነጻነት ውሕስ ዝገበረት ሃገር ተማሂርካ ከተብቅዕ፡ ሰባት ከምዚዶ ከምቲ ገይሮም የምልኹ ኣለዉ ኢልካ ክትኩንኖም፡ ዘደንጹ ስማዕ ኢዩ።

ኣብዚ ኣየብቀዐን ዝለፋ ዶ/ር ምስግና፣ ብምቕጻል እውን ንሓደ ፈጠራዊ ድራማ ዝመስል፡ ንሓደ ምኽንያታዊ ሰብ (rational person) ዘየእምን ዝርርብ ከም ኣብነት ብምምጻእ እዩ ነቲ መጥቃዕቱ ክድርዖ ፈቱኒ። ንሱ ይብል ¨ኣብ ንዮርክ ሓደ ግዜ ፖሊስያ ኔሮም ሰርጌንቲ፡ መርዓ ኔሩስ ነዚ ወዲ ርእዮሞ፡ ኣታ እፈልጦ እየ ነዚ ወዲ፡ ንወዲ ሰርጌንቲ ገለ ወዲ ወዱ ኢዩ ኢሎሙኒ፡ እቶም ዓበይቲ ትኩራት እዮም፡ ፖሊስ እዮም። ወዲ መን ኢኻ? ኢለሞ ወዲ የሱስ ክርስቶስ ኢልዎም¨፡ ወዲ መድሃኒ ኣለም ማለቱ ድዩ ኣንታ ዝበለ ንፉዕ፡ miss understanding ንሱ ሃይማኖት እዩ ዝሰብኽ ዘሎ ንሳቶም ከኣ መድሃኒ ኣለም ይብል ኣሎ ኣብዚ ዓዲ መጽዩ ይብሉ። ኣቦኻ ኸ መን ኢዩ? ነገር መጽዩ ሕጂ፡ የሱስ ክሩስቶስ! እዋን ምስግና ማይ-ጨሎትዶ የብልኩምን ኢኹም ኣብዚ ዓዲ።(ሰማዕቲ ይስኽቁ) እዋእ ማይጨሎት ዘይትወስድዎ ኢሎሙኒ፡  ነቲ ካልቸር ኣይተረድኦን እቲ ቖልዓ፡ ለለለ ስለዝበለ የሱስ ስለዝበለ ከምኡ ኢልካ ኣይኮነን እቲ መንፈሳዊ ዝመጽእ።¨ ይብል።

ከም ሓደ ምሁር መጠን ነዚ ሓደ ቆልዓ ዝበልካዮ ሰብ ናይ ብሓቂ ኢልዎ ኢልና ዋላ እንተወሰድና፡ ብሓቂ እቲ ቆልዓ ወዲ የሱስ እየ ስለዝበለ ኩሎም ኣመንቲ ፐንተኮስታል ሽሞ ኣቦኦም ኣይፈልጡን እዮም ንምባል ድዩ እቲ መልኽእቲ። ከምኡ እዉን ለለለ ስለዝበለ፡ የሱስ ስለዝበለ፣ ከምኡ ኢልካ ኣይኮነን እቲ መንፈሳዊ ዝመጽእ ኢልካና። መንፈሳዊ ከምዚ ጌርካ እዩ ዝኸውን ኢልካ ክትምህር መሎኮታዊ ስልጣን ዝሃበካ መን እዩ። ቲኦሎጂ ተማሂረ እየ ኢልካና፡ እሞ ቲኦሎጂ ክትመሃር እንከለኻ Interfaith Dialogue ከምኡ እዉን ንታሪኽን ኣመዓባብላን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክርስትና ከይተመሃርካዮ ዶ ሓሊፍ። ዶስ እቲ ናይ ቲኦሎጂ ሰርቲፊኬት ንኻልኦት እምነታት ናይ ምሽምጣጥ ሓላፍነት ዉን ዘሰክመካ እዩ ነይሩ።

ካብዚ ብምቕጻል እዉን ካልእ ዝበኣሰ ንፐንተኮስታል ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እምነት ፐንተኮስታል ብምጥቃስ፡ ካልእ ኣነዋሪ ዝኾነ ጸለመ ሰንዚሩ እዮ። ንሱ ይብል ¨ከስሕቐኩም ጓል ተጋዳሊት ኢያ ነይራ ንኣዲስ ኣበባ መጽያ፡ ደሓር ቅሩብ የሕሚምዋ ካንሰር ደሕር ክጽልዩላ መጽዮም እዞም ጴንጠ እዞም ኢትዮጵያዉያን፡ ሕዝ ኣቢሎማ ግትር ኢላ ናይ ተጋዳሊት ነገር፡ ውደቂ ውደቂ ዉደቒ ኢሎማ፡ እዋይ ጓል ቀሺ ኣሽንካይ ኣብ ኣዲስ ኣበባስ ኣብ ሳሕል እኳ ኣየውደቕኩምንን ኢላቶም(ኣብ ሞንጎ ሰሓቕ)። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሊ ንሕና ኣብ ኤርትራ ናይ ሃይማኖት እንደገና ስደት ይሁሉ ኢልና ኣይንኣምንን ኢና። ግን extreme ዝኾነ ሃይማኖት ግን ሕጂ እንተዘይተኣሪሙ ክጎድኣና ኢዩ።¨  

ክቡር ዶ/ር ካብዛ ኣብነት እዚኣስ እንታይ ኢኻ ክንርዳእ ደሊኻና፡ ጰንጠ ካንሰር ክፍውሱ ብዘይምኽኣሎም ድዩ ጎዳኢ ባህሊ ኮይኑ ረኺብካዮ፡ ብእዋኑ ስጉምቲ ክውሰደሎም ዝጠለብካ። ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ናይ ሃይማኖት ስደት ክህሉ ኢልካ ከምዘይትኣምን ብምግላጽካ፡ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰደሎም ከምእትደሊ ግን ኣይሓበርካናን። እቶም ቊጽሮም ክፈልጦም ዘይክእል ንመርዛም ቃላትካ ብሰሓቕ ዝደበሱ ሰማዕቲ እውን ዛጊት ካብ ዝተመሓላለፈ ኣስተምህሮኻስ ዓገብ ክብሉኻን ክብዱሁኻን ኣይሰማዕኩን። ንኩነታት ኣሰሓሕቕኦም ኣብ ግምት ብምእታው ግን፡ ዝብሉኻ ኮይኑ እውን ኣይስምዓንን። እቲ ቅኑዕ እትብሎ እምነት ንገረና እሞ ብእዋኑ ስጉምቲ ከይተወሰደልና እንከሎ፡ ነቲ እትህበና መምሪሒ ክንክተል። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ካብ ኣልዓልካን፡ ተዓቊብካላ ዘለኻ ሃገር ብምኻናን ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስስተር ሃይለማርያም ደሳለኛ ተኸታሊ እመነት ጴንጠ እዩ እሞ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ንኣንፈይ ናይ ጠፋእካ መለኸት ክትነፍሓሉ ከዘኻኽረኻ እፈቱ።

እቲ ጠቐነ ብዙሕ፣ ካብ በሃሊኡ ደጋሚኡ ከይከውን ኣብዚ ሸፈፍ ኢለ ንገሊኡ ክሓልፎ። እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ብዕቱብ ክርአ ኣለዎ ዝብሎ ዝሃብካዮ መግለጺ ከቕርብ። ሓንቲ ኤች ኣይ ቪ ዝሓመመት ቤተሰብ ከምዝነበረትካ፡ ጴንጠ ጸልዮም ሓዊኺ ኢሎማ ደሓር ግን ሞይታ ብምባል ነዚ ዝስዕብ ናይ ኩነኔ መግለጺ ሂብካ። ¨እዚ ኣብ ኤርትራ ክኣቱ ንደልዮ ዲና፡ ኣይንደልን ኢና። ሃይማኖት ግን ክንጸልእ ኢና ማለት ኣይኮነን። እዚ ናይ ቤተክርስትያን ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ደኣ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እምበር፡ እዞም ሬማ ዝበሃሉ ካብ ፐንተኮስታል ዝተፈለዩ እዮም። ሬማ ምስ ተንስኡ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ እዮም፡ ነቲ መንግስቲ ዓቕሉ እዮም ኣጽቢቦሙሉ። ኣብ ቺነማዶ ኣብ ግለዶ፡ ናይ ወተሃደር ዓጢቖም፡ ይዝምሩ ይደርፉ፡ ማርች ይገብሩ፡ ሻዕብያ ፈሪሁ፡ ጠጡዕያቶም ንበዓል ዶ/ር ፍጹም ኣሲሩ፡ እቶም ሬማ ግን ኩሎም ሃዲሞም፡ ሻሙናይ ዓስራይ ዝወድኡ፡ ኮለጅ ከይኣተው ንሶም እዮም ኣብ ምሉእ ዓለም ዝሰብኩ ዘለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ክህልው ግን ኣይንፈቅድን።’’

ክቡር ዶ/ር፡ ኣብ ኣመሪካ 25 ዓመት ከምዝተቐመጥካን ከምዝተመሃርካን ሓቢርካና ከተብቅዕ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ናይ እምነት ነጻነት ክህሉ ኣይከነፍቅድን ኢና ኢልካ ምምዳርካስ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ዘሕለፍካዮ ዓመታት ብምስትንታን ¨ካብ ምህሮስ ኣእምሮ¨ ዝብል ምስላ ኣበዋት ኣዘኻኺሩኒ። ብዘይ ሕንከት ንኣብ ምሉእ ዓለም ዘለው ኣገልገልቲ ሻሙናይ ዓስራይ ዝወድኡ ደናቑር ኢልካ ኣቆናጺብካዮም። ነቶም ዝሰምዑኻ ዝነብሩ እኳ ከይሓነኽካ ታሪኽ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣይትፈልጡን ኢኹም ብምባል ኣስተናዒቕካዮም ኢኻ። እዚ ዘረባ ካብቶም እተቖናጽቦም ዘለኻ ሰባት ንላዕሊ ንስነ-ልቦናኸ ዝቐልዐ ተረኽቦ እዩ።

ነየናይ ክፋል ሕብረተሰብና ብምውካል ኢኻ ኣይንፍቅድን ኢና ዝበልካ? ነቶም ብዙሓት ሰዓብቲ እዚ እምነት ዘይኮኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ውሑዳን ክትንሱኡን ክጭቁንዎም ምጽዋዕካ፡ ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም ብሕጊ ከሕትተካ ዝኽእል ናይ ጽልኢ ዘረባ(hate speech) ምኻኑ እንተዘኻኸርኩኻ ጽቡቕ እመስለኒ።

ኣቦታት ክምስሉ እንከለውስ ጸላኢ ጸለሎ ቀባኢ ይብሉ፡ ብዙሕ እንዳሰናዕካ ጠቐነታት ብምኹማር ኣብ ልዕሊ እቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝበጽሑ ሰዓብቲ ዘለውዎ እምነት፡ ናይ ጥፍኣት መለኸት ብምንፋሕካ ዘይኮነ ዘሕዝን፡ ክኢላ ዕርቕን ሰላምን እየ ኢልካ ህዝቢ ኣኪብካ፡ መርዚ ብምንዛሕካዩ እቲ ዘርምም። ‘’ኣንታ እዛ ዓዲ ሰብ ዶ ኣይብላን እዩ’’ ዝበሎ ኣማኒኤል ኢያሱ ኣዘኻኺሩኒ፡ ሰባትሲ ካዕበት፡ የግዳስ ካብ ጸቢብን ድሑርን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ሓራ ወጽዩ፣ ንርሑቕ ዝጥምት ራኢ ዘለዎ ለባም ሰብ ድኣ እዛ ዓዲ ተስኢንዋና እምበር። እቲ በሃሊ እኳ እንተዓገበ እቶም ሰማዕቲ እውን ነቲ ዘረባ ከየኮማስዑ፡ ነቲ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ሓደገኛ መልእኽቲ ዘይምቕላቦም እውን ዘተሓሳስብ እዩ።

ኣብ መደምደምታ ጽሑፈይ እምበር፡ ዶ/ር ኣብ ኣቐራርብኡ ሓሓሊፉ ባጫዊ ብምግባር ንሰማዕቱ ብሰሓቕ ክትውሖም ዝገበሮ ሃቐነ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ሰዓብቲ ኣመንቲ ፐንተኮስታልን ክቱር ንዕቀትን ጽልኣትን ከምዘለዎ ኣጒሊሑ ዘርኢ መዐየሪ ኮይኑ ረኺበዮ። ምናልባት ክቡር ዶ/ር ከምቲ ኣቦታት ክምስሉ ምስ ዓቢ ኣይትመድር ምስ ወዲ ሳላሳ ኣይትሰድር ኮይኑ ደኣ ነገሩ እምበር፡ በቲ ሓደ ንዕርቂ፡ በቲ ካልእ ድማ ንጭንቒ ካልኦት እንዳጸዋዕካስ፡ ከመይ ቢሉ ምስቲ ንስኻ እትሰብኮ ዘለኻ ዕርቅን እቕረ ምባልን ክጠዓዓም ከምዝኽእል ግዜ ሂብካ ሓሲብካ ኣሰላሲልካ ናብ መድረኽ ዝቐረብካ ኣይመስለንን።

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ኤርትራ ንለዉጢ እንቃለስ ዘለና ንሓደ ሓሲሙ ነቲ ካልእ ክርህዎ ኣይኮነን። ልዕላውነት ሕጊ ዝሰፈና፡ ወለዶታት ብሰላምን ቅሳነትን ዝነብሩላ ሃገር ንምህናጽ እምበር። ሓደ ካብዞም ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰል ድማ ናይ እምነት ነጻነት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ምውሓስ እዩ። ንፍተዎ ንጽልኣዮ ሰባት ንዝደለዩዎ ከምልኹ ኣድማሳዊ መሰሎም እዩ። ኣምላኽ ኣየድልየናን እዩ፡ ንሰይጣን ኢና ነምልኽ ዝብሉ እውን እንተመጹ፡ መሰሎም ክወሓሰሎም እዩ ዝግባእ። ነቲ ንሕና እነምልኾ ኣምላኽ ኣየምልኹን እሞ ነጥፍኣዮም ኢልካ ምስባኽ፡ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ISIS ካብዚ ሓሊፎም እንታይ ገይሮም። ስለዚ እምብርኣር፡ እቲ ዝሃብካዮ መግለጺ ደጊምካ ክትሰምዖን፡ ነቶም ወንጂልካዮም ጥፍኣቶምን ተመኒኻ ዘለኻ ኣመንቲ ፐንተኮስታል እቕሬታ ክትሓቶም እግብኣካ። ከምቲ ዝሰበኽካዮ እንተተጋጊና እቕረ ምብህሃል ንልመድ ኢልካ ኣለኻ እሞ፡ እስከ ባዕልኻ ጀምሮ እቲ ምህሮኻ። ነዚ ክትገብር ትብዓት እንተሲእንካ ግን፡ ናይ ዕርቂ ሃዋርያ ምኻን ተሪፍካስ፣ ንትዕዝብቲ ኮንካ ጥራሕ ከይትተርፍ እምሕጸነካ።

ቴድሮስ ኣብርሃም

Tedros1000@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Hana May 16, 2015

    i think Dr was honest and presented w ell. this religion discourage our young people from challenging hgdf. for me it seems another camp of hgdf strategy to weaken us. why we need new religion and identity. we have our owns. i support what Dr said i believe he must continue to elaborate it far. reach all Eritreans in and out.

    • winta May 16, 2015

      Hanna i am a Pente and i oppose the regime in Eritrea, and i pray for my country all the time. I heard the audio and i was really shocked to hear him blaming the entire Pentes on the actions of few individuals, freedom of religion is fundamental right not only for Pentes but for everyone else. This assertion will only help to polarise and complicate the situation in our country further. Without unity in diversity, Eritrea will never survive for that long.

  • yonas May 16, 2015

    Dr.Misghina have some truth about pentecpstal b/c these people are destroying our culture in a lot of things.example:they don’t defend themselves and others when they are in denger,they have no courage.By calling jesus only they want everything for free.when they are under rashaida,when they are in prisons under hgdf,even when they are free they don’t want to sucrify for the country,for their fellow citizens and for themselves.By calling jesus without doing anything is their moto.

  • petros May 16, 2015

    Orthodox church has been on the wrong side of our history. Haileselassie used Orthodox church to weaken our unity and conquer Eritrea. DIA is doing the same thing using Orthodox church.It is a complete nonsense to blame Eritrean Pentecostals for not being good citizens.

  • john May 16, 2015

    ዘለኒ ትዕዝብቲ ናይቲ ዝሓለፈ ኣስተምህሮ፡ ብባዕላዊ ተሞክሮታት ዝተሰነየ ኣወንታውን፡ መሃርን እዩ ኔሩ። ብቃንቃ ትግርንያ ከም ንኻኑ መጠን ናይ ገዛእ ርእስና ንዓና ጥራሕ ኣዩ። ኮይኑ ግን፡ ቁሩብ ዘስተውዓኩሉ እንተልዩ፡ ንእሽቱ ጉድለታት ኣይተሳእኖን። ካብ ኩሉ ንላዕሊ እዋናዊን ነዚ ሕዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ኣሰቅቒ ኩነታት ዜንጸባርቕን ንደላይ ፍትሒ፡ ዘለዎ ፍልልያት ሕድገት ብምግባር፡ ሓደነትቱ ኣትሪሩ ብቅኑ መንገዲ ፍታሕ ከናዲ ዘተባብዕን ኢዩ።

    • Saba May 16, 2015

      ኣብዚ ኣለካ ዘረባ፣ ሃብሮም እዚ ሓወይ!

  • koreri May 16, 2015

    አሕዋት እስኪ ዶ/ር አንታይ ከምዝብል ንስማዕ።
    ብዝተረፈ ግን ካብ ናይ ዶ/ር ዝገደደ ንዛረብ /ንጽሕፍ/ከይንህሉ።።

  • Mahta May 16, 2015

    HGI nenhidhidna knbalae trgum albo eu. ab wlkawi emnet deki sebat atika hashewye mzrab xbuk aykonen kulu zteredeo zebele kea ykales alo. nzkone emnet kthlun ketekebrn kea bsmietka zeykones bmesret hge mengsty kuwam eu. slezi kem araki Docter gega alewo. erki dea emo felalika do alo eu.doktore

  • Saba Kidane May 16, 2015

    Dr. Misghina’s core message was reconciliation. Let us focus on the main issue. Let us all talk about reconciliation. That was his message

    As for the Pentecostals, they have the right to worship God they way they see it fit. However, it is very sad to see that most Pentecostal church leaders here in North America do not voice for the voiceless. They are good in preaching and singing every Sunday but they do not seem to have social doctrine. Jesus stood with the poor and oppressed, but these days Eritrean Pentecostals do not seem to care about the persecuted Eritrean Christians.

    The bottom line the message by Dr. Misghina is reconciliation. Let us focus on it.

    Haftkum Saba

  • Merhawi May 16, 2015

    ሰብ ኮይኑ ዘይጋገ የለን፡ ካብ እግርስ አፍ ይዕንቀፍ ከምዝበሃል፡ ዶ/ር ምስግና ንዘቕረቦ አዚዩ መሃሪ ሰሚናር፡ ገለ ደቂቕ ጌጋታት ሃሰው እንዳበልካ፡ አዕናውን ተስፋ ዘቑርጽን ዘረባታት ምስንዳው፡ ነዞም ንለውጢ ዝብገሱ ደፋራት ደቂ ሃገር፡ ንዝተበገስዎ ዕላማ ንምኹላፉ ዝግበር ፈተነ፡ መፍትሒ ዘኮነስ ስቓይ ህዝብና ንምንዋሕ አስተዋጽኦ ከከውን፡ድኽመታትና እንዳተአራረምና ነዚ አብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ አደራዕ ንምእላይ ክከአል ምእንቲ፡ ነዞም ዝብገሱ ዘለዉ ምሁራትን ለባማት ደቂ ሃገር ምትብባዕ ይግብኦም እብል። ብዝተረፈ አብ መጻኢት ኤርትራ፡ ህዝቢ ብኸመይ ይመሓደር ዝብል ነገር፡ ሓደ እዚ በለ፡ እቲ ሓደ እዚ በለ ኢልካ ዝውሰን ዘኮነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘዋጽኦን ዘካይዶን ስርዓተ-ሕጊ ብድልየቱ ምሰቖመ ዝውሰን ይመስለኒ፡፡ ስለዚ ንመጻኢ ንዝመጽኡ ምሁራት፡ ካብ አብ እምነታት አልዒልና ንዛረብ አብቲ ቀንዲ አርእስትና እንተተኮርና ዝሓሸ ይመስለኒ፡ ከምቲ ተድሮስ ሓውና ዝበሎ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ፡ ዝደለዮ እምነት ክህልዎ መሰሉን ምርጭኡን እዩ፥ ኮይኑ ግን አብታ ዋላ ንሸይጣን ዘምልኹ አንተመጹ ትብለ ግን፡ ጎይታ ባዕልኻ ን ሃገርና ሓልዋ እብለ፡ ብዘይንሱ ሰብ ዝመስሉ ሰይጣውንቲ፡ ሃገርና ዝመሓድርዋ ዘለዉ፡ እቲ ግዜ ከሕጽረልና ናብ አምላኽና ንማህለል እብል። ብዝተረፈ ንዶ/ር ምስግና ክብሎ ዝደሊ እንተሎ፡ ገለ ጉልባበን ቀሊዐን ፡ ሕፍረተን ዘይሽፍን ክዳውንቲ ለቢሰን(ደቂ-አንስትዮ)፡ ወይውን ንገንዘብ ይኹን ካልእ ዝረብሕሉ አምልኾ ኢና ንስዕብ፡ ንዝበለ ናቱ ምርጫ ይኸውን፡ ግድን ከምዚ ዘኮንክን/ዘኮንካ ክንብለን አይግባእን፡ ስለዚ ድ/ር ናብ እምነት ዝሃብካያ ሪኢቶካ ብይቕረታ አሪምካ፡ ንመጻኢ ብዝበለጸ መሃሪ ሰሚናራትካ ክትልግስ ይምሕጸን፡ ከምቲ ኣብ ሰሚናርካ ዝበልካዩ ኤርትራዊያን ሓደ ኢና፡ ዝተፈላለየ እምነታት፡ ብሄራት፡ ከባቢያዊ ምምሕዳራት ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ሓደ ካብ ሓደ ብዝኮነ መምዘኒ ዝበላለጽ አይኮነን፡ ኢሰያስን ገለ ዉሑዳት ሰዓብቱን፡ ካብ ቀደም ሕዝብን ትጋደልትን ከይፈለጥናዮ፡ ከፋፊልካ ንምግዛእ ክጠቕሞም፡ ሃገር ንምዕናው ዝጥቀምሉን ዘተአታተዉዎ ሜላ ናይ ኣጀንጋኦም እዩ፡ ብገለ ግሩሃት ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ፡ ወይ እውን ብጠቕሚ ናይ ዝዓወሩ እንዳተዳጎሐ/እንዳተቓለሐ ሱር ሰዲዱ ክሳብ ሕጂ ይገማምዓና አሎ።
    ስለዚ ንኹልኹም የሕዋት፡ ብፍላይ ንዶ/ምስግና ከመስግኖ እደሊ ቀጽሎ ከኣ እብል፡ ን ሓውና ቴድሮስ ከአ ስለቲ ሪኢቶኻ መአረምታኻን እንዳአመስገንኩ፡ ምኽርኻ ካብ ቂምን ነድርን ክትቑጠብ ሓደራ እብል፡ ምኽንያቱ ሓይልና አብ ምክብባርና እዩ፡ ንሕዝቢ ኤርትራ ራህዋ የውርደሉ፡ ንኩልኹም የሕዋት ብብእምነትኹም ጎይታ አዕዚዙ ይባርኽኹም፡
    አብ መጨረሽታ ንእግሪ መንገደይ ንአማኒኤል ኢያሱ ሬድዮ አሰና ነቲ ዘይሕለል ጻዕርኻ ምስ ኩሎም ብጾትካ አዚየ እንዳአመስገንኩ ዓወት እምነየልኩም። ከምእዉን ራዲዮ ኤረናን ካልኦትን፥ ብፍላይ ሓደግንባር እንተትፈጥሩ ኽንደይኮን ጽልዋኹም አይምሓየለን እብል።

    ሰላምን ራህዋን ምዕባለን ንህዝቢ ኤርትራ እንዳተመነኹ ይፋነወኩም፡
    ሓውኹም መርሃዊ

  • araya-11 May 16, 2015

    Anta tedros guday Hager zeyehmemekas guday haymanotka ms telaele hgi an asena metsika kittsihf mftanka azyu zehfr eyu, mejemerta Hager kthlu alewa kabu nska abti Hager zdelekayo mgeberka,,,,ane ms doctor Msgna 100 kab 100 eye zsamamee,,, mnalbat nska dhre baytaka ente tnegrena tabuk neru malesi Pente kab tkewun Kinsey kemzgeberka,,,,ane kemti doctor zbelo ms Pente costal eye abye nhna kinabi kolena znebere pentecostal hgi ab sdet enireyo zelonan nay semay n midrien flly alewo,,,eti kendi tsegomu kea hade kirtsi yeblu(it does not has a shape or form or unique),,,,entay dea zzreaywo eyom zimleelu,,,koboro ayneberen,hgi teatatyu, kuda,kaleot bzuhat negerat teatatyom slezi doctor lieleka bzaeba eti haymanot pentecoste aflto alewo because he knew it in the old days,,,,kalee doctoctor zeytekesa ane kimlealu nskatkum felalayti ekum amani ms zey amani enda belkum sebat tfelalyu,,,kab hade Pente zeykone ertrawi hade Pente zkone ethiopiwi tekbrun kitlegbu tdelyu,,,,ane pentecoste kdmi 20 amet znebere kiktsil mluee dlyet aleni aykonn gna hzbi ertra likiee kabzi nay dictatore zyfle kalseee ytsbeyo all,,,,

  • araya-11 May 16, 2015

    Let me sumarrize what I have said in English, I totally agree with doctor , I grew up with pentecostal, this religion use to be a well known dcente region ever, but right now things are changing gradually, they are introducing many new ways from our culture,like kuda,koboro and so on,,, but as a religion it has to have a uniqness which can represent a pentecostal,in addition with that you guys don’t respect eritrean rather than if he or she is in the same religion like you, because of amani ms zey amani ,,, so that for the future eritrean people will face the same issue that we are facing from the dictators,,,, I miss the old Pentecostal back to 20 years,,,

1 2 3

POST A COMMENT