Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነቐፌታዊ ትዕዝብቲ ኣብ ኣስተምህሮ ዶ/ር ምስግና ገ/መድህን

ነቐፌታዊ ትዕዝብቲ ኣብ ኣስተምህሮ ዶ/ር ምስግና ገ/መድህን ኣብ ከተማ ለንደን ብዶ/ር ምስግና ገ/መድህን ኣብ ዝተጸወዐ ህዝባዊ ሰሚናር ንዕርቕን ሰላምን ሃገርና ምርኩስ ብምግባር ከምዝተኻየደ ምናልባት ገሌና ካብቲ ኣብ ክልተ ክፋላት ኣብ ራድዮ ኣሰና ዝቐረበ ቅዳሕ ናይቲ ኣስተምህሮ

ነቐፌታዊ ትዕዝብቲ ኣብ ኣስተምህሮ ዶ/ር ምስግና ገ/መድህን

ኣብ ከተማ ለንደን ብዶ/ር ምስግና ገ/መድህን ኣብ ዝተጸወዐ ህዝባዊ ሰሚናር ንዕርቕን ሰላምን ሃገርና ምርኩስ ብምግባር ከምዝተኻየደ ምናልባት ገሌና ካብቲ ኣብ ክልተ ክፋላት ኣብ ራድዮ ኣሰና ዝቐረበ ቅዳሕ ናይቲ ኣስተምህሮ ተኸታቲልናዮ ንህልው።  ዶ/ር ምስግና ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዘላቒ ፍታሕ ክርከቦ ኣብ ሞንጎ ኤርትራዉያን ናይ ዕርቒ መንፈስ ክሰፍን፡ ይቕረ ናይ ምብህሃል ባህልና ከነኻዕብትን ዝምዕድ፡ ኣብ ገሊኡ ዝግስጽ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ዝዝልፍን መልኽእታት የሕሊፉ ኣሎ። ህዝቢ ኣኪቡ ተመኩሮኡ ንምክፋል ንዝወሰዶ ተበጉሶ ብምንኣድ፡ ከምኡ እዉን ካልኦት ዓበይቲ ዓድን ምሁራት፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ እምነታት፡ ተመሳሳሊ ስጒምቲ ክወስዱ መድረኽ ዝጠልቦ ሕልናዊ ሓላፍነት ስለዘለዎን ንኣንፈይ ከዘኻኽሮም እፈቱ።

እንተኾነ ካብቲ ብዙሕ ልዙብን ለባምን ዝመስል ኣቐራርባ ዶ/ር ምስግና፡ ገለ መርዛምን መናቖትን መልእኽቲ ፈይ ካብ ምባል ግን ኣይተቖጠበን። ከም ኣገላልጽኡ እንተኾይኑ፡ ኣብ ኣመሪካ ክልተ ማስተርስ ዲግሪ ከምዘለዎን፡ ብተወሳኺ ናይ ዶክትረይት ዲግሪ እዉን ከምዝሰርሐን ኣብ መግለጺኡ ካብ ዘቕረቦ ቃል ክርዳእ ኪኢለ። እንተኾነ ኣብቲ ሞያዊ እየ፡ ብስነ-ሃይሞኖት ማስትረይት ዲግሪ ኣለኒ፡ ብስነ-ባህሊ ዶክትረይት ኣለኒ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን ሰዓብቲ ፔንተኮንስታልን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ግን ካብ ሓደ ምሁር እየ፡ ፈላጥ እየ ዝብል ሰብ ዘይኮነስ፡ ካብ ሓደ መሃይምነት ዘየጥፈአ እኳ ክትሰምዖ ዝእግም ዘረባ ኮይኑ ረኺበዮ።

ኣብ መግለጺኡ፡ ንሃይማኖት ፕሮተስታንት ኣብ ኣመሪካን ኣብ ካልኦት ሃገራት ምዕራብን፡ ናይ ምዕባለ ነጥበ መቐይሮ ምንባሩ ብምስማር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እምነት ፕሮተስታንት ግን ብኸምዚ ዝስዕብ ደኣ ኣቖናጸብዎ ‘’እቲ ኢዛንጀሊካል ምስ መጸ ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ትምህርቲ ጀሚሩ፡ እዚ ጽቡቕ ኢዩ፡ እንታይ እዮም ግን ሕማቕ ጌሮም ነቲ ሃይማኖትና ደቒሶሞ።’’ ክብል መዲሩ። ነዚ ድቑሰት ንሰማዕቱ ከረድእ ዘምጽኦ ስነ-ሞጎት ድማ ስዋ ምስታይን ዘይምስታይን ኣመልኪቱ፡ ሓደ (ወገንጌላዊ) ጻዕዳ ንሓደ ቀሺ ዘቕረበሎም ሕቶ ምርኩስ ብምግባር ከረድእ ፈቲኑ። ብዘይካዚ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ሓረግ ወለዶታት ብሰሪ ምእታው ወንጌላዊ እምነት(ከኒሻ)  ከምዝጠፈኣ የተንብህ።

በዚ እዉን ኣየብቀዐን፡ ካልእ መስደመም መግለጺ እዉን ሂቡ እዩ። ኣብዚ እዋን ግን ንወንጌላውያን ዘይኮነስ ንተኸተልቲ ፐንተኮስታል። ከምዚ ይብል ‘’ ሕጂ ሳዕሲዒት ጀሚሮም ኣለው፡ መጽናዕቲ ዘይተገብሮ፡ ኬድኩምዶ ኣለኹም ኣብዚ ናይ ፔንተኮስታል፡ ንምቅዋሙ ኢለ ኣይኮንኩን፡ ግን እቲ ዝግበር ኣብ በዓል ናይጀርያ ኣብ በዓል ደቡብ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ኣዩ ዝግበር፡ ኣባና ግን ሓደ ደራፋይ ዝነብረ ጓይላ እንድሕር መቂርዎ፡ ኣብቲ ቤተክርትስያን ከኣ ጓይላ ይገብር። ክስዕስዑ ክትሪኦም እንከለኻ እቶም ናይ ቤተ ክርስትያንሲ ኣነ ኣይክእልን እየ ሳዕሲዐ፡ ናይ ሳሆ እኳ ይሓይሽ እምበር፡ እዛ እግሮምን ኢዶምን ፈጥፈጥ ፈጥፈጥ እዮም ዝብሉ፡ ኣበይ እዮም ተማሂሮሞ፡ እዚ ነቲ ሳዕሲዕትን ነቲ ባህልን ንምቕያሩን ዋጋ ከምዘይብሉን ንምንጋር ኢዩ።’’ ብምባል ይኸስስ። ኣብዚ ሓደ ዝሰሓትካዮ ሓቂ ከም ምሁር ባህሊ መጠን፡ እቲ ባህሊ እንታይ ማለት ምኻኑ ከተረድኣና ብዘይምኽኣልካ እዩ። ብዘይክኡ እዞም እትወቕሶምን እተቖናጽቦምን ዘለኻ ኣመንቲ፡ እግሮምን ኢዶምን ስለዘንፈጥፈጡ ድዩ ኣተሓሳሲቡካ፡ ወይስ ኣብ ዝነውሐ ግዜ ህዝብና መንኮቡ ገዲፉ ኢዱን እግርን ጥራሕ ከየንፈጥፍጥ እዩ ስግኣት ፈጢሩልካን፡ ክሳዕ ክንድዚ ኣተሓሳሲቡካን። ከምቲ ዊን ዝብሎም ጌሮም እንተምለኹ ኸ፡ እንታይ ኣገመካ? እቲ እግሮም ኢዶምን ዋናታቱ ባዕላቶም’ዶ ኣይኮኑን። እዚ ምንፍጥፋጥ ዝገብርዎ ዘለዉ፡ ነቲ ባህልን ሳዕሲዕትን ንምቕያሩን፡ ዋጋ ከምዘይብሉ ንምግባሩን ዝበልካዮስ፡ በዚ ሰሪ ቊጽሪ ኣብያተ ለይታዊ ትልሂት ሃገርና እንዳወሓደ፡ ብምኻዱ’ዶ እኸውን ኢለ ከይጥርጥር’ኳ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቒ ንጥርጣረይ ዝድርዕ ኮይኑ ኣይረኸብክዎን።

ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ከም ኣብነት እንተወሰድና እኳ፡  ካህናት የእዳዎም ንየማነ ጸጋም ብምሽብሻብ ምስ ጥዑም ዋዜማ የምልኹ። እሞ ብኣበሃህላኻ መሰረት ንሶም እውን፡ እቲ ናይ ጓይላ ባህልና ከይጠፍእ ናብ ጓይላ ቀይርዎ ክትብሎም የምሕረልካ ዶ። እሞ ንፔንተኮስታል ንተናጸል ጓይላ ስለዘይገበሩ ኢልካ፡ ኢዶምን እግሮምን ጥራሕ እዮም ዘንፈጥፍጡ ዘለዉ፡ ብምባል ክትወቅስ ከም ሓደ ምሁር እየ በሃሊ፡ ኣብ ትዕዝብቲ ዘእትወካ ዘረባ ኮይኑ ረኺበዮ። ኣብ ሓንቲ ካብ ዓለም ንምጀመርያ ግዜ ናይ እምነት ነጻነት ውሕስ ዝገበረት ሃገር ተማሂርካ ከተብቅዕ፡ ሰባት ከምዚዶ ከምቲ ገይሮም የምልኹ ኣለዉ ኢልካ ክትኩንኖም፡ ዘደንጹ ስማዕ ኢዩ።

ኣብዚ ኣየብቀዐን ዝለፋ ዶ/ር ምስግና፣ ብምቕጻል እውን ንሓደ ፈጠራዊ ድራማ ዝመስል፡ ንሓደ ምኽንያታዊ ሰብ (rational person) ዘየእምን ዝርርብ ከም ኣብነት ብምምጻእ እዩ ነቲ መጥቃዕቱ ክድርዖ ፈቱኒ። ንሱ ይብል ¨ኣብ ንዮርክ ሓደ ግዜ ፖሊስያ ኔሮም ሰርጌንቲ፡ መርዓ ኔሩስ ነዚ ወዲ ርእዮሞ፡ ኣታ እፈልጦ እየ ነዚ ወዲ፡ ንወዲ ሰርጌንቲ ገለ ወዲ ወዱ ኢዩ ኢሎሙኒ፡ እቶም ዓበይቲ ትኩራት እዮም፡ ፖሊስ እዮም። ወዲ መን ኢኻ? ኢለሞ ወዲ የሱስ ክርስቶስ ኢልዎም¨፡ ወዲ መድሃኒ ኣለም ማለቱ ድዩ ኣንታ ዝበለ ንፉዕ፡ miss understanding ንሱ ሃይማኖት እዩ ዝሰብኽ ዘሎ ንሳቶም ከኣ መድሃኒ ኣለም ይብል ኣሎ ኣብዚ ዓዲ መጽዩ ይብሉ። ኣቦኻ ኸ መን ኢዩ? ነገር መጽዩ ሕጂ፡ የሱስ ክሩስቶስ! እዋን ምስግና ማይ-ጨሎትዶ የብልኩምን ኢኹም ኣብዚ ዓዲ።(ሰማዕቲ ይስኽቁ) እዋእ ማይጨሎት ዘይትወስድዎ ኢሎሙኒ፡  ነቲ ካልቸር ኣይተረድኦን እቲ ቖልዓ፡ ለለለ ስለዝበለ የሱስ ስለዝበለ ከምኡ ኢልካ ኣይኮነን እቲ መንፈሳዊ ዝመጽእ።¨ ይብል።

ከም ሓደ ምሁር መጠን ነዚ ሓደ ቆልዓ ዝበልካዮ ሰብ ናይ ብሓቂ ኢልዎ ኢልና ዋላ እንተወሰድና፡ ብሓቂ እቲ ቆልዓ ወዲ የሱስ እየ ስለዝበለ ኩሎም ኣመንቲ ፐንተኮስታል ሽሞ ኣቦኦም ኣይፈልጡን እዮም ንምባል ድዩ እቲ መልኽእቲ። ከምኡ እዉን ለለለ ስለዝበለ፡ የሱስ ስለዝበለ፣ ከምኡ ኢልካ ኣይኮነን እቲ መንፈሳዊ ዝመጽእ ኢልካና። መንፈሳዊ ከምዚ ጌርካ እዩ ዝኸውን ኢልካ ክትምህር መሎኮታዊ ስልጣን ዝሃበካ መን እዩ። ቲኦሎጂ ተማሂረ እየ ኢልካና፡ እሞ ቲኦሎጂ ክትመሃር እንከለኻ Interfaith Dialogue ከምኡ እዉን ንታሪኽን ኣመዓባብላን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክርስትና ከይተመሃርካዮ ዶ ሓሊፍ። ዶስ እቲ ናይ ቲኦሎጂ ሰርቲፊኬት ንኻልኦት እምነታት ናይ ምሽምጣጥ ሓላፍነት ዉን ዘሰክመካ እዩ ነይሩ።

ካብዚ ብምቕጻል እዉን ካልእ ዝበኣሰ ንፐንተኮስታል ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እምነት ፐንተኮስታል ብምጥቃስ፡ ካልእ ኣነዋሪ ዝኾነ ጸለመ ሰንዚሩ እዮ። ንሱ ይብል ¨ከስሕቐኩም ጓል ተጋዳሊት ኢያ ነይራ ንኣዲስ ኣበባ መጽያ፡ ደሓር ቅሩብ የሕሚምዋ ካንሰር ደሕር ክጽልዩላ መጽዮም እዞም ጴንጠ እዞም ኢትዮጵያዉያን፡ ሕዝ ኣቢሎማ ግትር ኢላ ናይ ተጋዳሊት ነገር፡ ውደቂ ውደቂ ዉደቒ ኢሎማ፡ እዋይ ጓል ቀሺ ኣሽንካይ ኣብ ኣዲስ ኣበባስ ኣብ ሳሕል እኳ ኣየውደቕኩምንን ኢላቶም(ኣብ ሞንጎ ሰሓቕ)። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሊ ንሕና ኣብ ኤርትራ ናይ ሃይማኖት እንደገና ስደት ይሁሉ ኢልና ኣይንኣምንን ኢና። ግን extreme ዝኾነ ሃይማኖት ግን ሕጂ እንተዘይተኣሪሙ ክጎድኣና ኢዩ።¨  

ክቡር ዶ/ር ካብዛ ኣብነት እዚኣስ እንታይ ኢኻ ክንርዳእ ደሊኻና፡ ጰንጠ ካንሰር ክፍውሱ ብዘይምኽኣሎም ድዩ ጎዳኢ ባህሊ ኮይኑ ረኺብካዮ፡ ብእዋኑ ስጉምቲ ክውሰደሎም ዝጠለብካ። ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ናይ ሃይማኖት ስደት ክህሉ ኢልካ ከምዘይትኣምን ብምግላጽካ፡ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰደሎም ከምእትደሊ ግን ኣይሓበርካናን። እቶም ቊጽሮም ክፈልጦም ዘይክእል ንመርዛም ቃላትካ ብሰሓቕ ዝደበሱ ሰማዕቲ እውን ዛጊት ካብ ዝተመሓላለፈ ኣስተምህሮኻስ ዓገብ ክብሉኻን ክብዱሁኻን ኣይሰማዕኩን። ንኩነታት ኣሰሓሕቕኦም ኣብ ግምት ብምእታው ግን፡ ዝብሉኻ ኮይኑ እውን ኣይስምዓንን። እቲ ቅኑዕ እትብሎ እምነት ንገረና እሞ ብእዋኑ ስጉምቲ ከይተወሰደልና እንከሎ፡ ነቲ እትህበና መምሪሒ ክንክተል። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ካብ ኣልዓልካን፡ ተዓቊብካላ ዘለኻ ሃገር ብምኻናን ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስስተር ሃይለማርያም ደሳለኛ ተኸታሊ እመነት ጴንጠ እዩ እሞ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ንኣንፈይ ናይ ጠፋእካ መለኸት ክትነፍሓሉ ከዘኻኽረኻ እፈቱ።

እቲ ጠቐነ ብዙሕ፣ ካብ በሃሊኡ ደጋሚኡ ከይከውን ኣብዚ ሸፈፍ ኢለ ንገሊኡ ክሓልፎ። እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ብዕቱብ ክርአ ኣለዎ ዝብሎ ዝሃብካዮ መግለጺ ከቕርብ። ሓንቲ ኤች ኣይ ቪ ዝሓመመት ቤተሰብ ከምዝነበረትካ፡ ጴንጠ ጸልዮም ሓዊኺ ኢሎማ ደሓር ግን ሞይታ ብምባል ነዚ ዝስዕብ ናይ ኩነኔ መግለጺ ሂብካ። ¨እዚ ኣብ ኤርትራ ክኣቱ ንደልዮ ዲና፡ ኣይንደልን ኢና። ሃይማኖት ግን ክንጸልእ ኢና ማለት ኣይኮነን። እዚ ናይ ቤተክርስትያን ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ደኣ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እምበር፡ እዞም ሬማ ዝበሃሉ ካብ ፐንተኮስታል ዝተፈለዩ እዮም። ሬማ ምስ ተንስኡ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ እዮም፡ ነቲ መንግስቲ ዓቕሉ እዮም ኣጽቢቦሙሉ። ኣብ ቺነማዶ ኣብ ግለዶ፡ ናይ ወተሃደር ዓጢቖም፡ ይዝምሩ ይደርፉ፡ ማርች ይገብሩ፡ ሻዕብያ ፈሪሁ፡ ጠጡዕያቶም ንበዓል ዶ/ር ፍጹም ኣሲሩ፡ እቶም ሬማ ግን ኩሎም ሃዲሞም፡ ሻሙናይ ዓስራይ ዝወድኡ፡ ኮለጅ ከይኣተው ንሶም እዮም ኣብ ምሉእ ዓለም ዝሰብኩ ዘለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ክህልው ግን ኣይንፈቅድን።’’

ክቡር ዶ/ር፡ ኣብ ኣመሪካ 25 ዓመት ከምዝተቐመጥካን ከምዝተመሃርካን ሓቢርካና ከተብቅዕ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ናይ እምነት ነጻነት ክህሉ ኣይከነፍቅድን ኢና ኢልካ ምምዳርካስ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ዘሕለፍካዮ ዓመታት ብምስትንታን ¨ካብ ምህሮስ ኣእምሮ¨ ዝብል ምስላ ኣበዋት ኣዘኻኺሩኒ። ብዘይ ሕንከት ንኣብ ምሉእ ዓለም ዘለው ኣገልገልቲ ሻሙናይ ዓስራይ ዝወድኡ ደናቑር ኢልካ ኣቆናጺብካዮም። ነቶም ዝሰምዑኻ ዝነብሩ እኳ ከይሓነኽካ ታሪኽ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣይትፈልጡን ኢኹም ብምባል ኣስተናዒቕካዮም ኢኻ። እዚ ዘረባ ካብቶም እተቖናጽቦም ዘለኻ ሰባት ንላዕሊ ንስነ-ልቦናኸ ዝቐልዐ ተረኽቦ እዩ።

ነየናይ ክፋል ሕብረተሰብና ብምውካል ኢኻ ኣይንፍቅድን ኢና ዝበልካ? ነቶም ብዙሓት ሰዓብቲ እዚ እምነት ዘይኮኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ውሑዳን ክትንሱኡን ክጭቁንዎም ምጽዋዕካ፡ ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም ብሕጊ ከሕትተካ ዝኽእል ናይ ጽልኢ ዘረባ(hate speech) ምኻኑ እንተዘኻኸርኩኻ ጽቡቕ እመስለኒ።

ኣቦታት ክምስሉ እንከለውስ ጸላኢ ጸለሎ ቀባኢ ይብሉ፡ ብዙሕ እንዳሰናዕካ ጠቐነታት ብምኹማር ኣብ ልዕሊ እቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝበጽሑ ሰዓብቲ ዘለውዎ እምነት፡ ናይ ጥፍኣት መለኸት ብምንፋሕካ ዘይኮነ ዘሕዝን፡ ክኢላ ዕርቕን ሰላምን እየ ኢልካ ህዝቢ ኣኪብካ፡ መርዚ ብምንዛሕካዩ እቲ ዘርምም። ‘’ኣንታ እዛ ዓዲ ሰብ ዶ ኣይብላን እዩ’’ ዝበሎ ኣማኒኤል ኢያሱ ኣዘኻኺሩኒ፡ ሰባትሲ ካዕበት፡ የግዳስ ካብ ጸቢብን ድሑርን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ሓራ ወጽዩ፣ ንርሑቕ ዝጥምት ራኢ ዘለዎ ለባም ሰብ ድኣ እዛ ዓዲ ተስኢንዋና እምበር። እቲ በሃሊ እኳ እንተዓገበ እቶም ሰማዕቲ እውን ነቲ ዘረባ ከየኮማስዑ፡ ነቲ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ሓደገኛ መልእኽቲ ዘይምቕላቦም እውን ዘተሓሳስብ እዩ።

ኣብ መደምደምታ ጽሑፈይ እምበር፡ ዶ/ር ኣብ ኣቐራርብኡ ሓሓሊፉ ባጫዊ ብምግባር ንሰማዕቱ ብሰሓቕ ክትውሖም ዝገበሮ ሃቐነ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ሰዓብቲ ኣመንቲ ፐንተኮስታልን ክቱር ንዕቀትን ጽልኣትን ከምዘለዎ ኣጒሊሑ ዘርኢ መዐየሪ ኮይኑ ረኺበዮ። ምናልባት ክቡር ዶ/ር ከምቲ ኣቦታት ክምስሉ ምስ ዓቢ ኣይትመድር ምስ ወዲ ሳላሳ ኣይትሰድር ኮይኑ ደኣ ነገሩ እምበር፡ በቲ ሓደ ንዕርቂ፡ በቲ ካልእ ድማ ንጭንቒ ካልኦት እንዳጸዋዕካስ፡ ከመይ ቢሉ ምስቲ ንስኻ እትሰብኮ ዘለኻ ዕርቅን እቕረ ምባልን ክጠዓዓም ከምዝኽእል ግዜ ሂብካ ሓሲብካ ኣሰላሲልካ ናብ መድረኽ ዝቐረብካ ኣይመስለንን።

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ኤርትራ ንለዉጢ እንቃለስ ዘለና ንሓደ ሓሲሙ ነቲ ካልእ ክርህዎ ኣይኮነን። ልዕላውነት ሕጊ ዝሰፈና፡ ወለዶታት ብሰላምን ቅሳነትን ዝነብሩላ ሃገር ንምህናጽ እምበር። ሓደ ካብዞም ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰል ድማ ናይ እምነት ነጻነት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ምውሓስ እዩ። ንፍተዎ ንጽልኣዮ ሰባት ንዝደለዩዎ ከምልኹ ኣድማሳዊ መሰሎም እዩ። ኣምላኽ ኣየድልየናን እዩ፡ ንሰይጣን ኢና ነምልኽ ዝብሉ እውን እንተመጹ፡ መሰሎም ክወሓሰሎም እዩ ዝግባእ። ነቲ ንሕና እነምልኾ ኣምላኽ ኣየምልኹን እሞ ነጥፍኣዮም ኢልካ ምስባኽ፡ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ISIS ካብዚ ሓሊፎም እንታይ ገይሮም። ስለዚ እምብርኣር፡ እቲ ዝሃብካዮ መግለጺ ደጊምካ ክትሰምዖን፡ ነቶም ወንጂልካዮም ጥፍኣቶምን ተመኒኻ ዘለኻ ኣመንቲ ፐንተኮስታል እቕሬታ ክትሓቶም እግብኣካ። ከምቲ ዝሰበኽካዮ እንተተጋጊና እቕረ ምብህሃል ንልመድ ኢልካ ኣለኻ እሞ፡ እስከ ባዕልኻ ጀምሮ እቲ ምህሮኻ። ነዚ ክትገብር ትብዓት እንተሲእንካ ግን፡ ናይ ዕርቂ ሃዋርያ ምኻን ተሪፍካስ፣ ንትዕዝብቲ ኮንካ ጥራሕ ከይትተርፍ እምሕጸነካ።

ቴድሮስ ኣብርሃም

Tedros1000@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • tarikh May 19, 2015

    Eritrean evangelicals are the most passive and docile elements in our community. The leaders are opportunistic half-bakes, who reign on lesslettered and submissive congregation.
    Evangelicals in the United States and other parts of the world are politicaly active and very assertive community. for example, they were instrumental in the election of George W Bush and the rise of neoconservative ideology in the United States.
    The leaders of Eritrean evangelical churches( except very few), have kept their congregation (though one of the worst persecuted elements in Eritrea ) off politics. When they espoused the new faith, they selectively left out the most resilient and spirited traits of evangelicalism and instead embraced the decadent passivism and individualism.
    Owing to their proselytizing tactics and their acceptances in the hands of Western governments, the size of Eritrean evangelical churches is growing every day, they are attracting the Youth who are leaving the country in mess. Nonetheless, the vast majority of the self serving evangelical leaders doesn’t have the Christian integrity and purpose to turn this tide into a potent political force. the numberless pastors should nurture the audacity to speak truth to power, resist the dictatorial system in Eritrea and involve their congregation in the affairs of the resistance politics of Eritrea.

  • Bereket May 23, 2015

    ዝነኣድ ትዕዝብቲ! ካብ ሓደ ዝተማህረ ሰብ ከምዚ ዓይነት ጸቢብ ዝኮነ ኣራእይ ዝተመልኣ ፈላላይ ኣስተምህሮ ክትሰም ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፥፥ እቲ ኣርእስትን ትሕዝቶን ዝገራጮ reconciliation ዝዓለመ ዘይኮነስ discrimination ዝተመልኣ እዩ፥፥ እዚ ካብ ኣጀንዳ ህግደፍ ዘይፍለ ንመሰልን ናጽነትን ዜጋታት ዝጉዕጽጽ መርዛም ኣብ ውልቓዊ ህይወቱ ዝገተሞርከሰ ፈላላይ ኣስተምህሮ፥፥ ተስፍ ይገብር ዶ/ር ምስግና ጌጋካ ተረዲእካ ይቕሬታ ክትሓትት፥፥

  • awlia berhe August 4, 2015

    IWAM NOT REL[GIOUS. nOT HAVING MUTI RELIGION IS NOT THE THE ISSUE , wE HAVE MORE THAN ENOUGH RLIGIONS
    MAY BE IS ENOUGH TO HAVE TWO .tHE REST IS JUST AS BRANCHES.DO NOT WEST YOU TIME TO CONVICE WHO IS RIGHT OR WRONG ,WENEED PEACE ERITREANS ARE MISSING THEIR NATURAL HOME. LETS COME TOGETHER AND SOLVE OUR DIFFERENCES

  • Habesha August 7, 2015

    Dear Mr Tedros Abraham,
    I think you are Pentecostal or evangelical follower. Wether you like it or not, Eritrean culture is shaped by Ethiopian Orthodox Church which renamed after Eritrean independence as Eritrean Orthodox Church. Now follow me, if you want to know the truth. One there are only two religions in Eritrean which are local(Eritrean) – Orthodox and Islam. they are both Eritrean religious organizations.

    What about the others? They are European Churches shaped by Eropean culture, greed and politics. There is no Eritrean Catholic church but a Roman catholic church in Eritrea. Church in Eritrea or Anglican Church in Eritrea. They are extensions of their base in Europe. They are not Eritrean Organizations. Do not be confused that because an Eritrean believes in Protestantism it doesn’t mean that the organization is Eritrean. It is foreigner so is its culture.

    So when Dr Misgina talked about culture it is about Eritrean culture. And Eritrean culture is shaped by Orthodox religion.
    If you are trying to raise an equality issue, there is no equality among unequal. Your religion, the organisation, is European while Orthodox is Eritrean.There for it is natural for the native religious organization to care about the culture of the people. Not the invaders.

POST A COMMENT