Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UPDATE: ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ቶኽስን ቅዝፈት መንእሰያት ተዓለምትን ኣብ ኣስመራ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥርን

ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ልዕሊ 'ቶም ናብ ዓሰብ ገጾም ዝጋዓዙ ዝነበሩ ተዓለምቲ መንእሰያት ቶኽሲ ከፊቱ ምዉታትን ቁሱላትን ምስገበሮም ህዝቢ ኣስመራ ተቖጢዑ ነቶም ግዳያት ብምድጋፍ ምስቶም ሰራዊትን ተዓለምትን ተሓዋዊሱ

ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ናብ ዓሰብ ገጾም ዝጋዓዙ ዝነበሩ ተዓለምቲ መንእሰያት ቶኽሲ ከፊቱ ምዉታትን ቁሱላትን ምስገበሮም ህዝቢ ኣስመራ ተቖጢዑ ነቶም ግዳያት ብምድጋፍ ምስቶም ሰራዊትን ተዓለምትን ተሓዋዊሱ ተቓውሞኡ ክገለጽን ከዕገርግርን ስለዘምሰየ፡  ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ኣዋፊሩ ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት ሓደ ግፋን ተፍትሽን ከካይድ ከምዝሓደረ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ወረ ቅትለትን ግፍዕን ናይቲ ስርዓት ናብ መላእ ሃገር በጺሑ፡ በቲ ኩነታት ዝተፈጥረ ወጥሪ ክሳብ ሎሚ 4 ሚያዝያ ቀጺሉ ብምውዓሉ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እቲ ኩነታት ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ከይምዕብል ብምስጋእ ንምሸቱ 46 ናይ ስለያ ጋንታት ኣብ ኣስመራ ኣዋፊሩ ኩነታት ይጸናጸን ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ብቕንያቱ ኣብ መላእ ኤርትራ ተፈጢሩ ዝቐነየ ከቢድ ኩነታት በዚ ናይ ትማሊ ቶኽስን ዕግርግርን ኩነታት ተነሃሂሩ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ኩነታት ተኣፋፊ ኮይኑ ከምዘሎ ‘ውን ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ እቲ ናይ ትማሊ ቶኽሲ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ካልኣይ መደበር ፖሊስ እዩ ኣምስዩ።

እቲ ብእከይ ተግባሩ ዘይቀሰነ ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኡ ዘሎ እኩይ ስርዓት፡ ከም ሓብሓቢ ናጽነትን ህዝብን ‘መበል 25 ዓመት ናጽነት ብሩራዊ ኢዮቨልዮ’ እናበለ ዳንኬራ ዝገብረሉ ዘሎ ምድላው ውራይ በንጻር ውጥኑ ነገር ከየምጽኣሉ ሰጊኡን ተጨኒቑን፡ ነቶም ደረት ኣልቦ ጊላነት ሃገራዊ ኣገልግሎት መሪሩዎም ነነዊሕ ዓመታት ኮብሊሎም ኣብ ከተማታት ዝጸንሑ መንእሰያት ፡ ንገሊኦም ብደሞዝ ቀሺሹ ንገሊኦም ገፊፉ ካብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን  መንእሰያት ክለቅም ከይደቀሰ ኣብ ዝወርሓሉ እዋን እዩ እቲ ካብ ኣስመራ ከርሕቖ ዝሓሰበ ሓደጋ ናብ ኣስመራ ተመሊሱዎ።

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
45 COMMENTS
  • senait April 4, 2016

    Lomi zeyketete
    Kota zeymekete
    Tarik albo eyu
    Bdewu kem zmote

    • Afo April 5, 2016

      You are right. Every Eritrean who consider him or her self as a true National now is the time to unite and raise their arms and money against this blood less dictator.
      MAY GOD HELP US TO FREE FROM THIS DARK AGE.

  • AHMED SALEH !!! April 4, 2016

    Issayas outsmart our people to deceive with self reliance rhetoric
    conviction in mid 1990’s when he repelled international agencies
    from the country before he started his dirty mission . Eritreans
    cries for help had been deserted far from outsiders reach not to
    get world attention .
    Didn’t he play us dirty ?

  • Iron gist April 4, 2016

    ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ

    ከምዚ ሒጂ ኣብ ኣስመራ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ብ1988 መጀመርያ 1989 በዚ ጹሉል ጭፍራ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ብሄረ ዓፋር ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ናይ ኣልማማ ሞት ከትርከልኩም ክንዝክሮ ዚግባኣና እዚ ፍጻመ ኣብ ድሮ ነጻነት ኢዩ።
    ሃገራዊ ጻዊዒት እብልዎ ንሳቶም ነቲ “ግፉ” ኣብቲ እዋን እቲ በዚ ናይ ግፋ መኽንያት ማለት ኣብ ኢንገል፡ዙላ፡ኣፍታ፡ኢራፋለ፡ቦርደለ፡መንካእሊለ፡ቡያ፡ገልኣሎ፡ዓከሎ፡ዓሳዒላ፡ሲሙቲ፡ባዳ፡ ኣብ ኢድ ደርጊ ስለ ዝነበረት ፎሮ ካብግፋ ዲሒና።
    እዘን ኣቀዲመ ዝጠቀስክወን ዓድታት ህዝቢ ዓፋር መንእስያተን ካብ ገዝኦም ካብ ሩባ መስተይ ጥሪቶምን በረኻን ካብ ገምገም ባሕሪ ካብ ጃላብኦም ኣብ ዘለውኦ ብምሕዳግ ተገፊፎም ኣብ እገልዓሎ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ዓፋር ንሳሕል ንክከይድ ብመራክብ ኣኩቦሞ።
    እንተኮነ ግን መንእሰያት ዓፋር ምሕንባስ ንፉዓት ምኻኖም ስለ ዝተፈልጠ ካብመርከብ ነነጢሮ ከይሃድምዎም ስለ ዝተጠራጠሩ ነቲ ሓሳብ ብምውንዛፍ እቲ ጉእዞ ብመንገዲ ዊዓ ሩባ ሓዳስ ማይ ሰራው ንጾሮና ገሮም ንሳሕል ንክዕለሙ ክወስድዎም ተወሲኑሲ እንደገና ንዓሳዒላ ኣብ ሓደ ሩባ ኣኪቦሞም።
    ለይቲ ከባቢ ሰዓት 9-10 ናይ ሚሽት መንእሰያት ዓፋር ክሃድሙ ፈቲኖም ብዝተላዕለ ቶክሲ ብዙሓት መንእሰያት ብትይት ተቀዚፎም። ክቀብርዎም ከምዝሓደሩ እቲ ሓላፍየይ ዝነበረ ብጋሂ እናስተንተነ ክነግረኒ እዝከረኒ።
    ብውሑዱ ካብ 100 ዘይውሕዱ መንእሰያት ተረሺኖም ኣብታ ለይቲ እትኣ መክንያቱ ብዓይነይ ኣነ ዝረኣክዎ ንጽብሕቱ እቲ ሩባ ብደም ሕብሩ ቀይሩ ጸኒሕና።
    እቲ ህድማ ግን ዕውት ነሩ ጸላም ከደኖ ብዙሓት ኣምሊጦም። ድሕሪ ሰሙን ኣቦታት ዓፋር ንባጽዕ ከይዶም ናብ ደርጊ ከይዶም ስለዝጠርዑ ውፍሪ ኣካይዱ ንብሙሉኡ ደንከል ተቖጺርዎ ህዝቢ ዓፉር ኣብ ጎኒ ደርግ ዓጢቁ ክንደይ ኩናት ተካይዱ ብዙሓት ዓፋር ክመቱ እዝከረኒ።

    • Selie Menghse April 5, 2016

      Ata entay ekum tblu zelekum tgadelu tbahilna zey ngadel ghbena knshifin eska bzuhu aynizareb
      eto bderghi ztereshenu ke ab ghezion enkelewu btanki zitereghetsu ke mear diyom telekyom.
      kedea agame ente koynka nay adika ghiber.

  • daniel tekle April 5, 2016

    nothing is gonna happen , as always , HGDF will continue to kill , people will just try to scape from the Country , it has been happening at least for the last 16yrs

  • Moki April 5, 2016

    Many victims of the regime’s ‘Ghifa’ are people who left the army, because they are tired of serving the corrupt officers. They are well trained but cannot defend themselves even when they have a gun in their hands. This is happening because there is no solidarity among them. They are all suffering but cannot act together. There is something wrong here, why is that people fail to react whey they see an innocent person like them is being targeted by the regime ?, where is humanity ?. The latter is missing in Eritrea. Till people learn to stand for each other, there will be many more victims while others continue to show indifference.

  • Mebrahtu April 5, 2016

    We hope this rebellion taes him away 4ever. Down Down dictator Isaias.

  • stefanos temolso April 5, 2016

    ኢሰያስ ዝወድቀሉ ግዜ እናተቓረበ ይመጽእ ኣሎ። ካብ ኣምሰራ ዝዘርቝ ዘሎ ሓበሬታ ከም ዝእምቶ፡ ጭፍራ ኢሰያስ ኣብዚ ክልተ ወርሒ እዢ እቲ ዝተመባጽዖ ደሞዝ ምውሳኽ እንተ ዘይተግቢሩዎ ከቢድ ተቓውሞ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣብ ሰራዊት ዘለዉ ኣዘዝቲ ይእምቱ። ዛጊት ብዘይካቶም ሎምዘበን ካብ ማይነፍሒ ዝተመረቑ ውሑዳት በቲ ሓድሽ ናይ ደሞዝ ስኬል ዝጀመሩ ካልኦት ወሰኽ ደምዞ ኣይተገብረሎምን። እዚ ድማ ነዞም ደሞዝ ዝወሰኾም ቍንጣሮ ንወጻእተኛታት ከም ሳምፕል ወይ መወከሲ እናኣቕረበ፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ኣጋልግሎት ዘይኮነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ዘሎ ንሱ ድማ ብደሞዝ ንምባል ክጥዕሞ መታን እዩ። ብሓጺሩ፡ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሰነ ውሳኔ ቅድሚ ምሃቡ እቲ ጭፍራ፡ “ተመልከቱ! ለውጢ ገይረ ኣለኹ፡ ስለዚ፡ ናብ ውሳኔ ኣይትብጽሑ፡” ብምባል ኣረኣእያ ማሕበረሰብ ዓለምዩ ክጥምዝዝ ዝፍትን ዘሎ። ጐድኒ ጐድኒ ናይዚ፡ ኣብ ከባቢ ባጽዕ 200 ሽሕ በርሚል ንመዓልቲ ከውጽእ ዝኽእል ዒላታት ተረኺቡ፡ ኤርትራ ገንዘብ ብገንዘብ ክትከውን እያ፡” እናበለ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ብሩራዊ እዮቤልዩ በዓል ናጽነት ብንጥፈት ክሳተፍ ጸቕጥን ፕሮፓጋንዳን የጽዕቕ ኣሎ። ከምዚ ዝርአ ዘሎ ግን ግብረ መልሲ ናይ ህዝቢ ኣዝዩ ድኹም እዩ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ቀኦሎጥጥቖ ከየድሃብና ሓድነትና ኣደልዲልና ኣንጻርቲ ስርዓት ብኣድማዕነት ክንቃለስ ሕድሪ ስዉእእት ከም ዘለና ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።

    • AHMED SALEH !!! April 5, 2016

      Lebamat kemzi kemakha yibzuhulna hawna Stifanos . Hanaxi mikhri nizni
      Semaee yehiyil . Kab zihalefe temokro temahirna ihi-mihi Ina tebahalna
      HADNET ERITRAWIAN nikhnemeskr ghizye yetelbena kem zelo nestebhel abzi
      zelenayo fetani medrekh dem ahwatna bikhentu enafesese niberaber deki Erey .
      Better to do something than feel guilty for our entire life .

    • Oromai Eritrea April 5, 2016

      stefanos temolso,

      says…
      “ኢሰያስ ኣብዚ ክልተ ወርሒ እዢ እቲ ዝተመባጽዖ ደሞዝ ምውሳኽ እንተ ዘይተግቢሩዎ ከቢድ ተቓውሞ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣብ ሰራዊት ዘለዉ ኣዘዝቲ ይእምቱ። ዛጊት ብዘይካቶም ሎምዘበን ካብ ማይነፍሒ ዝተመረቑ ውሑዳት በቲ ሓድሽ ናይ ደሞዝ ስኬል ዝጀመሩ ካልኦት ወሰኽ ደምዞ ኣይተገብረሎምን። ”

      ሓቁ እዩ ሓው እስጢፋኖስ ኣብ 1993 ¡እውን እንተኾነ ብደመዎዞም እዮም ሰራዊት ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ፣ናይቲ ህዝቢ ሕቶ, ተጋደልቲ ከለዉ ይኹን ሕጂ ብዙሕ ዘሕመሞም ኣይመስልን፣ኣነ እኳ ኣይገርመንን ስለ ዝፈልጦም፣እቶም ምእንታና ወጺኦም ትብልዎምከ እንታይ ይመስለኩም ፧

  • Teclay April 5, 2016

    The problem is in our brain
    What is new ? = Nothing .The same slaughter has been taken.Just as it has been done for the last 60 years ,and tomorrow will be the same unless we use our brain(if we have any ) and condemn this SHIFTNET from day one .

  • matusala April 5, 2016

    yes we died for our diginity for our independence, for our liberity . But now we are killed by the Tyrann regime. Lets uproot it with one sound. to say enough is more than enough.

  • Lilay April 5, 2016

    ኢሰያስ ክንብል ክንነብር። ነዞም ንጹሃን ኢሰያስ ኣይረሸኖምን፣ ዝረሸንዎም እቶም ዝሕልውዎም ዝነበሩ የእዱግ ዮም። ክትትኩስ ትኽእል ኢኻ ግን ንመረት ወይ ንላዕሊ ትትኩስ ኮይኑ ግና ነንሕድሕድና እንድሕር ንረሻሸነሉ ኮና ደኣ እንታ ገደሶ ኢሰያስ፣ ኮፍ ኢሉ ፊልም ዘይርኢ። ንሓድሕድና ተጨኻኺና፣ ኣብ ንሓድሕድና ኣራዊት ተቀዪርና። ኢሰያስ ክነብር ዩ ብዘይ ጸገም። ንሓድሕድና እንዳ ተባላዕናሉ፣ ድቅስ ክሓድር ዩ፣ ብላሽ ዝኾነ ህዝቢ። ተጋደልቲ ተጋደልቲ ትብሉ ረኣዩ በሉ፣ ኣገልግሎት ከመይ ይገብሩ ኣለዉ፣

    • halal April 6, 2016

      gibueka kab migibar tihingid intekoinka ezi keman kekelilu. men zihalewelka hager biselam kitinebir. gibueka tizingie intekoinka hiwetka win kitizingae mikuana filet.

POST A COMMENT