Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UPDATE: ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ቶኽስን ቅዝፈት መንእሰያት ተዓለምትን ኣብ ኣስመራ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥርን

ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ልዕሊ 'ቶም ናብ ዓሰብ ገጾም ዝጋዓዙ ዝነበሩ ተዓለምቲ መንእሰያት ቶኽሲ ከፊቱ ምዉታትን ቁሱላትን ምስገበሮም ህዝቢ ኣስመራ ተቖጢዑ ነቶም ግዳያት ብምድጋፍ ምስቶም ሰራዊትን ተዓለምትን ተሓዋዊሱ

ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ናብ ዓሰብ ገጾም ዝጋዓዙ ዝነበሩ ተዓለምቲ መንእሰያት ቶኽሲ ከፊቱ ምዉታትን ቁሱላትን ምስገበሮም ህዝቢ ኣስመራ ተቖጢዑ ነቶም ግዳያት ብምድጋፍ ምስቶም ሰራዊትን ተዓለምትን ተሓዋዊሱ ተቓውሞኡ ክገለጽን ከዕገርግርን ስለዘምሰየ፡  ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ኣዋፊሩ ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት ሓደ ግፋን ተፍትሽን ከካይድ ከምዝሓደረ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ወረ ቅትለትን ግፍዕን ናይቲ ስርዓት ናብ መላእ ሃገር በጺሑ፡ በቲ ኩነታት ዝተፈጥረ ወጥሪ ክሳብ ሎሚ 4 ሚያዝያ ቀጺሉ ብምውዓሉ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እቲ ኩነታት ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ከይምዕብል ብምስጋእ ንምሸቱ 46 ናይ ስለያ ጋንታት ኣብ ኣስመራ ኣዋፊሩ ኩነታት ይጸናጸን ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ብቕንያቱ ኣብ መላእ ኤርትራ ተፈጢሩ ዝቐነየ ከቢድ ኩነታት በዚ ናይ ትማሊ ቶኽስን ዕግርግርን ኩነታት ተነሃሂሩ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ኩነታት ተኣፋፊ ኮይኑ ከምዘሎ ‘ውን ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ እቲ ናይ ትማሊ ቶኽሲ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ካልኣይ መደበር ፖሊስ እዩ ኣምስዩ።

እቲ ብእከይ ተግባሩ ዘይቀሰነ ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኡ ዘሎ እኩይ ስርዓት፡ ከም ሓብሓቢ ናጽነትን ህዝብን ‘መበል 25 ዓመት ናጽነት ብሩራዊ ኢዮቨልዮ’ እናበለ ዳንኬራ ዝገብረሉ ዘሎ ምድላው ውራይ በንጻር ውጥኑ ነገር ከየምጽኣሉ ሰጊኡን ተጨኒቑን፡ ነቶም ደረት ኣልቦ ጊላነት ሃገራዊ ኣገልግሎት መሪሩዎም ነነዊሕ ዓመታት ኮብሊሎም ኣብ ከተማታት ዝጸንሑ መንእሰያት ፡ ንገሊኦም ብደሞዝ ቀሺሹ ንገሊኦም ገፊፉ ካብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን  መንእሰያት ክለቅም ከይደቀሰ ኣብ ዝወርሓሉ እዋን እዩ እቲ ካብ ኣስመራ ከርሕቖ ዝሓሰበ ሓደጋ ናብ ኣስመራ ተመሊሱዎ።

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
45 COMMENTS
  • Zeray April 4, 2016

    Eritreans under siege. It is sad the government is the number one enemy of the people. The citizens who should depend on their government for their security and safety it ( the government) instead has become the source of fear, intimidation and oppression.

  • Oromai Eritrea April 4, 2016

    መንእሰያት ኤርትራውያን፣

    እቶም ተጋደልቲ ካብ ትሕቲ ዓራት ጎሲሶም ናብ ውግእ ባድመ ከሕርዱኹም ክኸዱ ከለዉ ምንም ዘይበልና ወለድኹም ሕጂ እውን ትሕም ትሕም ኢልና ክንተርፍ ኢና።ደርሆ እኳ ኣብ ክንደይ ዓቕማ ንደቃ ካብ ሺላ ከተድሕን ኣብ ትሕቲ ክንፋ ትሓብኦም።ንሕና ኤርትራውያን ወለድኹም ግን ከነቃልዓኩም እንተዘይኴንና ኣይንሓልየልኩምን።ድሓር ክኣ ዝዓበየ ዋጢጥ ኣለና፣እዘን ዓጋመ ከመይ ኢለን ሓሊፈናና ይምዕብላ ዘለዋ የጕህየና ኣሎ።

    wey gud

    • Moki April 5, 2016

      “ንሕና ኤርትራውያን ወለድኹም ግን ከነቃልዓኩም እንተዘይኴንና ኣይንሓልየልኩምን።ድሓር ክኣ ዝዓበየ ዋጢጥ ኣለና፣እዘን ዓጋመ ከመይ ኢለን ሓሊፈናና ይምዕብላ ዘለዋ የጕህየና ኣሎ።”

      Oromai Eritrea

      አንታ መርዛም ባዓል በለስ: stop insulting the people.

      • Oromai Eritrea April 5, 2016

        Moki,

        ሓማሴናይ ቤላ ሮባን ደበላንን ይሸይጥ ፣እቶም ኣዝማድ ኣደይ ሰራየ ድማ ጣፍን ዓተርን ጠስምን ይሸጡ።እቶም እንዳ ዓባየ ማይቅኔጣል (ዓድዋ)ድማ ጌሶ ይሸጡ ኔሮም ሕጂ ኮምፕዩተራት ይሸጡ ኣለዉ።እቲ ዝተባህለ ንኹላትና ኣቦታት እዩ ዝምልከተና።ዝጸረፍኩዎ ህዝቢ የለን፣ ሓንቲ ኣደ ትፈልጥዶ,ኣነ ቅድሚ ወደይ ክስጣሕ ኣይትወስዱዎን ኢኹም ዝበለት ?፣ወይ እቶም ኣቦታት ዝኾንና ኣነ ወደይ ኣይህብን ኢልና በቲ ህግደፍ ዝሃበና ጠበንጃ ክንካላኸል?፣ምኽንያቱ ወይ ኣዕራብ ወይ ፋሽሽቲ ወይ ተምቤን እንተዘይሊኢኾምና ኣይንትኩስን ኢና።ብዙሕ ኣይትሕረቕ ነብሰይ ስለ ዝነቐፍኩ።

  • Gurmay berhene April 4, 2016

    Amlak mesta zi hizbi yewrdelom

  • tedros ghebar April 4, 2016

    hi ..its so sad day ..because that people so tired to live their country
    so the best things is you have to kick them for higdef. .otherwise always the same things .
    i guess higdef is counting doing like this until he burning

  • Meriam April 4, 2016

    What is it the Eritrean people waiting for and how long more is it needed to fight back?
    If this crimes and brutality was against the people of Somali or any other African people the leaders or the
    criminals wouldn’t stay one more day in power. But in Eritrea sadly people are too weak and opportunist to oppose. Even Amlak/God would only help the courageous and strong decisive people of this world.

  • miela tekie April 4, 2016

    Nzmotu mengste semayat nzelewu kea edmen tienan enber ezi rkus sriat kexntena u tebegisu

  • dictator April 4, 2016

    እዋይ ኢሰይያስ ወዲ ከልቢ ህዝበይ የጽንቶ ኣሎ፡፡ ንኪድ እንዶ ንዋጋኣዮ፡፡

    • awet ni hafash April 5, 2016

      Kkkkkkkkkkkkkkkk

    • stefanos temolso April 5, 2016

      ኣጆኻ! ተፍሳ ዘይምቍራጽ! ሓደ መዓልቲ ክወድቕ እዩ። ይትረፍ ኢሰያስ ስርዓት ሶቬት ሕብረት፡ሳዳም፡ መንግስቱ ከይተረፉ ወዲቖምዮም።

  • amanuel April 4, 2016

    KABZI CHEKAN ISEYAS N KORAKURUN DIA MOTN SIDETIN MAASERTIN TIRAY EYU ZITSIBEYENA HIZIBI ERITREA.BEJAKUM SIKH ELNA AYNCHEFCHEF GELE NIGBER.KAB ESEYAS NILAALI TAHATETI ETOM NATU KEDEMTI EKUM. KITIFIDEYIWA EKUM

  • Massawa April 4, 2016

    Warning:

    There will be a massive round ups – Gifa – in Asmara and most Eritrean towns soon all the way until May 24, 2016.
    This is from an insider information from Eritrea.

  • Setit April 4, 2016

    COULD IT BE THAT THE ARAB SPRING HAS FINALLY REACHED THE SHORES OF ERITREA??!!

    • Concerned Eritrawi April 4, 2016

      Sorry Serif,
      Eritrean are not Arabs. We are Africans not only that but we lost all the hero’s and the rest are just wishy washiy who are not worthy living. Oromai
      The country needs a savoir to save it and it’s people from the devil.

1 2 3 4

POST A COMMENT