Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UPDATE: ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ቶኽስን ቅዝፈት መንእሰያት ተዓለምትን ኣብ ኣስመራ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥርን

ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ልዕሊ 'ቶም ናብ ዓሰብ ገጾም ዝጋዓዙ ዝነበሩ ተዓለምቲ መንእሰያት ቶኽሲ ከፊቱ ምዉታትን ቁሱላትን ምስገበሮም ህዝቢ ኣስመራ ተቖጢዑ ነቶም ግዳያት ብምድጋፍ ምስቶም ሰራዊትን ተዓለምትን ተሓዋዊሱ

ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ናብ ዓሰብ ገጾም ዝጋዓዙ ዝነበሩ ተዓለምቲ መንእሰያት ቶኽሲ ከፊቱ ምዉታትን ቁሱላትን ምስገበሮም ህዝቢ ኣስመራ ተቖጢዑ ነቶም ግዳያት ብምድጋፍ ምስቶም ሰራዊትን ተዓለምትን ተሓዋዊሱ ተቓውሞኡ ክገለጽን ከዕገርግርን ስለዘምሰየ፡  ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ኣዋፊሩ ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት ሓደ ግፋን ተፍትሽን ከካይድ ከምዝሓደረ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ወረ ቅትለትን ግፍዕን ናይቲ ስርዓት ናብ መላእ ሃገር በጺሑ፡ በቲ ኩነታት ዝተፈጥረ ወጥሪ ክሳብ ሎሚ 4 ሚያዝያ ቀጺሉ ብምውዓሉ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እቲ ኩነታት ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ከይምዕብል ብምስጋእ ንምሸቱ 46 ናይ ስለያ ጋንታት ኣብ ኣስመራ ኣዋፊሩ ኩነታት ይጸናጸን ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ብቕንያቱ ኣብ መላእ ኤርትራ ተፈጢሩ ዝቐነየ ከቢድ ኩነታት በዚ ናይ ትማሊ ቶኽስን ዕግርግርን ኩነታት ተነሃሂሩ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ኩነታት ተኣፋፊ ኮይኑ ከምዘሎ ‘ውን ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ እቲ ናይ ትማሊ ቶኽሲ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ካልኣይ መደበር ፖሊስ እዩ ኣምስዩ።

እቲ ብእከይ ተግባሩ ዘይቀሰነ ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኡ ዘሎ እኩይ ስርዓት፡ ከም ሓብሓቢ ናጽነትን ህዝብን ‘መበል 25 ዓመት ናጽነት ብሩራዊ ኢዮቨልዮ’ እናበለ ዳንኬራ ዝገብረሉ ዘሎ ምድላው ውራይ በንጻር ውጥኑ ነገር ከየምጽኣሉ ሰጊኡን ተጨኒቑን፡ ነቶም ደረት ኣልቦ ጊላነት ሃገራዊ ኣገልግሎት መሪሩዎም ነነዊሕ ዓመታት ኮብሊሎም ኣብ ከተማታት ዝጸንሑ መንእሰያት ፡ ንገሊኦም ብደሞዝ ቀሺሹ ንገሊኦም ገፊፉ ካብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን  መንእሰያት ክለቅም ከይደቀሰ ኣብ ዝወርሓሉ እዋን እዩ እቲ ካብ ኣስመራ ከርሕቖ ዝሓሰበ ሓደጋ ናብ ኣስመራ ተመሊሱዎ።

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
45 COMMENTS
  • shengeb April 7, 2016

    Bijeka melihas meAanta zelewo tesaeinu. Ezi hadami generation tesifa yebilun. Hijiwun lewti kab wishti eiyu kemtsiE

  • keren April 11, 2016

    akilkum halewlew tray

POST A COMMENT