ዮሴፍ ገብሪሂወት ዚተባህለ ምሁር ኤርትራዊ ብዕለት ለይቲ 3 ሚያዝያ 2010 አብ ፓልቶክ „ኤርትራዊ ኣደራሽ ንሓያልነትን ሓድነትን ተቓወምቲ“ ዚተባህለ ቀሪቡ፣ መብርሂ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋቱን፣ ብዛዕባ ንፖለቲካዊ መጻብቦ ኤርትራ ኢሉ ዘማዕድዎ ፍታሕን ከብርህ ሐዲሩ። የግዳስ ሓው ዮሴፍ ከምቲ አብ ጽሑፋቱ ዘልመደና – ንኣብነት ከምቲ አብ ምቅንጃው ገድሊ ዚአመሰሉ ጽሑፋት- ብዙሕ ኣኻብሕ ታሪኽናን ጕዕዞ ገድልናን‘ኳ እንተአናጠጠ አብ መወዳእታስ ንኤርትራ ዚኸውን (ኤርትራዊ) ፍታሕ አየቕረበን።
ኣካያዲ ባንክ አርትራ ነበርን፡ ገዲም ተጋዳላይን፡ ናይ ስነ ቁጠባ ምሁርን፡ ኣቶ ተኪኤ በየነ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገርና ዝፈረዩ ቀለም-ጸገብ ባእታታት ሕብረተሰብና ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ፡ ብትእዛዝ መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሳያስ ካብ ስራሕ ደስኪሉ ይርከብ። ኣቶ ተኪአ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ኣቢሉ