ውሩይ ጋዜጠኛ፡ ጸሓፊ፡ መምህርን ናይ ቋንቋ ተመራማርን ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ነታ ኣብ ጋዜጣ ‘ሓዳስ ኤርትራ’ ሰፊሕ ህቡብነት ዝነበራ ‘ሓንቲ ዓለም’ እትብል ተነባቢትን ማራኺትን ናይ ትግርኛ ዓምዱ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ክቕጽላ ብምውሳኑ፡ demo.archive.assenna.com ብስማን ብስም ተኸታተልታን ‘ኣሰየ ኣሰና!’ ትብሎ። ምስኣ ሓቢርኩም፡ ንኣማኑኤል ሳህለ ‘መርሓባ !’ ከተባህሉዋ ኸኣ ብሓጎስ ትዕድመኩም።
ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ውልቀመለኽቲ ስርዓታት ኣፍሪቃ ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብዚ ዓመት’ዚ ጀሚሩ ክሳብ 2013 ዝኽፈል ናይ 120 ሚልዮን ይሮ ሓገዝ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክቕበል ምዃኑEuropeanVoice.com ዝብሃል ናይቲ ሕብረት መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ሎሚ 31 ሓምለ መጋብኣያኡ፡ 26 ሽሕ ወተሃደራትን ፖሊስን ዝሓቍፍ ሓባራዊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ናብ ዳርፉር ክለኣኽ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ።