በቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ፡ ብግብጺ ቀጺሉ፡ ኣብ ሊብያ ተጓሃሂሩ ንምልካውያን ስርዓታት ዝሰሃሎም ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብነታዊ ጽልዋ ኣስዒቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከይወስድ መታን ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብሓድሽ መብጽዓታት ንምሕባል ሓዱሽ ጎስጓስ ከካይድ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባሪ ተበጊሱ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
እቲ ኣይ ካብ ባይቶ ኣይ ካብ ጋዜጣ ኣይ ካብ ህዝቢ ሓታቲ ዘይብሉ፡ ከከም ኣተሳስኡ ባህ ዝበሎ ዝገብር ቀይዲ-ኣልቦ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ባዕሉ ተሓሲሙዎ ዝጸንሐ ውክልና ሕብረት ኣፍሪቃ ብምቕባል ከም ወኪሉ ከገልግሎ ንግርማ ኣስመሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኹዎ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጸን።
ኣብ ሊብያ ተጋቢኦም ዝቐነዩ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ነቶም ንግዝያዊ መግስቲ ሶማል ንምዕላው ጽዑቕ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ኣለዎም ተባሂሉ