መንእሰይ ኤርትራ፡ ከም ንቡር፡ መሪሕ ብድሆን ለውጥን ምንባሩ መግዛእትን ቃልስን ዝምስክረሉ ሕላገት ታሪኽ ኣለዎ። ኣቦታትና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣንን ከምኡ ‘ውን ሓርበኛታት መሳትኦም፡ ደረጃ ንቕሓት ህዝብና ለጠቕ ኢሉ ኣብ ዝነበረሉ ኣርብዓታት፡ ኣርዑት መግዛእትን ውሽጣዊ ምክፍፋላትን በዲሆም ነቲ ሰንኮፍ ዝነበረ ሃገራውነት ኣብ ምድልዳል ዓቢ ተራ ክጻወቱ ኸለዉ መንእሰያት እዮም ነይሮም።
ቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ንግዚኡ ክንጠቕሶ ኣብ ዘይደለና ሃገር ወጻኢ ዑቕባ ዝሓተቱ ኣባላት ሓይሊኣየር ኤርትራ 19 በጺሑ ከምዘሎ፡ ገለ ካብኣቶም ምስ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓጺር ቃለመጠየቕ ኣረጋጊጾም።
ልክዕ ከምቲ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ’’ጥጡሕ ቦታ ተዳልዩልኩም ኣሎ’’ ብዝብል ጉልባብ ምልዮናት ህዝቢ እስራኤል ናብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ወሲዱ ዘጥፈኦም፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ናብ ልሙዕ መሬት ክወስደኩም የ“ ብዝብል ጉልባብ፡ ኣብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ጋሽ ባርካ፡ ዲጋ ገርሰት፡ ብሓይሊ ንምግዓዝ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባር ይሸባሸብ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ብመጀመርያ ካብቲ ስጋ ሰብ ለበስ ኣራዊት ስርዓት ህግደፍ ብሰላም እንቓዕ ወጻእካ ክብለካ ይፈቱ ብምቕጻል አቲ ኣራዊታዊ ባህርያት ህግደፍ ብጭብጥታት ኣሰኒኻ ብምቕላዕካ ምስጋና ይግብኣካ:: እዚ ድማ ሓደ ዓቢ ነገር አዩ:: ኮይኑ ድማ እዚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ምዃኑ እዩ ምኽንያቱ ኣብ ዓለም መንግስታት ይኹኑ ውልቀሰባት ሎሚ ውሃ ዘበለ ብዓይነቱ ብዓይነት ኣባላቱን ቤት ትምህርትታት ክሰርሑ ድቓስ ዘይብሎም ይሓድሩ ኣለዉ ኣብ ኤርትራ ድማ ውሃ ዘበለ ኣብያተ ማእሰርትታት ክሰርሑ ከይደቐስካ ምሕዳር እዩ:: እቲ ኢሰብኣዊን ጨካን ኣተሓሕዛን ድማ ብኡ መጠን ይዛይድ ግና ይንዋሕ ይሕጸር ካብ ተሓታትነት ከምዘይሃድሙን ፍረ ዕብዳኖም ድማ ክሓቕፉ ምዃኖም ጊዘ ባዕሉ ከርእየና እዩ::