ዲክታቶር ኢሰያስ፡ ብጉልባብ መበል 18 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ “ቃለመጠይቕ ኣግብሩኒ’’ ኢሉ ምስ ዝዓደሞም ማዕከናት ዜና በብተራ ቃለ ኑዛዜ ይፍጽም ኣሎ

መራሒ ኤርትራ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ካብ መጀመርታ ሰሙን ናይ’ዚ ወርሒ እዚ ጀሚሩ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ቃለመጠይቕ ዝህቦ ዘሎ መልስታት፡ ከምቲ ልሙድ ብሓሶትን ባዶ ዘይጭበጥ ሕልማዊ ውጥናትን ዝተረቕሐ ኮይኑ፡ ንምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዓይኒ ዘንቁር ሓሶታቱ ህዝቢ ኤርትራ ከይሰምዖ ምእንቲ፡ በቲ ምእዙዝ ኣገልጋሊኡ ዝኾነ ሚኒስትሪ ፕሮፖጋንዳ ተመሪጹን ተቘንጪሉን ንሃልኪ ውሽጢ ይቐርብ ከምዘሎ ምንጪታት ሚኒስትሪ ዜና ኣፍሊጦም።
ተቐማጦ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ እትርከብ ዓዲ ቆልዓ ሰበይትን ሰብኡትን ንብረቶም ጠርኒፎም ብስቱር ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። 

ኣብቲ ካብ 12 ክሳብ ሎሚ 14 ታሕሳስ ኣብ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ “ብኽፍሊ ጸጥታ ዝቐረበለይ መጽናዕታዊ ሓበሬታ”፡ ኢሉ ዘቕረቦ ነቲ ተዋዓዊዑ ዘሎ ምልዕዓል ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ፡ ንካቢነ ሚኒስተራት ኣስደሚሙዎን ኣሰምቢዱዎን። እቲ ምልዕዓል ብጎነጽ ክፍታሕ ኢሳያስ ዝመረጾ መርገጺ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ግን እቲ ኣኼባ ኣብ ደገፍትን ተቓውምትን ተገማሚዑ፡ ይብሉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ።