ግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ሸፊልድ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሃለቑ ልዕሊ 330 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ብዝወሰድዎ ተበግሶ ንክብሮም ናይ ሽምዓ ምብራህን ካልእን ንቀዳም 30/04/2011 መደብ ኣዳልዮም ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ሃይማኖትን ካልእ ካልኣዊ ውልቃዊ ፍልልያትኩም ኣወጊድኩም ኣብዚ መደብ ክትሳተፉ ብክብሪ ትዕደሙ ኣለኹም።
ህዝብና ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዘጋጠመ ደረት ኣልቦ ቅዝፈት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ መሪር ሓዘን ይርከብ። ሞት ናይዞም ኣስታት 400 ኤርትራውያን ዕሸላት ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራውን ንማሕበረሰብ ዓለምን ኣስካሕኪሕዎን ኣንቀጥቂትዎን እዩ። እህህ ኢልና ኣምሪርና ሓዚና እኳ እንተኾንና እቲ ጓሂ ግና ክወጽኣልና ኣይከኣለን።