ድምጺ ኣሰና ነቲ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓምዲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት ሃገርና ንምግምጋም ዝጀመረቶ ሓባራዊ ዘተ ንቐዳም 21 ግንቦት ‘ውን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከተካይዶ ምዃና ንተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ትሕብር።
ድምጺ ኣሰና ነቲ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓምዲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት ሃገርና ንምግምጋም ዝጀመረቶ ሓባራዊ ዘተ ንቐዳም 21 ግንቦት ‘ውን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከተካይዶ ምዃና ንተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ትሕብር።
ድምጺ ኣሰና ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ተመክሮ ሃገርና ኣብ ኩሉ መዳያት ንምግምጋም፡ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ብዝብል ኣርእስቲ ንዝጀመረቶ ፍሉይ መደብ ሓባራዊ ዘተ ብምቕጻል፡ ጽባሕ ቀዳም 14 ግንቦት፡ ኣብ ኣትላንታ፡ ‘ናጽነት ሃይማኖት’ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ክትድህስስ እያ።
ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ 400 ንጹሃት ኤርትራውያን ዝተዳለወ መደብ ንቐዳም 23 ሚያዝያ ኣብ Handworth Park B21 ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ ሰዓት 6፡00 -8፡00 ምሸት እዩ።
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ገረገር ( Gereger) ሓባሪ ብዝብል ስም ዘውጽኦ፣ ኤሪ ቲቪ አብ ሃይደልበርግ ተጸፊዓ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን ትንክፍ ኣቢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ ፡ ኣነ ውን ምቕማጠይ ኣብዚ ኸባቢ ከም ምዃኑ መጠን ቁሩብ ወስ ከብል ኣፍቁዱለይ።
ምሓዙት ኣሰና ጨንፈር ዓዲ እነግሊዝ ኣሰና ሜድያ ፍውንዴሽን ንምሕጋዝ ቶሺባ ዝዓይነታ ላብቶብ ገዚኡ ክግበሮ ዝጸንሐ ሎቶሪ ንዕለት 30 ግነቦት 2010 ስዓት 6.00ድቀ ኣብ ከባቢ ሰቶክዌል ስቴሽን ክትወድቕ ወሲኑ ኣሎ. ኩሉኹም ትኬት ዝገዛእኩም ንመን በጽሓቶ ብዓል ዕድል ንምምስካር ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም.