22 Mar 2011 !! መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልክዕ ከም’ቲ ዕቡድ ዓርኩ ቓዛፊ ብፍርሒ ስለዝወሓጡን ዝረግጹዎን ዝዛረቡዎን ኣይፈልጡን: ወግዓዊ ብዘይኮነ ንህዝቢ ንምድንጋር መዓልታዊ ንርእዮ ዘለና’ዩ፡፡ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዑሎም ልቢ ዘለዎ ኩሉ ሓኒኹ: ንክብርን መሰል እምነትን ካህናትን ደናግልን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስታያን ዝግህስ ሓድሽ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓላሊፉ።
ውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ብስርዓት ህግደፍ ወለንታዊ ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾም ካብ ኤርትራ ክወጹ ተኣዚዞም ዘለዉ፡ ኣባላት ‘ሓካይም ንሰላም’ Physicians For Peace ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብ ጆርጅ ዋሺንግተን ዩኒቨርሲቲ (George Washington University) ተላኢኾም ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ክህቡ ዝጸንሑ ኣባላት ቤትምህርቲ ድሕረ ምረቓ (Post Graduate School for Paediatrics and Surgery) ‘ውን ከምዘለዉዎም ካብ ኣስመራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ድሕሪ 24 ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከይቃላሕ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ጥብቂ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።