ብስርዓት ህግደፍ ወለንታዊ ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾም ካብ ኤርትራ ክወጹ ተኣዚዞም ዘለዉ፡ ኣባላት ‘ሓካይም ንሰላም’ Physicians For Peace ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብ ጆርጅ ዋሺንግተን ዩኒቨርሲቲ (George Washington University) ተላኢኾም ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ክህቡ ዝጸንሑ ኣባላት ቤትምህርቲ ድሕረ ምረቓ (Post Graduate School for Paediatrics and Surgery) ‘ውን ከምዘለዉዎም ካብ ኣስመራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሰብ ዘለዎን ዘይብሉን እናበለ ህዝቢ ብምፍልላይ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ሰብ ኣለዎም ዝበሎም ብኩቦን ሃለኽቲ ናይ ምግዛእ መሰሎም መንዚዑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበር ህዝብን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ቤተሰቦምን ተወሳኺ ጸቕጢ ብምፍጣር ገንዘብ ንምኽዕባት፡ ተንኮላዊ ውጥን ኣዋዲዱከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝራሕረሐ፡ ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዘገልግል ዝነበረ ተጋዳላይ ግርማጼን ዘርአ ባይራይ፡ ህቡብ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ብውሳኔ “ፕረዚደንት” ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተቐትለ ምስ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ ኣረጋጊጹ።