እቲ ንኤርትራ ምስ ህግደፍ፡ ንኤርትራዊ ዜግነት ከኣ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ኣዳሪጉ ዝርኢ፡ ሃገር እናጥፍአ ብስም ሃገራውነት ክሽቅጥ ዝነብር ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ንሱ ዝወደቦ ደገፍቱ ጥራይ ዝሳተፉዎ ጽምብል ናጽነት ወጻኢ ብኻልኦት ሃገራውያን ንዝካየድ በዓል ናጽነት፡ “ ናይ ምምቕቓል” ካኼባ ምዃኑ ብምዅናን፡ ኤርትራውያን ከይሳተፉዎ ከምዝወገዘ፡ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ብዝዘርግሖ ደብዳበ ተረጋጊጹ።
ከም ኣብነት ናይዚ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ናብ ሽማግለ ብዓላት ኣትላንታ ዝለኣኾ ደብዳበ ተመልከቱ።
ኤረትራዊት ወንጌላዊትን ዘማሪትን ሄለን ብርሃነ ብዛዕባቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮንተይነር ማይስርዋ ክሳብ ሃለዋታ እተጥፍእ ምቕጥቀጥን ኩሉ እቲ ዘጋጠማ ግፍዕታትን ብከመይ ትጸሮ ከምዝነበረት ተሓቲታ ክትምልስ ከላ ከምዚ ዝስዕብ ትብል፡ ከም ሰብ ክትጸሮ ብጣዕሚ ከቢድ ኢዩ፤ ዕላማ ግን ንኹሉ ኢዩ ዘኽእለካ፤ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ብዙሕ ኢዩ ዝሕግዘካ ትብል። እቲ ቀንድን ካብ ኩሉ ዘሕዝነን፡ ሎሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ፡