22 Mar 2011 !! መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልክዕ ከም’ቲ ዕቡድ ዓርኩ ቓዛፊ ብፍርሒ ስለዝወሓጡን ዝረግጹዎን ዝዛረቡዎን ኣይፈልጡን: ወግዓዊ ብዘይኮነ ንህዝቢ ንምድንጋር መዓልታዊ ንርእዮ ዘለና’ዩ፡፡ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዑሎም ልቢ ዘለዎ ኩሉ ሓኒኹ: ንክብርን መሰል እምነትን ካህናትን ደናግልን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስታያን ዝግህስ ሓድሽ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓላሊፉ።
ኣብ መዓስከር ወተሃደራዊት ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝርከብ፡ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ብዕስክርናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምብካል ዝነጥፍ ቤትምህርቲ ከገልግሉ ዝጸንሑ መማህራን ብብዝሒ ናብ ስደት ስለዘምለጡ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዘጋጥሞ ሕጽረት መማህራን ንምትካእ፡ ኣብቲ ቤትምህርቲ ክማሃሩ ካብ ዝጸንሑ ሓያለ ተማሃሮ መንእሰያት ብሕርያ ኣትሪፉ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ገለ ወለዲ ካብ 1ይ ዙርያ ጀሚርና ደቅና በብጊዚኡ ዝለኣኽና ንህሉ ንኸውን። ንሕሰቦ ክሳብ 21 ዙርያ፣ ሓንቲ ዓመት እንተሓለፈት ሓንቲ ተርክብ። እዚ ነቶም ወፋሮ ተማሃሮ ጥራይ ዘይኮነ ንወለዲ ክሳብ ክንደይ ኣብ መነባብሮኦም ቅልውላው ከምዘእትወሎም ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ መንግስታዊት መደበር ቴሌቪዥን ኤርትራ “ኤሪ-ቲቪ”፡ ኣገልግሎት ቋንቋ ዓረብ፡ ኣቕራቢት ዝነበረት ጋዜጠኛ ፋትሕያ ኻልድ፡ ካብ ቅድሚ ወርሒ ጀሚራ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ተኣሲራ ከምዘላ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።