ኩልና ከም እንፈልጦ ስውኣትና ወትሩ አብ ዝኽርና ምህላዎም እዩ። እንተ ኮነ ግን 20 ሰነ ነቶም እዛ ሎሚ ሃገረ ኤርትራ እናተባህለት ትጽዋዕ ዘላ ሃገር እቲ ዝግባኣ ክብርን ስፍራን አብቲ ናይ ዓለማዊ ካርታ ንኽትውንን ግብራዊ ዝገበሩ ንጹሃን ሰማእታት ኤርትራ ብኽብርን ብድምቀትን እንዝክረላ ረዛን ዕለት እያ።
ኩልና ከም እንፈልጦ ስውኣትና ወትሩ አብ ዝኽርና ምህላዎም እዩ። እንተ ኮነ ግን 20 ሰነ ነቶም እዛ ሎሚ ሃገረ ኤርትራ እናተባህለት ትጽዋዕ ዘላ ሃገር እቲ ዝግባኣ ክብርን ስፍራን አብቲ ናይ ዓለማዊ ካርታ ንኽትውንን ግብራዊ ዝገበሩ ንጹሃን ሰማእታት ኤርትራ ብኽብርን ብድምቀትን እንዝክረላ ረዛን ዕለት እያ።
ሰነ 20 መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ትማሊ ቀዳም ኣብ ከተማ ሊድስ ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ መደብ ብማሕበረ ኮም ኤርትራ ከተማ ሊድስ ዝተወደበ ኮይኑ ኣዳራሽ ብምክራይ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቀማጦ ከተማ ሊድስ ብእዋኑ ናብቲ ንመራኸቢ ዝተመደበ ቦታ ብምውሓዝ ሓቢሮም ንሰማእታቶም ብሕልና ዘኪሮም ኣምስዮም። እዚ ኣብ ከተማ ሊድስ ንመበል 4ይ ዓመቱ ተዘኪሩ ዝውዕል ዘሎ ክቡር ዕለት ከምቲ ልሙድ ሽምዓ ብምብራህ ንሕድርን ለበዋን ጀጋኑ ሰማእታት ዘንጸባርቕ መዝሙር ተዘሚሩ መደረታት ብዝተፈላለዩ ወልቀሰባት ድማ ተሰሚዑ።
ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ መሰልና ደሊና፡
ብግዝያዊ ተክኒካዊ ምኽንያት፡ ንፈነወ ኢንተርነት ድምጺ መሰልና ደሊና ኣብ ዓዋተ.ኮምን ኣሰና.ኮምን ክትከታተሉዎ ከምእትኽእሉ ብትሕትና ነዘኻኽረኩም።
ንዓዋተ.ኮምን ንኣሰና.ኮምን ብዝገበሩልና ምትሕብባር ነመስግን።
ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ መሰልና ደሊና፡
ብግዝያዊ ተክኒካዊ ምኽንያት፡ ንፈነወ ኢንተርነት ድምጺ መሰልና ደሊና ኣብ ዓዋተ.ኮምን ኣሰና.ኮምን ክትከታተሉዎ ከምእትኽእሉ ብትሕትና ነዘኻኽረኩም።
ንዓዋተ.ኮምን ንኣሰና.ኮምን ብዝገበሩልና ምትሕብባር ነመስግን።
20 ሰነ መዓልቲ ስማእታት፡ ኣብ ከተማ ከለን ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተዘኪራ ውዒላ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ 20 ሰነ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ትርጉም ህላወና ብኣእሙሮና እንምርምረሉን ነቲ ንኽብሪ ሃገር ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዝገበርናዮ ካሕሳ እንመዝነሉን ብምዃኑ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ…” ኢሉ።