መዘኻኸሪ ንበጻሕቲ demo.archive.assenna.com
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ demo.archive.assenna.com ፡ መርበብ ሓበሬታ demo.archive.assenna.com ብዘይጸገም ግቡእ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ትርከብ ኣላ። ብፍላይ እቶም ብመንገዲ ሊንክ ናይ ዓዋተን መስከረምን ን demo.archive.assenna.com ከተንብቡዋ እትፍትኑ በቲ መንገዲ ‘ቲ እንተዘይረኸብኩማ ኣይትሻቐሉ። ጉድለት demo.archive.assenna.com ኣይኮነን፡ ጉድለትኩም ‘ውን ኣይኮነን። ብኡ ኣቢልኩም ክትኣትዉዋ ዘይከኣልኩሙሉ ምኽንያት ክልቲኦም ዌብሳይታት ዓዋተ ኮነ መስከረም URL ኣድራሻ demo.archive.assenna.com ብጌጋ ጽሒፎሞ ስለዘለዉ እዩ።

ሙሴ ኤፍሬም ዝባሃል ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ዜጋ ኣባል ጸጋማዊ ሰልፊ (Vänsterpartiet) ዝኾነ፡ ኣብዚ ጽባሕ (7 ሰነ 2009) ዝውዳእ መዓልቲ ምርጫ፡ ንፓርላማ ኣውሮጳ ይወዳደር ከምዘሎ ክነላልየኩም ንደሊ፡፡ ኩሉኹም ኣብ ሽወደን ትቕመጡ ኤርትራውያን፡ መሰል ምርጫ ዘለኩም፡ ድምጽኹም ነዚ መንእሰይ ንክትህብዎ ነዘኻኽር። እቶም ከተድምጹ ዘይትኽእሉ ድማ፡ ከድምጹ ንዝኽእሉ፡ የዕሩኽትኹምን ቤተሰብኩምን ድምጾም ንሙሴ ኤፍሬም ክህቡ ከተተባብዑዎም ነዘኻኽረኩም።