ንመደምደምታ ስምረት ሰለስተ ውድባት ማለት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖም ንሕብር። ቀንዲ ዕላማ’ ናይ’ቲ ዋዕላ፡ ኣባላት ሰልስቲኡ ውድባት/ሰልፍታት ነንሕድሕዶም ንኽላለዩን፣ ርኢቶን ለበዋን መሰረታት ኣብ’ቲ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ ዝወርሐ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ቅዋም ሰልፍን ጸሚቝካ ናብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መጸናበሪ ጕባኤ ንምቕራብ እዩ።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ሎሚ 31 ሓምለ መጋብኣያኡ፡ 26 ሽሕ ወተሃደራትን ፖሊስን ዝሓቍፍ ሓባራዊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ናብ ዳርፉር ክለኣኽ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምፍታሕ መሪሕ ተራ ክጻወት ከምዝጸውዐ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ (AFP) ኣፍሊጡ።