ሓው ዮሴፍ ሒደት ይኸውን ‘ምበር ኣንቢበ ኢየ ውሑድ መዓልታት ይኸውን ‘ምበር ኣዝዮም ዘድንቖም በላሕትን ፈላጣትን ሰባት ብተመስጦ ክዛረቡን ክምድሩን ከስተምህሩን ሰሚዐ ኢየ በቲ ይኹን በቲ ግን ኩሉ እቲ ጣቛ እቲ ቛንቛ መሰረቱ ህዝቢ ኢዩ ሕምረት ናይ’ቲ ምግዳል
ሓው ዮሴፍ ሒደት ይኸውን ‘ምበር ኣንቢበ ኢየ ውሑድ መዓልታት ይኸውን ‘ምበር ኣዝዮም ዘድንቖም በላሕትን ፈላጣትን ሰባት ብተመስጦ ክዛረቡን ክምድሩን ከስተምህሩን ሰሚዐ ኢየ በቲ ይኹን በቲ ግን ኩሉ እቲ ጣቛ እቲ ቛንቛ መሰረቱ ህዝቢ ኢዩ ሕምረት ናይ’ቲ ምግዳል
ብመጀመርያ ነቶም ብዘይ ምስልካይ ንድርሰት ምቅንጃው ገድሊ ሓው ኣቶ ዮሴፍ ገብሪህይወት ነቢቦም ብብቕዓትን ክእለትን ዝመለሱ ብፍላይ ከኣ ሓው ሳልሕ ዮኑስ በቲ ሓው ኣቶ ዮሴፍ ገብሪህይወት ንነብሱ ከም ውጺኢት ምዕራባዊ ዓለም ወሲዱ ህላዌ መንነቱ ብምኽሓድ ልዕሊ እቶም ዋናታት ቛንቛ እንግሊዝ ዋና ብምዃን ኣብ መርበባት ሓቤረታ ኤርትራውያን ዱድ ዝብለሉ ዝነበረ ቛንቛ እንግሊዝ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ
ዮሴፍ ገብሪሂወት ዚተባህለ ምሁር ኤርትራዊ ብዕለት ለይቲ 3 ሚያዝያ 2010 አብ ፓልቶክ „ኤርትራዊ ኣደራሽ ንሓያልነትን ሓድነትን ተቓወምቲ“ ዚተባህለ ቀሪቡ፣ መብርሂ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋቱን፣ ብዛዕባ ንፖለቲካዊ መጻብቦ ኤርትራ ኢሉ ዘማዕድዎ ፍታሕን ከብርህ ሐዲሩ። የግዳስ ሓው ዮሴፍ ከምቲ አብ ጽሑፋቱ ዘልመደና – ንኣብነት ከምቲ አብ ምቅንጃው ገድሊ ዚአመሰሉ ጽሑፋት- ብዙሕ ኣኻብሕ ታሪኽናን ጕዕዞ ገድልናን‘ኳ እንተአናጠጠ አብ መወዳእታስ ንኤርትራ ዚኸውን (ኤርትራዊ) ፍታሕ አየቕረበን።

ናብ ኸበርካ ሓውና ምናሴ ዮሴፍ:
ሎሚ ህዝቢ ኤሪትራ አብ ክልተ ተከፋፊሉሉ አብ ዘሎ እዋን ጸግኢ ናይ ደግፍቲ ስርዓት ኢሰያስ ወሲድካ አብቲ ብደግፍቲ ዲክታቶር ኢሰያስ ዝፍኖ ናይ ረድዮ መደብ ምስ ሓደ ብጻይካ ” ብስጋ ሓውኻ ” ቀሪብካ ሓቂ ክትደፍንን ነቲ ነውራምን ሕማቕን ተግባራ ናይ ደገፍቲ ኢሰያስ ክትሸፋፍንን ብጋዜጣታት ሽወደን ንዘይተባህለን ንዘይተጻሕፈን ከምዝተባህለን ከምዝተጻሕፈን አምሲልካ መልስን ትንታኔን ክትህብ ምፍታንካ ንብዙሓት ኤሪትራውያን ዘሕዘነን ዘቆጠዔን ስለዝኾነ ነቲ ዝበልካዮ ሓደ ብሓደ ብፍላይ ነቶም ክትዛረብ ከለኻ ዘይሰሙዑካን ክሰምዑኻ ዕድል ንዘይረኸቡን ከነብርሃሎም ክንፍትን ኢና::
ምጽብባቕ ገድሊ ዘይኮነ፡ በንጻሩ ኣብ ክንዲ ተወፋይነት በለጽ ምንጋሱ እዩ ቀንዲ ሽግርና።