ቁምነገርዘይብሉ ቃለ-መሕተት
ቁም ነገር ዘይብሉ ቃለ-መሕተት
ዓመት ኣተወት
ዓመት ወጸት
ኣለኹ ማለት
ትልኽ ፍሕትሕት
ፍርቂ ነብስኻ ኣብ ሞት
ፍርቂ ነብስኻ ኣብ ህይወት::
እግሪ ተሸሚሙ እንክሎ ኣብ ደልሃመት
ዓይኒ ሒዙ ቀሪቡ ክጽልምት
ዓወንወን ኮይኑ ጠፊኡካ ኣንፈት
ኣብ ገምገም ኰንካ ኣብ ኣፈፈት
ብትዕቢት ተነፊሕካ ብንዕቀት
ነውሪ ገዚኡካ ዕሽነት
ሰናይ ርሒቑካ ተዋሒጥካ ብኽፍኣት
ጭካነ ለቢስካ ጠፊኡካ ለውሃት
ክትንዕቕ ትሑታት
ከተንቋሽሽ ዕውታት
ክትኣልም ትሓድር ክትፍሕስ ተንኮላት
ከመይ ኢልካ ክትሕብሕብ ከተዐንግል ስኡናት
ካብ እሾኽዶ ተቐንጢቡ ሸዊት
ህዝቢዶ ከይረክብ ካባኻ ሓልዮት
ፍጥረት ሰብ ዘይብልካ ርጉም ኣራዊት
ተስፋ ኣቕቢጽካዮም ጠፊኦም ዕሸላት
መኻናት ጌርካዮም መሳኪን ወላዳት::
መሰረት ኣልቦ ከንቱ መብጽዓታት
ሓቂ ዘይርከቦ ብዘይካ ሓሶት
ካብ ጁባኻ እናአውጽካ - እናኣበልካ ምሽት
ፍጹም ዘተጻሕፈ ዘየሎ ኣብ ሰነዳት
ማንም ዘይፈልጦ ዋላ ሚኒስተራት
ዘተሓስበ ዘይተወጠነ ኣብ መደባት
ካን ዘዝመጻልካ ስቕ ኢልካ ምህውታት
ዒራ መን ከይሓትት ምስ ሓለፈት እዛ ዕለት
ክግምግም ናይ ዝሓለፈ ክሓትት ጸብጻባት:
ንግዜኡ ቶሽ ምባልዩ ብምዖሮ ብኻዕበት
“በልስከ መልሲ ሃብ ብዝዕባ ኣባይቲ
እንታይ እዩ መድብካ” ጀምረ ሓታቲ
እና ኣንበበ ካብ ወረቓቕቲ
ከይጋገ እናኣንቀጥቀጠ ከይኣቱ ቤት ማእሰርቲ::
ከም ቀደማ ሕጀዎን ናይ ሓሶት ማሕፉዳ
መሊኣ እያ ዘላ ግሩም ተሰጉዳ
ከተቐብል ጀመረትፍጹም ከይደበዳ
“ቅድም ንተጋደልቲ”
ክስራሕ ኣለዎ ኣባይቲ
ነቶም ዘገልገሉ ነቶም ውጽዓት
ከርተት ዝበሉ ከምጽኡ ነጻነት
ክንክሕሶም ኢና በዚ ሎሚ ዓመት
ሓታታይ ኣስደሚምዎ
ርእሶ ምንቅናቅ ግና ኣኽኢልዎ
ብዝሃቦ መልሲ ኣዝዩ ከም ዝዓገበ
ናብታ ትቕጽል ሕቶ ሰገረ ገለ ከየሶዓበ
ኣነሞ ቅጭ