Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዲ ዓሊ ጅግና

ወዲ ዓሊ ጅግና ብፍረወይኒ ገርጊሽ ካብ ሳን-ፍራንሲስኮ ካሊፎርኒያ 19 ጥሪ 2014 ድሮ ዓመት ጌሩ ስርሒት ቅያኻ ከመይ’ዩታ ኔሩ ትብዓት ጅግንነትካ ታንክታት ኣምሪሕካ ፎርቶ ዝደየብካ እንታይ’ዩ ኸ ኔሩ ምስጢር ዕንቅፋትካ   ኣሻብ ወሲኖም ንበይኖም ክኸዱ ዘልሓጥሓጥ ዝኣመሎም ጥዑም ዝለመዱ ቃልሲ ናይ ሓርነት ከምኡ’ዩ መንገዱ ገሊኦም ንህዝቦም ብመስመር ዝኸዱ ገለ

ወዲ ዓሊ ጅግና

ብፍረወይኒ ገርጊሽ

ካብ ሳን-ፍራንሲስኮ ካሊፎርኒያ

19 ጥሪ 2014

ድሮ ዓመት ጌሩ ስርሒት ቅያኻ

ከመይ’ዩታ ኔሩ ትብዓት ጅግንነትካ

ታንክታት ኣምሪሕካ ፎርቶ ዝደየብካ

እንታይ’ዩ ኸ ኔሩ ምስጢር ዕንቅፋትካ

 

ኣሻብ ወሲኖም ንበይኖም ክኸዱ

ዘልሓጥሓጥ ዝኣመሎም ጥዑም ዝለመዱ

ቃልሲ ናይ ሓርነት ከምኡ’ዩ መንገዱ

ገሊኦም ንህዝቦም ብመስመር ዝኸዱ

ገለ ሕድሪ ናይ ስዉኣት ፍጹም ዝኸሓዱ

ብጮማ ብዊስኪ ክሳዶም ዘርጕዱ

ኣይተዋሕጠሎምን ምሳኻ ክኸዱ

ከምኡ’ዩ ዝሕሾም ክሳብ ዝፍረዱ

 

ኣንታ ምዑት ጅግና

እንታይ ምበሉኻ ኢድካ እንተትህቦም

መጋፍዑኻዶ ኩሎም በብናቶም

ወይስ ምጕዘይኻ ክም ስጋ ሓሪዶም

መዳቐቑኻ ዶ ከም ዓጽሚ ቀጥቂጦም

ወይስ መእተዉኻ ኣብታ ግሃነብ ጉድጓዶም

ብኹሉ’ዮም ኔሮም ተዋዲዶም

ሰቢርካዮ እንደሞ ወዮ ህርፋን ከብዶም

 

ናይ ጅግና ታሪኽ’ዩ እቲ ውሳኔኻ

ጠሊሞምኒ ኢልካ መዓስ ኢድካ ሂብካ

መስዋእቲ ሓላል’ዩ ምእንቲ ህዝብኻ

ብዓቢኡ ኸኣ ከይተማራሳሕካ

ኣብታ ዓባይ ፎርቶ ድሕሪ ምድያብካ

ምእንቲ ህዝብኻ በጃ ምስሓለፍካ

ከመይ ኣላ ኣስመራ ዶ ትብል ኣለኻ

እንተ ንነግረካ ምሒር ምጓሃኻ

ደምሒት’ዩ ዘሎ ውርዲያ ህዝብኻ

ጽልግልግ ኢሉዋ ኣስመራ ብድሕረኻ

እቲ ኩሉ ጅግና ናይ ቃልሲ ብጻይካ

ኣይተብዐን’ዩ ዘሎ ክትግብር ሕድርኻ

 

ግን

ኣይቀሃመን ከኣ ስርሒት ቅያኻ

ይልሕም’ዩ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ህዝብኻ

ይሕርን’ዩ ዘሎ ኩሉ’ቲ ህዝብኻ

ክንትግብሮ ኢና ሕድሪ ለበዋኻ

 

ቅሰን ኣንታ ጅግና

 

ሰሚዕካ ዶ ወረ ናይ ብዓልቲ ቤትካ

ገዲፋታ ኣስመራ ምስ ክልተ ደቅኻ

ከምቲ ኩሉ ህዝባ ሰጊራታ ዶባ

ተጸንቢራቶ’ላ ነቲ ዉጹዕ ህዝባ

 

ትሕበን’ያ ዘላ ሰይቲ ጅግና ኮይና

መሊሱ ልዒሉ ናይ ሞራል ፍናና

ቅሰን ትብለካ’ላ ኣብ ማእከልና ኮይና

ኣነን ደቀይን እንቋዕ ናትካ ኮና

ስምካ ምስሰማዕናስ መሊስና ኰሪዕና

 

ቅሰን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • MightyEmbasoyra January 24, 2014

    Tesfaldet,
    I think you are in love with isayas the murderer. You know that he is married. On the 2nd thought, he might have a room for you.

    • ER ITRAWIT January 24, 2014

      Mighty,
      60s alata my Brother kndzey halewlew aymbelen neru.

  • MightyEmbasoyra January 24, 2014

    Frisco lady,
    Very good poem. I am proud of you. Keep it up!

  • Mahtem_Mariam January 24, 2014

    Tesfaldet,

    Meshkinay hawey abey adi tinebir? Tsehay zeyatwo, nifas zeyweko,dikdik tselam? Aemroka kifet, kab tiebit rahak, bhsem hzbka hizen,

  • Mesinas January 24, 2014

    ኣንበሲት ፍሬታ! ካብ መቊዓል (ጮማ ስጋ) ዚወጸ፡ ሱራጌ (መረቕ) ዘሎዎ ግጥሚ ኣቕሪብኪ። ሓደራ ግን ክትቅጽሊ! ዉሕሉል ግጥሚ ንምጽሓፍ ብቕዓት ኣሎኪ። ቊሩብ ጥራይ ኣብ ኣሰራርዕኡ ምምዕርራይን ኣብ ሓደ ስታንዛ ዝሕቈፍ ረምታ ድማ ካብ ሽውዓተ ክበዝሕ ስለ ዘይብሉ ምምጣንን ከድልየኪ’ዩ። ረምታ ኣብ መንጎ 2-7 እዩ ዓቐኑ። ሕጽር እንተበለውን እቲ ዝበለጸ’ዩ። ብዝተረፈ ደጊመ ቀጽሊ ድምጽኺ ኣይተሓባእ እናበልኩ ዘመስግነክን ዘድንቐክን ሓውኪ መሲናስ’የ። የቐንየለይ።

    • MightyEmbasoyra January 25, 2014

      Mesinas,
      That’s good advice to Freweyni. Can I question you on the limit (7) though? Who came up with 7 is the threshold and why? Why not 4 or 5?

  • Mesinas January 26, 2014

    ስላም ሓያል/ገዚፍ እምባሶይራ፡ ንሕቶኻ ክምልስ ፍቐደለይ? ብቕድሚኡ ግን ፈሊጥካ ከተፍልጥ ምሕታትካ አድንቀካን አመስግነካን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ንሓድሕድና ፍልጠት ብምክፋል፡ ቋንቋናን ባህልናን ከነማዕብል እንተደኣ ክኢልና፡ መሰረት ዕብየትን ብልጽግናን ረጊጽና ኣለና ማለት’ዩ። ብልጽግናን ዕብየትን ከኣ ናይ ሓደ ክልተ ውልቀ ሰባት ዘይኮነስ ናይ መላእ ህዝብን ሃገርን’ዩ ኪኸውን ዘለዎ። በዚ መስረት ድማ’የ ኣነውን ዘሎኒ ድሩት ኣፍልጦ ከይበቐቕኩ ንደቂ ሃገረይ ዘካፍል ዘለኹ። ናብ ሕቶኻ ክምለ ክቡር ሓው፥ ‘ረምታ ናይ ሓደ ናዕታ ካብ 7 ረምታ ክበዝሕ የብሉን’ ምባለይ 7 ጥራይ ኪኸውን ኣለዎ ኢለ ልዳት ወይ ድማ ደረት ኣይኮንኩን ዝፈጥር ዘለኹ። እንታይ ደኣ ኣብ መንጎኡ ክሕቈፍ ከም ዘለዎ’የ ኣብሪሀ።

    እቲ ዝወሓደ ክልተ ረምታ ክህሉዎ ከሎ፣ እቲ ዝበዝሐ ድማ ሸውዓተ ረምታ ኣሎዎ። ንኣብነት፥
    “ከመይ ኣላ ኣስመራ ዶ ትብል ኣለኻ
    እንተ ንነግረካ ምሒር ምጓሃኻ!” እዚ ክልተ ረምታ ኣሎዎ። ፈላሚ ናይ ራዕታ ድማ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ግጥሚ ብክልተ ረምታ’ዩ ዚጅምር።

    “ኣሻብ ወሲኖም ንበይኖም ክኸዱ
    ዘልሓጥሓጥ ዝኣመሎም ጥዑም ዝለመዱ
    ቃልሲ ናይ ሓርነት ከምኡ’ዩ መገዱ
    ገሊኦም ንህዝቦም ብመስመር ዝኸዱ
    ገለ ሕድሪ ናይ ስዉኣት ፍጹም ዝኸሓዱ
    ብጮማ ብዊስኪ ክሳዶም ዘርጕዱ
    ኣይተዋሕጠሎምን ጉዕዞ ምሳኻ ክኸዱ!” እዚ እቲ ዝለዓለ ረምታ ዘሎዎ ራዕታ’ዩ። ካብ ክልተ ክሳዕ ሸውዓተ ረምታ ድማ ሓቊፉ ኣሎ። ዓቐኑ ምስ ላዛን መቐረትን’ዩ ዝተሓሓዝ። 3፣ 4፣ 5ን 6ን እውን ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ካብ ሸውዓተ ንላዕሊ ብዘይናይ ረምታ ለውጢ እንተቀጺሉ ግን ንኣንባቢ ወይ ንሰማዒ ስለ ዘሰልቹ ተመራጺ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ድማ’ዩ ውሱን ዓቐን ኪህሉዎ ዚምረጽ። ክቡር ሓው ሕቶኻ መሊሰዮ ክኸውን ተስፋ እገብር።

    • MightyEmbasoyra January 26, 2014

      Thank you Mesinas! Yes, my question was purely for educational purpose. You have convinced me on the lower end (can’t be lower than two), however, I am not fully convinced on the higher end limit – 7. Someone could say why not 8? However, I also agree with you that if it is too long, it starts to get boring. Thank you for explaining and your great contribution to enhance our language.

POST A COMMENT