ኣብ ኣትላንታ ካብ ነሓሰ 3-5, 2018 ዝተገብረ ፈስቲቫል፡ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዝተጻጣሓሉ ኩነታት እዩ ተገይሩ። ኣብዚ ዓሚቕ ክትዓትን፥ ድሙቕ ትልሂታትን ዝተገብረሉ ፈስቲቫል ናይ ዝተፈላለያ ፖለቲካውን ሲቪካውን ህዝባውን ማሕበራት ሰሚናራት እውን ተኻይዱ። ኣብ ዝተገብረ ሰሚናር፥ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብህዝቢ ብዝቐረበለን ተሪር ለበዋ ንምትግባር፡ እዘን ኣብ
ኣብ ኣትላንታ ካብ ነሓሰ 3-5, 2018 ዝተገብረ ፈስቲቫል፡ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዝተጻጣሓሉ ኩነታት እዩ ተገይሩ። ኣብዚ ዓሚቕ ክትዓትን፥ ድሙቕ ትልሂታትን ዝተገብረሉ ፈስቲቫል ናይ ዝተፈላለያ ፖለቲካውን ሲቪካውን ህዝባውን ማሕበራት ሰሚናራት እውን ተኻይዱ። ኣብ ዝተገብረ ሰሚናር፥ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብህዝቢ ብዝቐረበለን ተሪር ለበዋ ንምትግባር፡ እዘን ኣብ
ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ጐረባብቲ ጥራይ ዘይኮናስ መምስ መዳውብትና ብደም ዝምድና ዘሎና ኣህዛብ ከም ምኳንና መጠን ብሰላምን ፍቕሪን ብጽቡቕ ጉርብትና እንነብረሉ ምኽንያት ብብዝሒ ስለ ዝዓዝዝ፡ ዝተጀመረ ናይ ሰላምን ዕርቂን ኣብ እዋኑ ብምዃኑ፡ ስክፍታ ብዝሓዘለ ሓጐስ ይስሞዓኒ። [gview file="https://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2018/08/eriethiopeace08052018.pdf"]
ስቲቫል ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣትላንታ ብተሳታፍነት ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሰሜን ኣመሪካ እንተላይ ካብ ካናዳ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን ትማሊ ዓርቢ 3 ነሓሰ 2018 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ድሕሪ ብኣቦ ወንበር ኤርትራውያን ኣመሪካውን ኮሚኒቲ ኣትላንታ፡ ኣብ ኣዳራሽ Eritrean American Community Centre Atlanta ብወግዒ ተኸፊቱ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ሎሚ
መስርሕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ንገለ ሕጸ፡ ንገለ ተስካር ንገለ ዓቢ ሻቅሎት ኣብ ሞንጎ ስርዓት ህግደፍን፡ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባን ዝካየድ ዘሎ ብላዕሊ ማዓር ዝተሸፈነ፡ ዉሽጣዊ ትሕዝትኡ ዘይተፈልጠ ስምምዓት፡ ዝተፋላለየ ስምዒታት ፈጢሩን ይፈጥርን ኣሎ። እዚ ሓድሽ ምዕባለ፡ ንዝበዝሑ ኤርትራ ናጽነታ ዝኣወጀት ሓራ ሃገር ኮይና ካብ ኢትዮጵያ
ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ [ትንሳኤ] ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና ሓምለ 2018 ዎ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ! ከም ህዝቢን ሃገርን ሎሚ’ውን ኣብ ዳግማይ ፈተነ ንርከብ። ስለዝኾነ ነዚ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ብዕምቆት ብምምልካት ንባብናን መትከልናን ብምንጻር ንህዝቢ ንሕብር። ብሃገራዊ ሓላፍነትን ረብሓ ህዝብን ሃገርን ብዘውሕስ ክንሕዞን ረዚን ሃገራዊ ጉዳይ ምኻኑ
ዎ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፥ ብዓንተቦ ፈታው ሰላምን ደላይ ሰናይን ህዝቢ ኢኻ። ኣብዚ እዋን ልዕሊ ዝኾነ ኻልእ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ከምዘድልየካ ድማ ርዱእ ኢዩ። ይኹን’ምበር ንሰላም ይኹን ንዂናት፡ እንታይ፡ ስለምንታይ፡ ብኸመይ፡ መዓስን ምስ መንን ከይበልካ ምእታዉ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ዝመዝነሉ ግዜ ክህሉ ስለዝኽእል ምጥንቃቕ ኣድላዪ ኢዩ። ኣብዚ ክልተ
ኤርትራውያን፡ መላኺ ኢሳያስ ዝመረጸልና መራሒ ክንቅበልን ክንሓስርን ወይ ንመሰልና ክንቃለስ ክንውስን ኣለና ኣብዛ እንነብረላ ዓለም፡ ህርፋን ስልጣን፡ ገንዘብ፡ ወልፊ መስተ፡ ዕጸፋርስን ዝሙትን፡ ካብተን ንኣእምሮ ሰባት ብምግዛእ ዘዋልኣን ኣብ ጸገምን ገበንን ዘውድቃን ዘለዋ ተርእዮታት’የን። በዘን ድኻታት ዘረስዓ፡ ፍትሒ ዝዕምጽጻ፡ ሕጊ ዝጥሕሳ፡ ትዕቢት ዘንግሳን ሃብትን ክብርን ካልኦት ወገናት
እምብለይ!!! 28/07/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ኣንታ መርዛም ተመን እምብኣር ኣግሂድካ ዘለቕ-ለቕ ልማዱ ድሮ ስዒቡካ ዘይፍታሕ ዕጣቑ እምብለይ ኢሉካ ጽፍርኻ ሓቢእካ ሓሲኻ ክትምድር ምሕንፋጥ ኣመሉ ሰብ ከተደናግር እምብለይ ኢሉካ ልብኻ ዝምርምር እምብለይ ኢሉካ ኣለኹዎ ባዕለይ… ኣንታ ውልዕ ጥፍእ ገበነኛ ጠላም መድሃኒት ዘይብሉ ፍጥር ክብል ሰራም ምልኣት ዘይርከቦ ጎደሎ ጭርምራም ትኽ ኢሉ ዘይከይድ ዘልኣለም ዝሕንክስ ከቢዱ
ጋዜጣዊ መግለጺ እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ `ቲ ኣብ ጀኔቫ ን 31 ነሓሰ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን፡ እዚ ጋዜጣዊ መግለጺ`ዚ፡ መቐጸልታ ናይቶም፡ ነቲ ካብ 31 ነሓሰ ክሳብ 1 መስከረም 2018 ኣብ ጀነቫ ክቃናዕ ተወጢኑ ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣቐዲሞም ዝተዘርግሑ ክልተ ተኸታተልቲ መግለጺታት እዩ። እታ ኣብ ጀነቫ
ነዚ ኣብ መንጎ ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ዘይንጹር ርክባትን ዘሎና ስክፍታታት ንምግላጽ ንዕለት 4/08/2018 ካብ ስዓት 14:00 ስጋብ 17:00 ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ሎንዶን፣ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተዳልዩ ኣሎ። ኩላትኩም ኤርትራውያን የዕሩኽ ኤርትራን ናብዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ ክትጽምበሩና ንዕድም።
ኣብዛ እንነብረላ ዓለም፡ ህርፋን ስልጣን፡ ገንዘብ፡ ወልፊ መስተ፡ ዕጸፋርስን ዝሙትን፡ ካብተን ንኣእምሮ ሰባት ብምግዛእ ዘዋልኣን ኣብ ጸገምን ገበንን ዘውድቃን ዘለዋ ተርእዮታት’የን። በዘን ድኻታት ዘረስዓ፡ ፍትሒ ዝዕምጽጻ፡ ሕጊ ዝጥሕሳ፡ ትዕቢት ዘንግሳን ሃብትን ክብርን ካልኦት ወገናት ዝምንዝዓ ዕንቅፋታት፡ ህቡባት ሰባትን መራሕትን ታሪኾም ዝብልላን ብገበን ዘሕትታን’የን። ከም ሳዕቤኑ
ንሓደ ሰብ፡ ሓቀኛ ትርጉም ህይወትን ምንባርን ግለጽ ተባሂሉ ምስዝሕተት፡ እንታይ ኢሉ ከምዝምልስ ንምግማቱ የጸግም’ዩ። ምናልባት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይንቡር ኩነታት፡ ምስ ካልእ ክፋላት ዓለም ዘሎ ናይ ሰባት ትርጉም ህይወትን ምንባርን፡ ሰማይን ምድርን ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብናተይ መረዳእታ፡ ሰባት ሓቀኛ ትርጉም ህይወት የስተማቅሩ ኣለዉ ክብሃል እንተኾይኑ፡
(ኤርትራውያን ኣንድመር ኣይንጎድል) ከምቲ ኣብ ፈላሚ ጻውዒት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ 24 ሓምለ 2018 ዝተገልጸ እዚ `ኤርትራውያን ኣይንድመር ኣይንጎድል` ብዝብል ኣርእስቲ ፡ ልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታዉ ዝነደረ ሓፋሽ ኤርትራዊ ፡ ህዝቢ ብህዝቢ ዘበገሶ ክልተ ቀንዲ ዕላማታት ዘለዎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ን 31
ERITREAN SNEET ASSOCIATION ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ الإريترية سنيت جمعية ለበወታትን ውሳኔታትን ህጹጽ ህዝባዊ ኣኼባ ሳንድየጎን ሎስ ኣንጀልስን ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ትማሊ ቀዳም ሓምለ 21, 2018 በቲ ኣብ ሃገርና ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ህዝባዊ ኣኼባ ገይሩ ገምጋሙ ኣንቢሩ። እዚ ንመጀመርያ ግዜ እንተላይ ወከልቲ ደለይቲ ፍትሒ ሎስ ኣንጀለስ
ፍሥሐየ መብራህቱ (2002) ምውጋሕስ ወጊሑ ፀሓይውን በሪቓ ገና ቲስማይና ወሪስዎ ጣቓ፡ ምውጋሕስ ወጊሑ ወቕቱ ተኸቲሉ ጌና ኣይተሰምዐን ዜማ ናይ ጨራሩ፡ ምውጋIስ ወጊሑ ከምዘይወግሕ የለን ንምንታይ ‘ተንከብቲ ገና ተሓጺረን? ምውጋሕስ ወጊሑ ሰማይና በሪሁ ኣብታይ ካብ መትከሎም ከመይ ዘይተፈትሑ? ምውጋሕስ ወጊሑ ኣብ ኣጋ ዘራእቲ ጎበዝ ተሳኢኑ ዝጸምድ ናውቲ፡ ምውጋሕስ ወጊሑ ድሕሪ ዘራጊቶ ኣብ ዝዓኖ ገዛ ከመይኢልካ ይእቶ? ምውጋሕስ ወጊሑ መሲሉኩም
ዶክቶር አቢይን ሃሜንነታዊ ፍልስፍንኡን 21/07/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ሃሜንነታዊ (Utopian) ፍልስፍና ዶክቶር ኣቢይ ምሁር ብምዃኑ ንብዝሓት ከም ዘደናገረ ንዕዘቦ ዘለና እዋናዊ ዜና ኰይኑ ኣሎ። ንኽልተ ነጻ ዝዀና ሃገራት ብ “ምድማር” ዝብሃል ፍልስፍና ፍቕሪ ሰላም ሓድነት ጭርሖ ተጠቒምካ ሓደ ኰንና ኣለና ኢልካ ጫውጫውን ናይ ውራያት ምቅብባልን ንሰምዖን ንርእዮን ኣለና። እዚ ናይ ለንቅነ
(ብመቀየሲ ሸኽ ከቢረ) ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ምዕራባውያን፡ ብምትሕብባር ጓሓሉ ደቀ-ባት፤ ብባርነት ዘገልግል ዝጓረትዎ ኣፍሪቃዊ ሓይሊ ሰብ ከይኣክል ፤ ነቲ ኣፍሪቃዊ መሬት ከኣ በብዘርከቡሉን ብሓይሎም ዝሃቦምን ፤ናይ ደቂ ሰብ ስሚዒትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ኣብ ግምት ከየተዉ ጎዛዚዮም ምስ መቃቀልዎ ፤ እቲ ክፉት ዝምድና ኣህዛብ ተደሪቱ ፤ ብዘይ ባህርያዊ ኣታዓባብያ
ይርኣየኒ - ሕጂ ኮይኑ! ላኻ ኣሊኻ - ድርቒ ዓቲራ መስፈ ኣብሊሓ - ፈትሊ ስዂዓ ዓይና ኣጨምቲላ - ትንፋሳ ሓቢኣ "በስመ - ኣብ" ኢላ - ኣማዕቲባ ክቢ ክትሰርሕ መሰረት መኾምብያና ክተንጽፍ፡ እወ ትርኣየኒ ……… [gview file="https://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2018/07/ብመኾምብያ-ኣደይ-ከይትመጹኒ.pdf"]
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ብጻዕቂ ሰፊሩሉ ዝጸንሐ ዶባት ኢትዮጵያ፡ `ከም ወስታ ዕርቂ` ብዝብል ምኽንያት ከም ዝሰሓበ፡ ሮይተርስ ንገጻት ፈይስ ቡክ ኣገግሎት ዜና ናይቲ ስርዓት ብምጥቃስ ሓቢሩ። እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ከይወጽአ ምስ ኢትዮጵያ ኣይንዛራረብን ኢና ክብል ንልዕሊ 16 ዓመት ደሪቑ ዝነበረ
ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኖርወይ መግለጺ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኖርወይ ኣብ ጉዳይ ዝርርብ ኣብ ሞንጎ ኢሰያስን መንግስቲ ኢትዮጲያን መሪሕነት ጽላል ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ፣ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝገበሮ ኣኼባ ብዛዕባቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ዝርርብ ብዝምልከት ተመያይጡ ኣብ ዝስዕቡ ሰለስተ ነገራት ክጠቓለል
ወርሒ ሓምለ 2018፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብፍሉይ ዝዝከራ ክትከውን’ያ። ምናልባት እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ዕስራ ዓመታት ወጥሪ፡ ድነ ኩናትን ጽልእን ኣኸቲሙ፡ ናይ ሰላምን ሓድሕድ ምትሕግጋዝን ዝተጀመረሉ ብምዃኑ፡ ታሪኻዊ’ዩ እንተተባህለ ነውሪ ኣይኮነን። ንህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ልዕሊ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈረመ መስርሕ
ሓደ ካብ ቀዳሞት ተጋደልቲ ናጽነት ኤርትራን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ነበር ኣቶ መስፍን ሓጎስ ምስ SBS ዝተባህለ መደበር ራድዮ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1991 ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ቅድሚ 3 ኣዋርሕ ኣብ ኣፍዓበት ንውሱናት ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ መሪጹ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፡
ብኣብ ቀረባ እዋን ቁንቁኝኡ ምስጢር ዘለዎ ዝመስል ሃታ ሃታ ኩነተ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያ ከም መቐጸልታ ዝሰዓበ ዑደት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ንኢትዮጵያ ብቀረባ ኩነታት ጥዕንኡ ክዕዘብ ዕድል ዝረኸበ ስሙ ዝተዓቀበ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት፡ ኩነታት ጥዕና `እቲ ፕረስደንት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት` ከም ዘሎ ሓቢሩ። ሓደ ናይ ሃገራት ዓረብ ዲፕሎማት
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመረ ናይ ሰላም ዝርርብ፡ ድሒሩ ዝሰዓበ ምብጻሕ ናይ ዶር ኣቢይ ናብ ኤርትራ፡ ዝተገብረሉ ኣቀባብላን፡ ናይ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕን ኣብኡ ዘስምዖ መደረን፡ ኣሻብኦም ካብ ናይ ደም ጸላእቲ ናብ ሓደሽቲ ፍቑራትን፡ ህያብ ኣብ ምልውዋጥን በጺሖም፡ እንታይ እዩ
ERITREAN SNEET ASSOCIATION ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ الإريترية سنيت جمعية ህዝባዊ ጻውዒት ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ናይ ሰላም ውዕል እናደገፈ፤ “ምድማር” ዝብል ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ኣምርን፡ ጻውዒትን ጌርካ፣ ኤርትራውያን መራሕቲ ከምተሳእኑ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ናይ ምሕደራ ስልጣን ናብ ካልእ ናይ ጎረቤት መራሒ ብምስግጋር ዝተገብረ
ናበይ ገጽና ኢና? ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ንሂወትና ኣብ ዝምልከት ተርእዮታት ተራና እንታይ ነይሩ ብ ፈጣሪ ክንሕተተሉ ኢና፤ ናይ ውጺኢቱ ተሓተቲ ግና ኣይኮናን። ምኽንያቱ ንፈጣሪ ውዱእ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ንጉዓዝ ፉጡራት ስለ ዝኾና። ብሕጽር ዝበለ ዘረባ እቲ ፈጣሪ ወዲእዎ ዘሎ`ዩ ክኸወን። ብርግጽ ናበይ ገጽና ኢና ንምፍላጥ ብዘኽእል መልክዕ ስለ ዘይተፈጠርና፤
14/07/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ኩሎም መለኽቲ ኣካላት ሓፈሻዊ መግለጺ ናይ ምግባት ስልጣንን ንብረትን እኳ እንተሃለዎም፡ ብዝምድናዊ ሚዛን ኣብ ነንሓድሕዶም ምስቲ ዕላማታቶም ኣብ ግምት ብምእታው ዘፈላሊ ነጥብታት ኣለዎም። በዚ መንገዲ’ዚ ክንርእዮ ከለና ዲክታቶር ኢሳያስ’ውን ካብ ካልኦት ዝፈልዮ ነጥቢ ኣለዎ። ብመሰረቱ ኢሳያስን ናይ ጥንቲ ዕላምኡን ንኣግእዞ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ሓንቲ
ምብጻሕ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ኮሸምሸም ገዲፍካ እንታይ ቁምነገርከ ተረኺብዎ? (ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል 13/07/2018) ናይ ሓደ ግላዊ ትካል ወይ ኩባንያ መራሒ ንምዃን ተወዳዲርካ ኢኻ ትረኽቦ፡፡ ኣወዳዲሮም ነቲ ዝበለጸ ዝመርጹ ከኣ ኣባላት ቦርድ ናይቲ ትካል ወይ ኩባንያ ኢዮም። ኣነ ኣብ ሓደ ደቀይ ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ (ኣብ ዓዲ እንግሊዝ)
ዝባን ስዉኣት ኤርትራውያን፡ ከይንድመር ከይንጎድል ቀዳሞት ክምስሉ እንከለዉ፡ “ከልብስ’ያ ትቅረበሉ ስጋ’ምበር ትወድቆ ሓኽሊ ኣይፈልጥን’ዩ” ኢሎም። እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሓጺር እዋን ተራእዩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ተስፋ ሰላምን፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ንነዊሕ ዓመታት ክብህጎ ዝጸንሐ’ዩ። እቲ ብምትህልላኽን ህርፋን ስልጣንን መራሕቲ ህግደፍን ወያነን ብሰበብ ዶብ ዝተባርዐን
07/11/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ተጋጊኻ ዶክተር ትህወኽ ኣለኻ ሓቂ መሲሉካ እምብዛ ጎይኻ ኩሉ በጺሕካዮ የማኑ ጸጋሙ መሓዙት ጌርካዮም ህዝቢ ዝጠለሙ ድሮ ንኢሳያስ ሓለቓ ጌርካዮ ናይ ልቡ ሰሚዑ ኪር-ኪር ኣቢልካዮ መንገዲ ረኺቡ ወዮ መታለሊ ካልእ ሕልሚ ’ይብሉን ንሳ’ዩ ዝደሊ ተጋጊኻ! ንጒሆ ብዓንተቦ መለስ ከሊኡዎ ‘ተደሌኻ ድሕረይ ሃሰስ በላ ’ልዎ እንታይ ገዲሱዎ ደም ዝኸፈልናሉ ኰርዩ ዝነበረ ሰይጣን
ደጊም ደሃይ ሰላምን ወረ ሰላምን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይቃላሕ ኣሎ። ብዘይካ`ቶም ናይ ኲናት መሳርሒ እናሰርሑ ዝሸጡን እቶም ካብ ዕግርግር ዝርብሑን እንተዘይኮይኑ እቶም ካለኦት ኩሎም ወይ ዲርጋ ኩሎም ህዝብታት ብሰላም ስለ ዝርብሑ ሰላም ዝጸልእ የለን ክበሃል ይከኣል። ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ካብ ሱሳታት ጀሚርካ ክሳብ ሕጂ
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብፍላይ ምስ ሱዳን ምስሕሓብ ምስ ጀመረ፡ ምስ ጅቡቲ `ውን ኣብ ቀዋሚ ጽልኢ ስለዝጸንሐ፡ ናይ ኢትዮጵያ ተደሚሩዎ ብጸላእቲ ተኸቢቡ ዓቕሉ ስለዝጸበቦ፡ ንስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ክመጽእ ኢዩ ኢሉ ኣብ ጭንቀት ብምውዳቑ፡ ካብቲ ናይ ሞትን ሕየትን ዝኾኑ ኩነታት ከበባ ንምውጻእ፡ ንምምጻእ ኣቢይ ኣሕመድ
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸይድ ምዃኑ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ሓለውኡ ኣቐዲሞም ብዱባይ ኣቢሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሑ ከለዉ፡ ንሱ ውን ብተመሳሳሊ ብዱባይ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ ትጽቢት ይግበረሉ። እቲ ዶባት ከይተሓንጸጸ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘራኽብ የብልናን ኢሉ ን 16 ዓመት
ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ግጭትን ወጥርን ንምፍታሕ ዘሳለጠ መራሒ ኢማራት መሓመድ ቢን ዛይድ ኣናህያን ምዃኑ፡ ኣል ኸሊጅ ዝተባህለ ብዓረብ ዝሕተም ጋዜጣ ኢማራት ኣብ ናይ ሎሚ 10 ሓምለ ሕታሙ ገሊጹ። እቲ ጋዜጣ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ዝዓበየ ጋዜጣ ብስእሊ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን መራሒ ኢማራትን
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን 5 ነጥቢ ዝሓዘ ስምምዕ ምኽታም ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምፍርራሞም፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደባት ብሓባር ከማዕብላኦ ምዃነን ወግዓዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለጸ ሮይተርስ ሓቢሩ። ትማሊ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢ ኣሕመድ ዝመርሖ ልኡኽ
ወርሒ ሰነ፡ 2018 ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ ንፋስ ከተንፍስ ተራእያ - ውሳኔ ባድመ ተቐቢልናዮ ዝብል ጻውዒት ሰላም ካብ ቀዳማይ ፕራይም ምኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ኣቢይ ኣህመድ ነፊሱ። ጸኒሑ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ሃንደበት ተቐቢለዮ ድሕሪ ምባል፡ ወከልቱ ንኣዲስ ኣበባ ልኢኹ፤ እቲ ኣብ ቅድም ክስራዕ ዝግብኦ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ተረሲዑ፡
መጋረጃ ኵርዓት ኪጥቕለል ከሎ (Losing One's Sense of Pride) ብ ኣማኑኤል ሳህለ እቲ መጋረጃ ኵርዓት ምስ ተጠቕለለ፡ ኣብቲ መድረኽ ኮይነን ምውሳአን ዚቕጽላ ባህርያት ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ ውርደትን ሕስራንን እየን። ኵርዓት (sense of pride) ምስ ኣልገሰ፡ ብድሕሪኡ ዚስዕብ ኩሉ ባህርያት፡ ንእንስሳ ደኣምበር፡ ንሰብ ዚበቅዕ ኣይኮነን፡ ከመይሲ፡ ኩሉ እንስሳዊ
ሰላም ንኹሉ ፍጡር እምነ ኩርናዕ ህላወ፡ ምዕባለን ክብረትን ስለዝኾነ፡ ኣገዳስነት ፍቅርን ሰላምን ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ምስ ካልእ ህዝቢ ዝግበር ምሕዝነት ፍሉይነት ኣለዎ። ክልቲኡ ህዝብታት ንብዙሕ ዓመታት ብጉርብትና፡ ብባህሊ፡ ብታሪኽን ብንግድን ዝተቋረነ ስዝኾነ፡ ብልቦና ዝጎደሎም መራሕቲ ነቲ ክውንነት ክተዓናቀፍ እምበር ነቲ ክውንነት ንዘንተ
ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ኣብ 2018 ዓመተ ምህረት፡ ድሕሪ 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ መወዳእታ 50ታት፡ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ፡ ድንግርግር ኢሉዎ፡ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ተዓኒዱ ይርከብ ኣሎ። እቲ `ህዝቢ ኤርትራ ዕዋኖ፡ ኣብ ኢድካ ኸሎ ልማኖ` ተባሂሉ ዝተደርፈሉ ዘመን እንሆ ዳግም ተመሊሱ። ስለምንታይ! እቲ ዝገርምን ዘሕዝንን፡