Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምብጻሕ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ; ኮሸምሸም ገዲፍካ እንታይ ቁምነገርከ ተረኺብዎ?

ምብጻሕ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ኮሸምሸም ገዲፍካ እንታይ ቁምነገርከ ተረኺብዎ? (ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል 13/07/2018) ናይ ሓደ ግላዊ ትካል ወይ ኩባንያ መራሒ ንምዃን ተወዳዲርካ ኢኻ ትረኽቦ፡፡ ኣወዳዲሮም ነቲ ዝበለጸ ዝመርጹ ከኣ ኣባላት ቦርድ ናይቲ ትካል ወይ ኩባንያ ኢዮም።

ምብጻሕ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ

ኮሸምሸም ገዲፍካ እንታይ ቁምነገርከ ተረኺብዎ?

(ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል 13/07/2018)

ናይ ሓደ ግላዊ ትካል ወይ ኩባንያ መራሒ ንምዃን ተወዳዲርካ ኢኻ ትረኽቦ፡፡ ኣወዳዲሮም ነቲ ዝበለጸ ዝመርጹ ከኣ ኣባላት ቦርድ ናይቲ ትካል ወይ ኩባንያ ኢዮም። ኣነ ኣብ ሓደ ደቀይ ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ (ኣብ ዓዲ እንግሊዝ) ከም ኣባል ቦርድ ኮይነ ዘገልገልኩሉ ጊዜ ነይሩ። ሓደ እዋን እታ ሓላፊት ቤት ትምህርቲ ዝነበረት ስለዝሞተት ዝትክኣ ንምንዳይ በቲ ልሙድ ኣገባብ ክፉት ቦታ ከምዘሎ ስለዝተቓልሐ ብዙሓት ደለይቲ ስራሕ ኣመልኪቶም። ኣባላት ቦርድ በቲ ዘቕረብዎ ጽሑፋት ተመርኵሶም ንሰለስት ካብኣቶም ብቐረባ ንምግምጋም ብኣካል ክረኽብዎም ዕድመ ገይረሙሎም።  ነፍሲ ወከፍ ቦርድ ኣባል ዝጥቀመለን መምዘኒ ነጥብታት፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ተሞክሮ፡ ወጅሃት (personality) ወዘተ ዘጠቓልሉ ነይሮም። ብኸምዚ ምስ ተሓልፈውን እቶም ደለይቲ ስራሕ ንኽምስክሩሎም ዝሮቕሑዎም ሰባት ብጽሑፍ ቃሎም ከምዝህቡ ተገይሩ። ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ብኽእለት ኣማሓድርኡን ክብረት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ክዕቅብ ይኽእል ኢዩ ዝተባህለ ሰብ ተመሪጹ።  ከምቲ ዝተደልየ ከኣ ከብሩ ሓልዩ ዝኸይድ ንተመሃሮውን ጽቡቕ ኣርኣያ ዝኸውን ሰብ ተረኺቡ።

እዛ ሓጻር ዛንታ ከተመሓላልፎ ተደልዩ ዘሎ መልእኽቲ ኣሽንኳይዶ ብደረጃ ሃገርሲ ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ትካልውን ትኹን መራሒኣ ብጥንቃቐ ክምረጽ ከምዘሎዎን እቲ ዝተመርጸ ከኣ ንሓላፍነቱ ክብሪ ክህብ ከምዝግብኦን ንምግላጽ ኢዩ። ብመስርሕ ዲሞክራሲ ኣብ ዝምሓደራ ሃገራት እቲ ዝበዝሐ ናይ ተመረጽቲ ምምማይ ዝግበር በተን ናይቲ ሃገር ጋዜጣታት ኢዩ። ሓደ ተመራጺ ክፍኣት ዝገበሮ ነገር እንተተረኺቡ ኩሉ ስለዝቃላዕ ናይ ምምራጽ ዕድሉ ሽዑ ንሽዑ ኢዩ ዝምህምን።  ሕጂ ድኣ ኣብ ኣመሪካ ሕማቕ ተርእዮ ተረኺቡምበር፡ ብኸምዚ ዝተባህለ ዝተመርጸ መራሒ ንኽብሪ ህዝቡን ሃገሩን ክሕሉ ክብል ብዙሕ ጥንቃቐ ኢዩ ዝገብር።

ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ጽኑዕ ናይ ሃይማኖት እምነት ዘሎዎ ሰብ ከምዝዀነ ካብ ኣዛርብኡን ከብ ገጸ ባህርያቱን ክግመት ይክኣል ኢዩ። ብኣንጻሩ መራሕቲ ህግደፍ ስልጣኖም ብሓይሎም ዝተወጥሑ ብምዃኖም ኣብ ክብረት ህዝቢ ይኹን ወይ ሃገር ደንታ ዘይብሎም ምዃኖም ኣብቲ ናይ  ዶ/ር ኣቢይ ምብጻሕ ዝነበረ መነወሪ ተግባራቶም ተራእዩ ኢዩ። ፍቕሪ ዝብል ጭርሖ ዶ/ር ኣቢይ ብጌጋ ብምርዳእ ካብ ኣይሮፕላን ምስ ወረደ ዶብ ብዝጠሓሰ ኣገባብ ናይ ምሕቋፍን ኢድንኢድ ተተሓሒዝካ (‘ሾቶ ብራሾ’) ናይ ምጕዓዝን ነይሩ። ኣብ ናይ ፈሸኽሸኽ ዝበዝሖ ናይ ድራር እንግዶትውን እንተዀነ፡ ብሸነኽ መራሒ ህግደፍ ናይ ዘረባ ምድላው ከይገብረ ነቲ ክቡር ጋሽኡ ኣታ ብምባል እንዳዘንጠለ  ኢዩ  ናይ ዘርባ ደርበስበስ ገይሩ።  ዘበነ ግርምቢጥሲ ማይ ንዓቐብ ኰይኑ ብሰበብ ዶብ ንዝሃለቑ መንእሰያት ኤርትራ ከየልዓለ ተገቲሩ ዘጥፋእናዮ ኩሉ ኣምሊስና ኢና ድኣ በለ፡፡ ብኣንጻሩ፡ ዶ/ር ኣቢይ ተዳልዩ ስለዝመጸ ኣዕጋብን ኣገባብ ዝሓለወን ዘረባ ኢዩ ገይሩ።

ህዝቢ ኣስመራን ከባቢኣን ንዶ/ር ኣቢይ ዝገበረሉ ኣቀባብላ ኣስገራሚ ኢዩ ነይሩ። እቲ ብኣፉ ተለጕሙ ዝነብር ህዝቢ መተንፈሲ ዕድል ስለዝረኸበ ኣብ ሰላም ዘለዎ ናፍቖት ብግብሪ ኣርእዩ። ብሃማድአ ዝተወደባ ኣዋልድ በላ ተባሂለን ብኣምሓርኛ ‘እንደመር ኣለን’ እንዳበላ ዝጨፈራ’ውን ነይረን። ብዝዀነ እቶም ብህግደፍ ዝተወደቡ ጕጅለታት ብማዕበል ህዝቢ ስለዝተዋሕጡ ክንድዚ ዝብሃል ቁጽሪ ኣይነበሮምን።

ኣይግዱ መራሒ ህግደፍ ኣብቲ ናይ ድራር እንግዶት ምስ ዶ/ር ኣቢይ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክገልጽውን ኣይከኣለን። እዚ መርኣያ ትዕቢቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎዎ ንዕቀትን ከምዝዀነ ዘረድእ ኢዩ። ብዛዕባቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብ ዘረባ ዶ/ር ኣቢይ ኢና ነመጀመርታ ጊዜ ሰሚዕናዮ፣

– እቲ ዝጸንሐ ሃዋህው ኲናት ከምተላዕለ

– ናይ ሰላም ድልድል ስለዝተሰርሐ ህዝቢ ከብን ናብን ከምድላዩ ክንቀሳቐስ   ክምዝኽእል

ወደባት ኣብ ጥቕሚ ክልቲአን ሃገራት ክውዕላ ከምዝዀና

– መጐዓዝያ ኣየር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀረባ ክምዝጅምር

ሕቶ ዶብ ንጽባሒቱ ኢና ካብቲ ዝተፈራረምዎ ውዕል ክንርዳእ ኪእልና። ዶብ ክሕንጸጽ ኢዩ ዘይኮነስ ክሕንጸጽ ምዃኑ ኢዩ ዝእምት።

ክቡራት ኣንበብቲ/ሰማዕቲ፣ እቲ ስምምዕ ንኽብሪ እቶም ኣሽሓት ህይወቶም ዘሕለፉ ዶብ ምስ ተሓንጸጸ እዝን እዝን ክስዕብ ኢዩ እንትዝኸውን ነይሩኳ እዚ ዘይወግዓዊ መንግስቲ ናብ ልቡ ዶኾን ክምለስ ደልዩ ምተባህለ ነይሩ። እዚ ውዕል እዚ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝገደድ ወጥሪ ዘእቱምበር ጥቕሚ ክርከቦ ኢዩ ኢልካ ምጽባይ ሓደገኛ የዋህነት ኢዩ ክኸውን።

ኢትዮጵያውያን ብሓጎስ ከበሮ ሓምሓም ዝወቕዑ ዘሎዉ ሓቃቶም ኢዮም፡፡ ኩሉ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብ ናቶም ረብሐ ዝዛዘወ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ነጻ ዕዳጋ ዝተመርኮሰ ባጤራ ስለዘየሎ፣ ናይ ኤርትራ ባንክ ብዓለማዊ ኣሰራርሐ ዝቕይድ ኣገባብ ስለዘየልብሉ፣ ብሕታዊ ተወዳዳሪ ንግዲ ጠፊኡ ዕዳጋ ብህግደፍን ብመሻርኽቲ ህግደፍን ዝተባሕተ ብምዃኑ፣ ከመይ ገይሩ ኢዩ’ሞ እዚ ስምምዕ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ክጠቅም?

ናይ ፖለቲካ ዘይምዕሩይነትውን ርእሱ ዝኸኣለ ጸገማት ከስዕብ ኢዩ። ዕድመ ንዶ/ር ኣቢይ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም፣ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ስነስርዓት ዝተመርኰሰ መንግስቲ ንምትካል ከምኡውን መሰል ወዲ ሰብ ንምኽባር ዝግበር ዘሎ ጻዕሪታት ብእዝንና ንሰምዖ ብዓይንና ንዕዘቦ ዘሎና ኩነታት ኣሎ። ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ድጋፍ ስለዘሎዎ ከኣ የግዲ ክዕወት ኢዩ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ኤርትራ ዲክታተራዊ ስርዓት ክሳብ ዝሃለወ ምስ ኢትዮጵያ ተመዛዛኒ ዝዀነ ምሕዝነት ምምስራት ዝክኣል ኣይክኸውንን ኢዩ። ይፈተን እንተተባህለውን ንጥፋእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ክኸውን። ከመይሉ ዝብል ሕቶ እንተመጸ መልሱ ብሩህ እመስለኒ። ዓይንና ዓሚትና’ሞ ንሕሰብ። ዶ/ር ኣቢይ ዝደልዮ ዘሎ ኣብመንጎ ክልቲአን ሃገራን ነጻ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ክህሉ ኢዩ። ከምኡ አንተዀይኑ ብዙሕ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዘሎዎ ናይ ሰላም ህርፋን ንኢትዮጵያ ክግዕዝ ኢዩ። መንገዲ ንኤውሮጳ እንዳኸረረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣንፈቱ ንኢትዮጵያ ኢዩ ክኽውን።

እዚ ብቑንጫሉ ዝተጠቕሰ ዘይተመዛዘነ ናይ ቁጠባውን ፖለቲካውን ፍልልያት ብዙሕውን ከይሰጐመ ንኽልቲኤን ሃገራት ኣብዘይምርድዳእ ከእቱ ከምዝኽእል ክግመት ይክኣል።

ዶ/ር ኣቢይ ናይ ሰላም ሰብ እምበር ናይ ፖለቲካ ተሞክሮ ይኹን ፍልጠት ዝጐደሎ ገርሂ ሰብ ኢዩ ዝመስል። ከምኡ እንተዘይከውን እሞ ነዚ ምስ ኤርትራ ዝገበሮ ስምምዕ ብዓይኒ እዋናዊ ጥቕሚ ኢትዮጵያ ጥራይ ክርእዮ ኣይምተገብአን። ኣብ ሃገሩ እሱራት ይፈትሕ፡ ተቐናቕንቲ ውዱባት ክንቀሳቐሳ ይፈቅድ፡ ብሕታውያን ጋዜጣታት እንሆልክን ሜዳ እንሆልክን ፈረስ ከምድላይክን ጋልባ ይብል – እሞኸድኣ ምስ ሓደ ዲቕ ዝበለ ዲክታተራዊ ስርዓት ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብ ማዕርነት ዝተመርኮሰ ምሕዝነት ክገብር?

ግርህነት ዶ/ር ኣቢይ ካብዚ ናይ ኤርትራ ምብጽሑ ዝተዓዘብናዮ ሓደ ዓቢ ጉዳይውን ኣሎ። ዶ/ር ኣቢይ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝገበረሉ ምብጻሕ፡ ኣብቲ ሃገር ንዝርከቡ እሱራት ኢትዮጵያውያን ምስ መንግስታት አተን ሃገራት ተረዳዲኡ በታ ዝወሰደቶ ኣየር ሒዝዎም ኢዩ ተመሊሱ። ኣብ ቤት ማእሰርትታት ኤርትራ ብዙሓት ብኽፉእ ኣተሓሕዛ ዝሳቐዩ ኢትዮጵያውያን ከምዘሎዉ እንዳተፈልጠ ንምንታይ ናታቶም ኣመትከ ዘይገበረ?

ክልእ መግለጺ ግርህነት ዶ/ር ኣቢይ – መራሒ ህግደፍ ብምስጢር ግበረለይ ዝበሎ ኣብቲ ናይ ድራር እንግዶት መደርኡ ደርጕሑዎ። “ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ናይ ዋጻኢ ጉዳያት ዝምልከት ስራሕ ሂቦምኒ ኣሎዉ’ሞ  ናይ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ስራሕ ዝወሰድኩ ከይመስለኩም” ኢሉ፡፡  እቲ ‘ዝተዋህቦ ሓላፍነት’ ካልእ እንታይ ከይከውን ብጀካ ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ምእንቲ ክልዓል ናይ ዶ/ር ኣቢይ ምትሕብባር ስለዘድለየ ኢዩ።

ምልዓል እገዳውን እንታዀነ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ከምዘይኰነ ክንዛረበሉ ዝግብኣና ኣርእስቲ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ምሕጽንታ ንኣንበብቲ ወይ ሰማዕቲ

ስርዓት ህግደፍ ንሉኡላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘእቱ ስምምዓት ኢዩ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብር ዘሎ። ንሰላም፡ ኤርትራዊ ኢዩ ልዕሊ ኩሉ ዝናፍቓ። ብኸምዚ ዝግበር ዘሎ ስምምዓት ግና ሰላም ክንረክብ ኣይክንክእልን ኢና። ስለዚ ግዱስ ኤርትራዊ ዝዀነ ኩሉ ብዝቐልጠፈ ከሳልጦ ዘሎዎ ዕማም ኣሎ። ኩልና በብዝጥዕመና መንገዲ ናብ ዶ/ር ኣቢይ መልእኽቲ ከነመሓላልፍ ኢዩ እዚ ጻውዒት እዚ ዝቐርብ ዘሎ፡፡ እቲ መልእኽቲ ብኸምዚ ዝስዕብ ንምስልሳል ዝክኣል እመስልኒ፣

1) ብቐጥታ ናብ ዶ/ር ኣቢይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኣዲስ ኣበባ

2) ኣብ ቀረባኹም ብዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ

3) ዶ/ር ኣቢይ ኣብ ዝሳተፈሉ ኣኼባ ተረኺብካ ብሕቶ መልክዕ መልእኽትኻ ምቕራብ

4) ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺብካ ብመልክዕ ጭርሖ መልእኽትኻ ምትሕልላፍ … ወዘተ.

ብዝሒ መልእኽቲ ኣገዳሲ ስለዝዀነ ውዱባትን ማሕበራትን ብሽመን ጥራይ ዘይኮነስ ንኣባላተንውን ብምጉስጓስ ኣብዚ ጻውዒት እዚ ክሳተፉ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

እቲ ክምሓለለፍ ተደልዩ ዘሎ መልእኽቲ ብቐንዱ እቲ ዝግበር ዘሎ ዘይምዛናዊ ስምምዓት ቀጻልነት ክህልዎ ከምዘይክእል ንምግላጽ ክኸውን ከሎ ገላ ሓሳባትውን ካብቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንጥብታት ክውሰድ ይክኣል ይኸውን፡ ማለት፡-

ሀ. ፖለቲካዊ ዘይምዕሩይነት፡ መንገዲ ሰላምን ዲሚክራሲን ሒዛ ክትጕዓዝ ትደሊ ዘላ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይወግዓዊ ዲክታተራዊ ስርዓት

ለ. ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት፡ ኣብ ግላዊ ዋንነት ዝተመርኰሰ ቁጠባ ከተማዕብል ትደሊ ዘላ ኢትዮጵያ ኣንጻር’ቲ ኣብ ምግባት ቁጠባ ዝኣምን ስርዓት ኣብ ኤርትራ

ሐ. ማሕበራዊ ዘይምዕሩይነት፡ ዶ/ር ኣቢይ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕልና ሕጊን መሰል ወዲ ሰብን ንምርግጋጽ ዝገብሮ ዘሎ ጐስጓስ ኣንጻርቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት… ወዘተ.

ኣብ እዝኒ ጽሓፊ ሕጂ ዝበጽሐ ወረ ከኣ ተረኺቡ። መራሒ ህግደፍ ጽባሕ ቀዳም ንኣዲስ ኣበባ ከምዝኸይድ ሓበሬታ ሂቡ ኣሎ። ኣብዚ’ሎኻ ሸርሞጥመጥ – እንታይ ኣፈርክቡ ተረኺቡ ድኣሉ ንኣዲስ ኣበባ ጉያኸ!!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትርከቡ ኤርትራውያን ነዚ ናይ ዶ/ር ኣቢይ ብነጻ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ዝሃቦ ዕድል ተጠቒምኩም ብመልክዕ ጭርሖ ሓሳብኩም ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ዘላቒ ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ሃገርና ክወረድ ብምምናይ…..

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Hagos July 14, 2018

    ዝኸበርካ ሓዉ፥
    ሓሳባትካ ኣብ ክንዲ ብስምዒት ጥራይ ፤ ከምቶም ለባማትን ወራዙትን ሽማግለታት ዓዲ ሓበሻ ፤
    ነገራት ቀስ ጌርካ ኣኾምስዕ ኣቢልካ እንተትጅመሮ ከመይ ኮን መጸበቐልካ ኔሩ። ኮይኑ ግና ኣይገበርካዮን።
    ኣብዚ ኢሳያስ ኣምባገነን ሱሱዕ ሃርጋፍ ጨፍላቒ ሰብ ምዃኑ ከስምረሉ ይፈቱ።
    ኣብዚ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባርነት ህግደፍ ኣብ ዝሳቐየሉን ኣብ ስደት ውን ከም ኣጣል ዝሕረደሉን ዝሽየጠሉን ኣዋን ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ዋጋ ዕዳጋ ዘይእተወሉ ኣዝዩ ዝደንጎየ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኢትዮጵያውያን ብኹሉ መለክዕታት በሊጾምናን ጠንጢኖምናን ሓሊፎም እዮም። ንሕና ካብኦም ንደልዮ እምበር ንሶም ካባና ዝደልይዎ ዉሱን እዩ ፥ ሓደ ካብዚ ሰላም ምስ ጎረቤት። ኤርትራ ግና ሳላ ሰውራን ኢሳያስን ናብ እተሕፍርን እተነውርን ሃገር ካብ እትቕየር ሓያሎ ኣቑጺሩ እዩ ፤
    እዚ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋትካ ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ሓቢርካዮ ኢኻ።
    ኤርትራ ሓላፍነት ህዝቢ ኢትዮጵያን ቀ.ሚ. ኣቢይን ኣይኮነትን። ብዛዕባ ኤርትራ እቶም ኤርትራውያን ዝበሃሉ ይሕስብሉ። ሓላፍነት ናይ ቀ. ሚ. ኣቢይ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ጥራይ እዮም። ንኢትዮጵያ በዚሑ ምስ ተረፋ ጥራይ እዩ ብዛዕባ ኤርትራ ክሓምም ዘለዎን ዝግበኦን። ብርግጽ ድማ ከምኡ እዩ ዝገበረ ማለት ረብሓ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ዘቐደመ።
    በዚ ድማ ርግጸኛ እየ ረብሓ ህዝብን ሃገሩን ከቐድም እዩ። ስለዚ እዚ ዘቕረብካዮ ትንተና ይኹን ኣርእስቲ መብዛሕትኡ ነዚ ኵውንነት ብልክዕ የንጸባርቕ የልቦን።
    ቀ. ሚ. ኣቢይ ንህዝቢ ኤርትራ ወይ ሱዳን ወይ ስዑድያ መራሒኦም ክመርጸሎም ኣይክእልን እዩ ፤ ምስ ዝጸንሖ ኣብዲ ይኹን ከዳሚ ፣ ዓቢድ ይኹን ሃርጋፍ ንረብሓ ሃገሩ ክብል ምስ ዝጽንሖ ክላዘብ እዩ። ንኢሳያስ : ኢትዮጵያ ዘይኮነት ኤርትራን ሜዳ ኤርትራን ዝፈጠረቶ ጊንጢ ዉላዳ እዩ። እንተደሊኻ ኣውርዶ ወይ ስቐሎ ናይ ኤርትራውያን ሓላፍነት ጥራይ እዩ።
    ኢትዮጵያውያን ብቓልሶምን ክብረት ህዝቦምን ታሪኾምን መንነቶምን ክመልሱ ሓድሽ መንስቲ መስሪቶም ኣለዉ። እቲ ቐንዲ ሕቶ ንሕና እንታይ ካብ ኢትዮጵያውያን ክንመሃር ንኽእል እዩ።
    ሓደ ካብ እትዮጵያውያን ኣብዚ ቪድዮ ቲቪ ናይ ሎሚ እተምሃርኩዎ ክነግረካ፥ ኢትዮጵያውያን መን ምዃኖም ዝፈልጡ ፤ ብታሪኾም ኩሩዓት ብናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋታት ልምድን ስርዓትን ዝተኣማመኑ፤ ኣብነት ናይ ኣፍሪቃ ከም ዝኾኑ እዩ።

    • Deglel July 15, 2018

      Mr Hagos,
      I couldn’t agree more, you eloquently expressed it all.
      This poor pathetic man who calls himself a doctor must be a doctor of zombies or of abagiE.

    • ዶ/ር ብርሃነ ወ/ሚካኤል July 15, 2018

      ሓው ሓጎስ፡ የቐንየለይ ንርእይቶኻ። ብሓደ ኢናኮ ዘሎና መስለኒ! ክልተ ቀንዲ ፍረ ነገራት ንምንጻር ኢዩ ዕላማ ናይዛ ጽሕፍቲ። 1) ሰላምን ፍቕርን ዝተሓረሞ ህዝብና እዚ ናይ ዶ/ር ኣቢይ ጎስጓስ ካብቲ ቀንዲ ዕላምኡ ከየዘናብሎ፤ 2) ዶ/ር ኣቢይ ነቲ ህልው ኩነታት ብዝበለጸ ክርድኦ’ሞ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘተኣታትዎ ዘሎ ልውጢ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ (ኣብ ደማዊ ቃልሲ እምነት የብለይን) ዕንቅፋት ከይከውን ንምጥንቃቕ። ተረዲእካኒ ክትከውን ተስፋ እገብር።

  • sagm July 15, 2018

    Deglel,

    why insult ? just b/c his opinion doesn’t go with yours ?

    Hagos is arguing point for point to outline what he thinks should be. If you are this emotional you probably have no point.

  • Goitom July 15, 2018

    Dear Assenna, you must be running out of credible writers, you really must be that desperate.
    Why do you allow this awful looking man who is probably belaA seb – a man eater hungugu.
    In his butcher jebha old murderous days he must have killed or eaten alive our gullible people of Eritrea.
    This type of butcher murderers must only be brought to the criminal courts to be punished, get rid of his ugly photo.

  • k.tewolde July 15, 2018

    ‘ኤርትራ ሓላፍነት ህዝቢ ኢትዮጵያን ቀ.ሚ. ኣቢይን ኣይኮነትን።’………..I agree with with you Hagos,however,this noble diplomatic endeavor by Dr. Abiy is far reaching,it goes beyond borders to bring peace and stability to the horn,as you mentioned Eritrea comes to the deal today severely battered by the tyrant,weak and at the disadvantage politically,intellectually,economically,socially……Oh yes,it is a litmus test for the EPM leadership how he executes this peace deal and with who.The world is watching.The poor Eritrean people has been here before.It is deja vue, only the personalities are different.It is a b….ch to be attractive everybody wants you.Sorry for my French.

    • Ermiyas July 15, 2018

      Are you also severely and savagely battered by your Rashaidas/Bedowuin wishimatatika????

  • AHMED SALEH !!! July 15, 2018

    Dr. Abiy offered his hand for peaceful
    resolution versus no war no peace policy . Our people welcomed with joy because they want see their children have normal life .
    For 27 years people surrendered to Issaias authority . And our opposition
    leaders failed our expectation . Now
    our people have not choice except
    to give a chance for alternative solution for their hardships . Remember our people had suffered enough under Issaias’s iron fist rule .
    It sounds great to talk from outside
    but those who are affected do feel differently on this developments .
    We spent our time and energy to criticize rather than to compromise even with political opposition issues
    which frustrated us all .

  • Kampala July 15, 2018

    The writer really looks like a sadistic man eater – belaE seb. Assenna why you bring monsters animals as writers??

    • Sol July 15, 2018

      From Hagos to Deglel, to Ermiyas and finally to Kampala (Tekhlay) you are suffering from schizophrenia.

      • Deglel July 15, 2018

        Wedi Halima savage evil ROOTLESS CANCEROUS Muslim Arab slave dog, mushmush kondaf nomad Yemeni saHab gimel, stinking Saho’s whore snake/rat, Abdurobo TeraAraA, You know Hagos is NOT mine, instead of Hagos you could’ve included Yitbarekh sexy!!!!
        Wedi Halima savage evil Arab slave dog, you know I am trying really hard to catch up with you but with no much success or joy so far as you are ahead of me by a far distance with your pathetic garbage pen-names of Amanuel, Sol, Almaz, Hagherawi, Asmara Eritrea, Wedi Hagher, Mohammed, Khalid, kalighe, alem, and so on.
        Wedi vicious evil Islam and savage muslim Arab mercenary, lets make a deal:- you bloody stick with your stinking Mohammed and Khalid nicks and I’ll stick with my real name sami and my favourite one shilan {i.e as long as assenna moderators stop from blocking me}, OK!

    • Tsehaye July 16, 2018

      Kampala, I agree with you about this writer looking like a man eater – belae seb hungugu.
      But what do you expect from a former Jebha al-Islamiya Rabita al-tahirir butcher expired man?

  • Hagos July 15, 2018

    ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም ከምዝደልን ብሰላም ክነብር ከምዚደልን ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ጽርግያን ኣደባባይን ወጺኡ መስኪሩ እዩ። ነዚ ክኽሕድ ዝደሊ ኣብ ሕልሚ ዝንበር ጸረ ሰላም ፣ ናይ ራኢ መኻን ጥራይ እዩ። እቶም ኣብ ኣገልግሎትን ድፋዕን ዘለዉ ኤርትራውያን ውን ንሰላም ብኽልተ ኢዶምን እግሮምን ይመርጹ ኣለዉ።

    • Deglel July 15, 2018

      Once again Mr Hagos, I couldn’t agree more, Sir.
      Poor Eritrea is indeed like a still born fetus. Think about it; if a mother finds herself with a still born fetus; she would be numb, and in complete grief. The doctors, relatives and friends would try to console and uplift her spirits. If she however goes irrational and plans buying and arranging things for the “child”, they will certainly pass their responsibility to the psychiatric professionals. Things of the sort is occurring in our land with the unashamed ELF/Jebha beasts.

      • Deglel July 15, 2018

        addition: with the unashamed arrogant barbaric evil Islamic ELF/Jebhamendef murderers beasts.{They bloody robbed our poor peasants, burned our Kunamas villages, burned our text books beheaded our poor Christian youths with their savage evil muslim ISIS jihadists partners}. Rotting/burning in their diKala HELL is the minimum punishments.

  • meretse July 16, 2018

    ዝከበርካ ዶክተር ብሓቂ መሃሪ ምክሪ። ነቲ ዝገለጽካዮ ክደግም ትርጉም ስለ ዘይብሉ ኣብ ልብና ጥራሕ የሕድሮ ኢለ ክሓልፍ። ብርግጽ ከኣ ከማካ ዝበሉ መዓድቲ ደኣ ይብዝሑ’ምበር ሰማዕትን ተማሃርትንስ ኣሎና። እዚ ናትካ ቀለም ብዙሓት ተመኒና ዘይንረክቦ ኢዩ። ሙሉእ ዝገብሮ ከኣ በቲ ሓደ ሸነኩ ናይ ምሁር ቀለም ስለዝኮነ በቲ ሓደ ሸነኩ ከኣ ተመንዮም ውሑዳት ጥራሕ ዝረክብዎ ናይ ዕድመ ጸጋ ስለ ዘሎካ። እቲ ኮይኑ እቱይ፡ ንህዝብካ ካብ ምምካርን፣ ምምዓድን ዓዲ ኣይትውዓል። ይኣምን’የ ብዙሓት ምሁራት ኣሎውና ግን ሕልነኦም ድኩም። ዝከበርካ ዶክተር፡ ነዞም ሓደ ክልተ ኣብ’ዚ መርበብ’ዚ ብዝድርብይዎ ናይ ጓሶት ቃላት ኣይትረበሽ። ሰማዕትካን ኣድነቅትካን ንሶም ኣይኮኑን። ቀጻሊ ጽሑፍካ ከንብብ ህንጡው ኢየ።

    • k.tewolde July 17, 2018

      Profoundly stated meretse,this handsome,stoic faced Eritrean Dr. said it all, raw and frank,he is one of the dwindling and rare breed the tyrant has been relentlessly trying to replace with the new GMO which repeats the same syllables at the snap of his finger.This is what happens when you allow one person to put together a stock market where he/she only knows when to sell,buy or hold.If you were an investor in this stock market what would you do?

  • ዶር ብርሃነ ወ/ሚካኤል July 16, 2018

    ሰላም ሓው መረጸ
    ስለቲ ሓልዮትካ የቐንየለይ። ኣጆኻ፡ በዝን ወዲ ከምዝን ዝሰናበድ ኣይኮንኩን። ነዞም ግዕዘይ ዝጽሕፉ ግና ኣዝየ ኢየ ዝሓዝነሎም። ምናልባት መንእሰያት፡ እዚ ዘሎ ስርዓት ብዘምጽኦ ኩነታት ብብዙሕ ሽግርን መከራን ዝሓለፉ ክዀኑ ስለዝኽእሉ ክንሕዘሎም ኣይንኽእልን ኢና። ናብ መን ድኣሞ ዘሎዎም ሕርቃን ከውጽእዎ? ኣብ ኤርትራ በዳሂ ማሕበራዊ ጸገማት ከምዘሎና ኩሉ ክግንዘቦ ዘሎዎ ሓቂ ኢዩ።

  • meretse July 18, 2018

    Brother k.Tewolde,
    Your comments are admirable. Your patience is outstanding. Please keep writing and rewriting if is necessary.
    Together we will win.

POST A COMMENT