Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ መስርሕ ሰላም

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመረ ናይ ሰላም ዝርርብ፡ ድሒሩ ዝሰዓበ ምብጻሕ ናይ ዶር ኣቢይ ናብ ኤርትራ፡ ዝተገብረሉ ኣቀባብላን፡ ናይ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕን ኣብኡ ዘስምዖ መደረን፡ ኣሻብኦም ካብ ናይ ደም

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመረ ናይ ሰላም ዝርርብ፡ ድሒሩ ዝሰዓበ ምብጻሕ ናይ ዶር ኣቢይ ናብ ኤርትራ፡ ዝተገብረሉ ኣቀባብላን፡ ናይ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕን ኣብኡ ዘስምዖ መደረን፡ ኣሻብኦም ካብ ናይ ደም ጸላእቲ ናብ ሓደሽቲ ፍቑራትን፡ ህያብ ኣብ ምልውዋጥን በጺሖም፡ እንታይ እዩ ዝኽወኖ ዘሎ፡ እምበርዶ እዚ ኩነታት ረብሓ ኤርትራ ዘቐደመ እዩ፡ ዝኾነ ዝግበር ውዕላትከ ልዑላውነት ኤርትራ ዘኽብር ድዩ፡ ዝብል ሕቶታት ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣጨኒቕዎም ይርከብ። እዚ ድማ ቕቡል ሻቕሎት እዩ። ልዕሊ ኩሉ ዘርእየና ድማ፡ ኤርትራዊ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ከም ዋና ዘይኮነስ ከም ጓና ብማዕዶ ክዕዘብ ስለ ዝተቀሰበ እዩ።፡

ሰላም ኩሉ ሰብ እዩ ዝብህጋ። ዝያዳ ድማ ብነዊሕን መሪርን ደማዊ ኩናት ዝሓለፈ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ሓለፋ ኩሉ ሃረር ይብላን ይደልያን። ጩራ ሰላም ክርኢ ከሎ ድማ ዝፈጥረሉ ባህታን ሓጎሰን መዳርግቲ የብሉን። ሐቐኛ ሰላም ግና ንኹሉ ህዝብን ወገንን ሓቛፊ ምስዝኸውን ጥራሕ እዩ ነባሪ ኽከውን ዝኽእል። ነቲ ብቀረባ መዳውብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣዋሲንካን ምስ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ ተሻሪኽካ ዝግበር  ሰላም ድማ ነባርን ውሕስነትን ዘለዎ ክኸውን ኣይክእልን።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው ድጋፉ ደጊሙ ይገልጽ። ክዕወትን ኣብ ነዊሕ ዝጠመተ ውሑስ ሰላም ክሰፍን ድማ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣቓልቦ ክወሃቦም ንምሕጸን፡

  • እቲ ዶብ ናይ ምሕንጻጽ መስርሕ ብቐዳምነት ተሰሪዑ፡ ንምትግባሩን ኣብ ባይታ ንምሕንጻጹን ምናልባት’ውን ንዝኾነ ዘድሊ ምዝርራብን ብሳልሳይ ኣካል ተሰንዩ ክግበርን፡ ተሓታትነት ዘለዎ መስርሕ ተኸቲሉ ክኸይድን፡
  • ሉዑላውነት ኤርትራ ብዓለምለኻዊ ሕጊን ሰርዓትን ዝጸደቐ ስለዝኾነ፡ ኢሰያስ ከምድላዩ ንኤርትራ ከምዝሸጣ ዝልውጣን ምስ ኢትዮጵያን ከምዝሕውሳ ጌርካ ምሕሳብን፡ መጠኑ ብዝሰሓተ ፍርሒ ኣእምሮና ከይተጨነቕና ብህድኣት ክንከታተሎ፡
  • ከምቲ ንዕዘቦ ዘሎና፡ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውራዩ ከም ዘይምልከቶ ጎስዩ፡ ንስኻ ትፈልጦ የብልካን፡ ባዕልና ንፈልጠልካ ብዘስምዕ መንፈስ፡ ዝህቢ ከይሓተተ ንወለዶታት ዝኸይድ ውሳነ ክውስን ይሸባሸብ ኣሎ። ዎ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ጉዳይካ እዩ፡ ደቕኻ ዝኸፈልካሉ፡ ንወለዶታት ዝደኸምካሉን ዝጸዓርካሉን፡ ዝተኸላበትካሉን ጉዳይ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቐራና መንገዲ ትርከብ። ኣብ ጉዳይ ሃገርካን ህዝብኻን ንዝግበር ውዕላትን ስምምዓትን፡ ድምጽኻ ከተስምዕን፡ ነቲ ኣብ ኮረሻ ተቐሚጡ ዘሎ እንታይ ኢና ንኸውን ዘሎና ኢልካ ክትሓትትን ግቡእካ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ፡ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ዘይህብ ዝኾነ ተረኽቦ የዒንትኻ ከፊትካ ክትከታተልን፡ ንዝድገፍ ክትድግፍ፡ ንኤርትራ ዘየርብሕ ኩነታት ክትኣሊ ዘድሊ ስጉምቲ ክትወስድ ብትብዓት ደው በል፡
  • እዚ ናይ ውግእ ሃዋህው ተኣልዩ፡ ዶብ ተሓንጺጹ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ጉርብትናን፡ ቁጠባውን ኩሉ መዳያውን ምትሕግጋዝ ክነብር ኣድላዩን ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግና፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ከይረኸበን፡ ልዕልና ሕጊ ከይነገሰን ኣብ ኤርትራ ሰላም ክህሉን፡ ህዝቢ ቀሲኑ ክነብርን ዘበት እዩ። በዚ ናይ ሰላም ፈንጠዝያ ከይተዘንጋዕካ ሕጊን ክብረትን ኣብ ሃገርካ ክነግስ፡ ቅዋም ክትከል ብኹሉ ዓቕምካ ክትጽዕር፡
  • ብጉልባብ ናይ ዶብ ውግእ ኣሳቢብካ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ባርያ ንመራሕቲ እዚ ስርዓት ኣብ ምግልጋል ዝርከቡ መንእሰያት ናብ ንቡር ህይወት ክምለሱን፡ ክጣየሱን፡
  • ኣብ ፍቖዶ ማሕቡሳት ተዳጉኖም ዝማስኑ ዘለዉ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ፡

 

ሰላም ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

18 ሓምለ

ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Tinsae July 18, 2018

    ኣማኑኤል ሓወይ በጃኻ ንደክተር ኣብይ ቃለ መጠየቕ ግበረሉ።

  • Tinsae July 18, 2018

    ምስጢር ጉያ ሰላም ክንፈልጥ።

  • Grar July 18, 2018

    Another old, ridged, expired ideas and commentary from the stagnant and vision-less blind Eritrean oppositions. Issaias is the most tyrant and repressive megalomaniac leader in Africa but he is a smart and experienced political survivor. He has shown again sophisticated and flexible a la acrobatic dance of political diplomacy to smash all his opponents with a stroke of a pen, be it Weyane, Eritrean opposition, Sudan, Djibouti and therest.
    The only person who predicted this coming with a prophetic accuracy was the great intellectual activist ato Yosief Ghebrehiwet YG. Wherever you are YG, thank you, I envy your great teachers and your education. It is worth teaching a single YG rather than tens of thousands of alien inspired slaves and Abeeds.
    Issaias has scored two major victories in his life, one is creating the gallant EPLF from the scratch and leading its armed forces against Mengistu’s Dergue to win the 30-year war. His second victory is without a single shot by simply ridding on the coattails of PM Abiy Ahmed and the people of Ethiopia to save his almost dead regime to breath a new life. With Ethiopia, the people Ethiopia and the resources of Ethiopia at his disposal no force will remove Issaias from power, except Aba Jigo!

    Here is how TK wrote on another page of this site:
    “Quite honestly, I really admire Issaias’s cunning abilities and charisma expected from a leader. That is what politics is all about, isn’t it? It is the art of persuasion and ruthlessness, both of which Issaias excelled; and in so doing, creating a power base for your political ends. I wish the impotent opposition could have mastered this art to save the Eritrean people. I do really admire him for employing his Machiavellian tactics in the murky waters of Eritrean politics to stay in power this long; half a century, to be precise. If politics is the art of deception, then Issaias must have been the High Priest of this art. So his march is continuing unhindered.”

  • Yosef July 18, 2018

    Bye bye Eretrea is sold by Eseyas afewerki Hgdf means Ethiopia period.

POST A COMMENT