Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Breaking News: ን15 ዓመታት ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ተመቝሑ ዝጸንሐ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ካብ ካርሸሊ ፈንጢሱ ምስ ወጽአ ተሸሪቡ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብወግዒ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ተመቝሑ ን15 ዓመታት ክሳቐ ዝጸንሐ ምኩር ፓይሎት ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ፣ ካርሸሊ፣ ፈንጢሱ ምስ ወጽአ ተሸሪቡ ከምዘሎ፣

ብወግዒ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ተመቝሑ ን15 ዓመታት ክሳቐ ዝጸንሐ ምኩር ፓይሎት ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ፣ ካርሸሊ፣ ፈንጢሱ ምስ ወጽአ ተሸሪቡ ከምዘሎ፣ እቶም ክረኽቡዎ ንክልተ ሰሙን መመላእታ ሸበድበድ ክብሉ ንኣስመራን ኤርትራ ብሓፈሻን በጽቢጾማ ዝቐነዩ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ውን ተስፋ ናብ ምቝራጽ ገጾም በጺሖም ምህላዎም ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓደ ንጉሆ ካብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ኣብያተ ማእሰርቲ ዝመጽአ ሓላፊ ናብ ካንሸሎ ካርሸሊ ብመኪናኡ ብምእታው፣ ከም ልሙድ ቆጸራ እሱራት እናካየደ ከሎ፣ ማዕጾ ናይታ መኪና ከምዘይተዓጽወ ዘስተብሃለ ደጀን፣ ብናህሪ ናብታ መኪና ኣትዩ፣ ሞተረ ብምልዓል ማዕጾ ፈንጢሱ ጽርግያ ኣኽርያ ሒዙ ከምዘምለጠ፣ ነታ መኪና ኣብ ከባቢ ምህራም ጭራ ገዲፉዋ ከምዝተሸርበ ይግለጽ።

ፓይሎት ደጀን፣ ካብቲ ቤትማእሰርቲ ፈንጢሱ ምስ ወጽአ ብኡንብኡ ናብ ጻዕቂ መካይን ስለዝተጸንበረ እቶም ቅጽበታዊ ስጉምቱ ሃንደበት ዝኾኖም ዋርድያታት ክትኩሱሉ ኣይከኣሉን።

ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር ብሎኮታት ኣስመራ፣ ከም ብዓል ተሰነይ ዝኣመሰሉ ኣብ ዶባት ዝርከቡ መሰጋገሪታትን ተዓጽዮም ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጽዑቕ ተፍትሽ ከካይዱ ከምዝቐነዩ፣ ህዝቢ ኣስመራ ‘ውን እንታይ ተረኺቡ ኢሉ ደንጽዩዎ ከምዝቐነየ ተፈሊጡ።

ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ ንደጀን ምርካቡ ምስተሓለለ፣ ነቲ ጭውያ ኤርትራውያን ሳዕሪሩሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ነጻ ገይሩዎ ዝነበረ ‘ኬላታት’ እንደገና ዓጽዩ፣ መካይን ኣብ ምፍታሽ ተዋፊሩ ቀንዩ። ይኹን’እምበር ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ስርዓት ንደጀን ንምርካብ ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪ ተስፋ ኣብ ምቝራጽ ከምዝርከብ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ኣብ መጋቢት 1999 ብምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ ተኣሲሩ፣ ብዘይፍርዲ ኣብ ቤትማእሰርቲ ክበሊ ዝጸንሐ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ካብ ወለዱ ተጋደልቲ ኣቶ ዓንደ ሕሸልን ካብ  ወ/ሮ ስላስን ብ1975 ተወሊዱ፡ ብህጻኑ ኣብ ቤትምህርቲ ሰውራ ዓብዩ፡፡ ወላዲኡ ኣቶ ዓንደ ሕሸል ቅድሚ  ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ምውጽኣ ኣብ ክፍሊ መጎዓዝያ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብዝለዓለ ሓልፍነት ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰ ገዲም ተጋዳላይ እዩ፡፡

ኣብ 10ይ ዓመት ማእሰርቱ፣ ንደጀን ብዝምልከት ብ2009 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣውጺእናዮ ዝነበርና ዛንታ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
83 COMMENTS
  • Mihretu Berhe March 26, 2014

    Look! how Isaias regime is collapsing. I am sure he had some people who organize this. The regime is just governing by fear that’s all. It has no any legitimacy over its own police let alone over the whole people. That is the beginning of the end. If you remember during Mengstu ere, everyday there was one prisoner out of the prison cells without the knowledge of the prison authorities.

    • Senait March 26, 2014

      i agree without help from other people, he wouldn’t survive (assuming he is still alive).

    • Suleiman Salim March 26, 2014

      ካብ እቶም መርዛማት ኣረግቶት ዲኻ?

  • jemahir March 26, 2014

    well Amlak mewaxio yifterelu ember eti wedi ab wishiti hager tehabius entehalyus eza zeana kurub entetixenh mihashet zibl rieto aloni

  • Senait March 26, 2014

    THis news must be true. Here is what Salih Yonis of awate wrote last week on Awate forum “Anyway, the other news Gedab is working on is the escape of a prisoner, a big name. We are going through our confirmation process so Aqli gber. Or, change your nickname to Gedab Raw…

    saay”

    • Solomon March 26, 2014

      B Senait Shim titsehif zeleka himak seb
      Esur hadimu zeghuyeka.Welad hgdef eka nayti belae seb zekone serat
      Entay kumneger keyhlweka ab mesheta deki hager tnetif temesil.

      Solomon

      • Suleiman Salim March 26, 2014

        ኣንታ ደንቆሮ ናይ ሃላያት ኣይትዛረብ። ሓደ መዓልቲ ገሊኦም ኣድጊ ኢሎም ተወጢሖምኻ ክኸዱ እዮም።

    • Bloko March 26, 2014

      Senait gossip-addict!

  • thige March 26, 2014

    AMLAK YIHALIWO KABZOM BELAITIE SEB ADEY MARIYAM ABSILALA HABIA TEWSAAYO SOLOT NIGBERELU

  • Wedi Hager March 26, 2014

    If you do not give them freedom as the leader of the nation, they will find it by themselves. The supporters of HGidef, let them bark on weyane, not caring for their citizens. Oh, God, protect this young man from the mouth of merciless.

  • Esaw March 26, 2014

    May The good lord protect you and guide you.

  • ERITRAWIT March 26, 2014

    God will follow you our dear Brother. This old and rotten Gebel took your young age for nothing people who are working for him you will pay one by one even the supporter knowing what is really happened in Eritrea!!!!!!!!!!

  • ahmed saleh March 26, 2014

    If they didn’t show a little bit of mercy or sympathy to their own bred and nurtured off-spring products of
    ” TIMHIRT SEWRA or KEYIH EMBABA ” do not get surprised to observe their cruel behavior . Only animals kill
    their off-springs . That is what we are witnessing to destroy a generation .
    Issayas knows what he wants and takes what allowed . Until someone stops him, he will keep taking,taking ……
    …….

  • SAVING YOUNG ERITREANS March 26, 2014

    “ሕልናይ ምንጻሀይ የሔጉሰኒ”

    ደቀይን ንኣሽቱ ኣሕዋተይን፣

    ንስኻትኩም ንእትጠፍእዎ፣ኣብ ጊዘ ውግእ ባድመን ከባቢኣን፣ንሕና ብጽልኢ ዝተመላእና ኣረገውቲ ፣ንባዕላትና ደቅና ኣብ ወጻኢ እናምሃርና ንዓኻትኩም ግን ናብ ሓዊ ዝወርወርናኩም ኩሉ ጊዜ ኣብ ሕልናይ ስለ ዝወቐሰኒ፣ምኽንያቱ ኣነ እውን ደቂ ኣሕዋተይን ቀረባ ኣዝማደይን ኣብ ድፋዕ ስለ ዝነበሩ፣ምጡን ምጥቓዕ እውን እንተኾነ ነዚ ዘጥፍኣኩም መንግስቲ ኣውደልዲለሉ እየ።ብሓቂ ወያነ ይኹን ኢትዮጵያውያን ግሂሶምና ኢለ ኣሚነ ዘይኮንኩስ፣ዋላ ዝግሃስና ንሕና ንኹን እምበር፣ካብ ኣዝማደይን ህዝበይን ዝሞቱኒ ማንም ወዲ ትግራይን ኣምሓራን ደቡብ ኢትዮጵያን ይሙት ብዝብል ስ ሱዕ መገዲ መሪጸ ጌጋ ሰሪሔ እየ።ካብ ብፍርቂ ልበይ ግን ኣፈይ መሊ ኤ እዚ ዝግበር ዘሎ ጥፍ ኣት ንሕና ኢና ተሓተትቲ እንተዝብል ምናልባሽ ምንም እኳ እንተዘይቀየርኩ ሕልናይ ኣይምወቐሰንን። ሕጂ ድማ ዕቡድ መትዓረቒስ ኣባትር የቐብል ከም ዝብሃል ሕርቃን እናወረሰኒ፣ነቲ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ባዕለይ ኣባላሽየዮ።ሓላፍነት ይወስድ።ምኽንያቱ ኣነ ከም ኣቦን ኣያን ጣቋ ጌረ እንተዝጽሕፍ፣ሰባት ቆንጢሮም ነገራት ጠውዮም መልእኽተይ ኣይመቕሃምዎን፣ናይዚ ተሓታቲ ግን ኣነ እምበር ማንም ኣይኮነን።
    ክቡራት ደቀይን ንኣሽቱ ኣሕዋተይን፣እዛ ሓገዝ እንተረኸበት መሊሳ ትጠሚ ዝነበረት ኢትዮጵያ መመሊሳ ትምዕብል ዘላ ኣታሓሳስባ ህዝባ ስለ ዝቐየረት እምበር፣ካብ ኤርትራውያን ይኹን ሱዳናውያን ኣሕዋታ ስለ ዝበለጸት ኣይኮነን።
    ናትና ናይ ኤርትራውያን ተዳጋጋሚ ጌጋ ድማ፣ናይ ኣተሓሳስባ ጌጋ እዩ።እቲ ዓማጺና ከም ፈታዊና፣ነቲ ሓጋዚና ድማ ከም ዘይቅየር ዘል ኣለማዊ ጸላ ኢና ጌርና ንቖጽሮ።እዚ ተጋላቢጦሽ ኣተሓሳስባ እዩ ድማ ኣብ ቅኑዕ ፍታሕ ከይንበጽሕ ዝዕንቅፈና።እዚ እዩ እቲ ከመሓላልፎ ዝደለኹ መልእኽቲ።
    ህግደፍ ኣይኮነ ወያነ ዋላ በደዊን ጸላእትና፣እንታይ ድኣ ኣተሓሳስባና ።ዘይመማሰውቲ ፣ንግፍዔኛ ተገዛእቲ፣ሓጋዚትና እንተርኣና መዲድና ዘሕብኣና ኣተሓሳስባና እዩ።ነዚ ኮሎንያዊን ባርያውን፣ናይ ገረድን ኣተሓሳስባ ዘውረስናኩም ድማ ንሕና ኣቦታትኩምን ኣዴታትኩምን ኢና።ንሕና ድማ ካብቶም ንጣልያን ተጎምባሕቲ ወለድና ዝወረስናዮ ኣተሓሳስባ እዩ።ቅድሚ መሬትናን ህዝብናን ነጻ ምውጻእና ንሓንጎልና ነጻ ከነውጽኦ ስለ ዝደለኹ እየ።
    እምበር ኣነ ህዝቢ መታሕት ኣብ ሽዕብ ብእምኒ ጽንጽሕለ ከም ዝተወቕጠ (ለወንበዴ ጥይት ኣንፈጅም ተባሂ)ንህዝቢ ወኪ ሰማንያ ቤተሰብ ደርጊ ደም ከም ዝሸነሎም ጠፊኡኒ ዶ ይመስለኩም ፧ እቶም ህግደፍ ዝወቕሱ ተቓወምቲ፣ሕመቖም ክሽፍኑ ዝደልዩ እዮም ።እቶም ናይ ኢትዮጵያ ግፍዒ መመሊሶም ክሓኵኦ ዝደልዩ ድማ ህግደፍ፣መታን ሱቕ ኢልና ክንግዝ ኣሎም ኢሎም እዮም።ካብዚ ኢሞሽናል ሕልኪ ዘውጽ ኣና ኣታሓሳስባና እዩ።
    ብዝኾነ፣ደቀይ ሃበርም እቲ ዝብሃል ኢለዮ እየ።
    ካብ ኩሉ ዘተሓሳስበኒ ድማ ኣስላማይ ህዝብና ሓምሳን ሓሙሽተን ካብ ሚእቲ ክፋል ህዝብና ከሎ ኣብቲ ተቓዋማይ ውድብ ግን ሓደ ካብ ሚእቲ እውን ኣይከውንን እዩ።ክንደይ ዓፋርን ኩናማን መታሕትን ኣለዉ ኣብዘን ፍሩያት ውድባት ፧
    ደቀይ ዝብሃል ኢለዮ እየ።ኣጀንዳ የብለይ፣ዝናፍቖ ውድብ የብለይ።መገዲ ጻዕዳ ይግበረልኩም።እቲ ዝብሃል ስለ ዝበልኩዎ ጸግዒ ኮይነ ክካታተል እየ ደቀይ ስለ ዝኾንኩም።ዓጋመ እንተዝኸውን እውን ደቀይ ኢኹም።

    ዘፍቅረኩም ሓወቦኹም
    ምስ ሓቀኛ ፍቕሪ

    • abrham March 26, 2014

      aslamai do adi alwo eu?ab nai wedi ali sdra genzeb mwtsae b assena ab ztedalwe gosgas zrzr asmat entedea riekmo,95% sm krstiyan eu

      • ahmed saleh March 27, 2014

        SYE , you know it is funny ;
        After I finish reading your comment stressing into our weakness of lack on positive thinking . I start to read next
        voicer (abraham) opinion , his first sentence make me laugh like a joke after you said it all to teach a lesson .
        I observe in my surroundings that many of us are vulnerable to backward ignorant tendencies even some of those who
        reside among western societies for many years couldn’t change . I think is hard to fix REISI HAMHAMAT stone heads .
        .

  • Suleiman Salim March 26, 2014

    ተሸሪቡ? ኣብ ካሻ ድዩ ተሸሪቡ ዋላስ ኣብ ሱዳን ከም ሻሂ ተሸሪቡ ተወዲኡ? ኣይትሻቐሉ ብወያነ ኣቢሉ ናብ ኖርወይ ክሰግር እዩ። ንስኻትኩም መስሓቓት ኢኹም !!! ካብ ስርዓት ሃዲሙ፡ ንስርዓት ዛሕዚሑ ክትብሉ መስዩኩም ( ካብ ሎሚ ንንየው በዓል መሲናስ ኢልና እንተ ጸዋዕናኩም ይሓይሽ)። ኩላ ሓፋሽ ምስ ጀግና መንግስትን ጀጋኑ መራሕቲ ኤርትራ እያ ዘላ።

1 2 3 5

POST A COMMENT