Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Breaking News: ን15 ዓመታት ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ተመቝሑ ዝጸንሐ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ካብ ካርሸሊ ፈንጢሱ ምስ ወጽአ ተሸሪቡ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብወግዒ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ተመቝሑ ን15 ዓመታት ክሳቐ ዝጸንሐ ምኩር ፓይሎት ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ፣ ካርሸሊ፣ ፈንጢሱ ምስ ወጽአ ተሸሪቡ ከምዘሎ፣

ብወግዒ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ተመቝሑ ን15 ዓመታት ክሳቐ ዝጸንሐ ምኩር ፓይሎት ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ፣ ካርሸሊ፣ ፈንጢሱ ምስ ወጽአ ተሸሪቡ ከምዘሎ፣ እቶም ክረኽቡዎ ንክልተ ሰሙን መመላእታ ሸበድበድ ክብሉ ንኣስመራን ኤርትራ ብሓፈሻን በጽቢጾማ ዝቐነዩ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ውን ተስፋ ናብ ምቝራጽ ገጾም በጺሖም ምህላዎም ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓደ ንጉሆ ካብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ኣብያተ ማእሰርቲ ዝመጽአ ሓላፊ ናብ ካንሸሎ ካርሸሊ ብመኪናኡ ብምእታው፣ ከም ልሙድ ቆጸራ እሱራት እናካየደ ከሎ፣ ማዕጾ ናይታ መኪና ከምዘይተዓጽወ ዘስተብሃለ ደጀን፣ ብናህሪ ናብታ መኪና ኣትዩ፣ ሞተረ ብምልዓል ማዕጾ ፈንጢሱ ጽርግያ ኣኽርያ ሒዙ ከምዘምለጠ፣ ነታ መኪና ኣብ ከባቢ ምህራም ጭራ ገዲፉዋ ከምዝተሸርበ ይግለጽ።

ፓይሎት ደጀን፣ ካብቲ ቤትማእሰርቲ ፈንጢሱ ምስ ወጽአ ብኡንብኡ ናብ ጻዕቂ መካይን ስለዝተጸንበረ እቶም ቅጽበታዊ ስጉምቱ ሃንደበት ዝኾኖም ዋርድያታት ክትኩሱሉ ኣይከኣሉን።

ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር ብሎኮታት ኣስመራ፣ ከም ብዓል ተሰነይ ዝኣመሰሉ ኣብ ዶባት ዝርከቡ መሰጋገሪታትን ተዓጽዮም ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጽዑቕ ተፍትሽ ከካይዱ ከምዝቐነዩ፣ ህዝቢ ኣስመራ ‘ውን እንታይ ተረኺቡ ኢሉ ደንጽዩዎ ከምዝቐነየ ተፈሊጡ።

ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ ንደጀን ምርካቡ ምስተሓለለ፣ ነቲ ጭውያ ኤርትራውያን ሳዕሪሩሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ነጻ ገይሩዎ ዝነበረ ‘ኬላታት’ እንደገና ዓጽዩ፣ መካይን ኣብ ምፍታሽ ተዋፊሩ ቀንዩ። ይኹን’እምበር ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ስርዓት ንደጀን ንምርካብ ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪ ተስፋ ኣብ ምቝራጽ ከምዝርከብ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ኣብ መጋቢት 1999 ብምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ ተኣሲሩ፣ ብዘይፍርዲ ኣብ ቤትማእሰርቲ ክበሊ ዝጸንሐ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ካብ ወለዱ ተጋደልቲ ኣቶ ዓንደ ሕሸልን ካብ  ወ/ሮ ስላስን ብ1975 ተወሊዱ፡ ብህጻኑ ኣብ ቤትምህርቲ ሰውራ ዓብዩ፡፡ ወላዲኡ ኣቶ ዓንደ ሕሸል ቅድሚ  ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ምውጽኣ ኣብ ክፍሊ መጎዓዝያ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብዝለዓለ ሓልፍነት ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰ ገዲም ተጋዳላይ እዩ፡፡

ኣብ 10ይ ዓመት ማእሰርቱ፣ ንደጀን ብዝምልከት ብ2009 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣውጺእናዮ ዝነበርና ዛንታ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
83 COMMENTS
  • Tesfu Kidane March 29, 2014

    suleyman salm Oagame weyanie kblsi aygermndo? Isyas agame mkwanu aytfeltn dika? dehar kea ane HGDEF ayelalkun bzaeba hager iye zzareb zeleku tbil! wey gud! kemaka ziamesele misluys yhludo ykewn? qedem mnalbat seb meishoka nerka ente lomi gn zikeal aykonen. dehar kea suleiman eko Sm qeyirka seb kitetalil tftin aloka ember Wedi gerahtu mkwanka habiromna alwu! bel hji kid nIsayas wedi temben ika ybhal alo emo haqi dyu? belo. Agamen zeyagemn wesani aykonen bzeyka eti seb qnu’e dyu ayqnuen iyu eti kikewn zelewo. kab delekayo gn kid ngytaka hteto, anta lehas meakor! Ab’u mis ateka gn kem zeyewxiaka flet.

  • abrham March 29, 2014

    99% BET TMHRTI SEWRA MENGSTI KEM ASGAETI HADEGEGNATAT GERU SLE ZKETSROM AYNN HAMEDN EYOM

  • Tesfu Kidane March 29, 2014

    TKIKL ZEREBA IYU. QDMI HJI MAHBER TEMEHARO BET TMHRTI SEWRA KINMSRIT ILOM NEYROM (1995) AYKEWNN TEBAHILOM.

  • Mahtem_Mariam March 30, 2014

    Glad this charismatic hero escaped the pfdj dungeon. Hope he will make it a safe haven and tell his story.

  • Habibi April 2, 2014

    There are rumours that the guy is already out of Eritrea. He was put to jail by the air force capitane (Andezion) who was the head of the airforce. The funny thing is that Dejen is now free whereas the rude captain who imprisoned him is still in jail with no perspective to see the light of freedom.

1 3 4 5

POST A COMMENT